ውፅኢት ሻምፒዮና ዓለም ንኦሊምፒክ ፃዕሪ ዝጠልብ ዕዮ ገዛ ‘ዩ

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዝተሳተፉ ሃገራት ኣብ ናይ ሜዳሊያ ተራ ውሽጢ ክኣትው ዝኸኣሉ 46 ጥራሕ ‘ዮም፡፡

ናይቲ ውድድር ድምቀትን ናይ ሜዳሊያ ተናሓናሒት ዝኾነት ኢትዮጵያ ብዘመዝገበቶም 9 ሜዳሊያታት ምኽንያት ኣብ ቀዳሞት ተራ ክትስራዕ ኽኢላ ‘ያ፡፡

ልዕሊ 5 ሜዳሊያታት ካብ ዘመዝገቡ 6 ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ብመዳልያታት ወርቂ ብምብላፃ ምኽንያት ካብ ዓለም ሻድሸይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ካልአይቲ ብርኪ ሒዛ ነቲ ሻምፒዮን ዛዚማ ‘ያ፡፡

ንትሽዓተ መዓልታት ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣዋርሕ ዝተረፎ ንናይ ፓሪስ ኦሊምፒክ ዕዮ ገዛ ዝሃበን ከምኡ ‘ውን እቲ ጉጅለ ዘለውዎ ፀገም ብግልፂ ዘመልከተ ኮይኑ ‘ዩ ተዛዚሙ፡፡

ብኣፀጋሚ ተለዋዋጢ ኣየር ኩነታት ሓሊፉ ነዚ ውፅኢት በዓል ዋና ዝኾነ ግጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ሃገሩ እንትምለስ ደሚቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ ‘ዩ።

ብማእኸላይን ነዊሕን ርሕቀት ብ34 ኣትሌታት ዝተሳተፈ ልኡኽ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሕቁፊ ዕምበባ ተበርኪትሎም ‘ዩ።

ኣብቲ ደሚቅ ናይ ኣቀባበላ መርሀ ግብሪ ‘ውን ናይቲ ጉጅለ ፃንሒትን ከምኡ ‘ውን ዝተረኸበ ውፅኢት ዘመልከተ ዝርርብ ዝተገበረ እንትኾን፤ ነቲ ጉጅለ ብምምራሕ ናብ ቡዳፔስት ዘቕነዐ ምኽትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገዛኸኝ ኣበራ፤ ንብሔራዊ ጉጅለ ዝተገበረ ኣቃባብላ ምስጋና ኣቅሪቡ ‘ዩ፡፡

ንሓደ ውርሕን ፈረቃን ዝኣክል ምድላዋት ክገብር ፀኒሑ ናብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ጉጅለ ዘመዝገቦ ውፅኢት እቲ ህዝቢ ካብ ዝለመዶን  ብኣንፃር ዓሚ ካብ ዝተረኸበ ውፅኢትን ዝነኣሰ እንተኾነ ‘ውን ብመንፅር ካልኦት ሃገራት ክርኣይ ከሎ ግና ፅቡቅ ዝብሃል ውፅኢት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ 34- 35 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበፅሕ ልዑል ዋዒ ኣብ ዘለዎ ዓብይ ቃልሲ ብምግባር ውፂት ክርከብ እንተተኽኣለ ‘ውን፤ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ከም 5ሽሕ ሜትር ዝበሉ ርሕቀታት ድማ ውፅኢት ብዘይምርካቡ ቂር ዘብል ምዃኑ ብምሕባር፤ እቶም ኣትሌታት ግና ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም፡፡

በዚ ምኽንያት ‘ውን እቲ ህዝቢ እንተዘይረኽዓ ‘ውን ኣብ መፃኢ ኦሊምፒክ ግና ዝክሓስ ምዃኑ ቃል ኣትዮም ‘ዮም፡፡

ናይቲ ፌዴሬሽን ፕሬዚዳንት ዝኾና ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ብወገነን፣ እቲ ጉጅለ ውድድሩ ብፅቡቅ ኩነታት ጀሚሩ ከም ዝዛዘመ ብምሕባር፤ ቅድም ኢሉ ዝተተለመ ካብ ዓሚ ዝንእስ ውፅኢት ንዘይምምፃእ ‘ዩ ነይሩ፡፡

በቶም ናይ ኣትሌታት ፃዕሪ ‘ውን ሜዳሊያታት ተመዝጊቦም ‘ዮም፡፡ ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ጉጅለ ብሄራዊ ኣትሌታት የብላን። ይኹን እምበር ኣትሌታት ብውልቆም ብዝገብርዎ ፃዕሪ ከምኡ ‘ውን እቲ ውድድር እንትቓረብ ብብርኪ ብሄራዊ ዝግበር ምድላዋት ሃገሮም ይውክሉ ‘ዮም፡፡

እዚ ናይ ባዕሉ ፅልዋ ዘለዎ እንተኾነ ‘ውን ብሔራዊ ጉጅለ ብኢትዮጵያዊ ጨዋነትን ብስፖርታዊ መርህታትን ብምምራሕ ውድድራቶም ብምዝዛሞም ክምስገኑ ‘ዩ ዝግብኦም፡፡ ንፓሪስ ኦሊምፒክ ድማ ዕውት ውፅኢት ንክኸውን ካብ ብሐዚኡ ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ኩሉ ተዓዋቲ ንምዃን ዝወዳደርሉ መድረኽ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ውፅኢታማ ብምዃኖም እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል መልእኽቶም ዝመሓላለፉ ድማ ፕሬዚዳንት ኦሊምፒክ ኮሚቴ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ ‘ዮም፡፡

ኣትሌታት ኣብ ቡዳፔስት ዘሎ ልዑል ዋዒ ብምፅዋር ኣብዚ ብምብፅሖም ክብሪ ከምዝግብኦም ተዛሪቦም፡፡ መፃኢ ኦሊምፒክ ከም ምዃኑ ኢትዮጵያ ካብ ዝትሳተፈሎም ዘፈላለዩ ዓይነታት ስፖርታት መግለፂኣ ብዝኾነ ኣትሌቲክስ ካብ ብሐዚኡ ሰፊሕ ምድላው ክግበር ‘ዩ፡፡

እቲ ኮሙቴ ካብ ዝገብሮ ምድላዋት ብዝሓለፈ መንግስቲ ‘ውን ኣትሌታት ብፍሉይ ኩነታት ዝድገፉሉን ከምኡ ‘ውን ኣፀጋሚ ዝኾነ ናይ ስፖርት መዘውተሪ ቦታታት ዘይምህላው ንኽቅረፍ ክስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ኦሊምፒክ ኣብ መላእ ኣውሮፓ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ዜጋታት ነቲ ጉጅለ ስፖርት ንምድጋፍ ኣብ ፓሪስ ንክርከቡ ንምግባር እናተሰርሐ ብምዃኑን ኣብዚ መንግስቲ ሓገዝ ንኽገብረሎም መልእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም፡፡

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ቀጄላ መርዳሳ ‘ውን ናይ እንኳዕ ደስ በልኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም፡፡ ‹‹ኣትሌታት ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣደናቂ ነይሩ ብምባል፤ ብዙይ ‘ውን ሃገሮም ከትፅዋዕ ብምግባሮም ምስጋና ይግብኦም ‘ዩ፡፡

እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ‘ውን ዝንዓቅ ዘይኮነስ ኣፅጋቢ ክብሃል ዝኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ንውፅኢት ዝገበርኦ ኣበርክቶ መኹርዒ ‘ዩ፡፡›› ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ጠንካራን ሓላፊነት ናይ ምሽካም ዓቅመን ዝተረኣየሉ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡፡

ንኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ቐረባ እዋን ናይ ኣፍልጦ መድረኽ ከምዝዳለው እቶም ሚኒስትር ቃል ኣትዮም ‘ዮም፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You