‹‹ኣብ ዘፈር ቱሪዝም በፃሕቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ዝገብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና››  – ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ

ንክልተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኩናት ስዒቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ዝበፅሐ ሰብኣዊ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ፡፡ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ጥራሕ ‘ኳ እንተሪእና ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዋ ‘ዩ፡፡

ብንእሱ ካብ ከም እኒ በዓል ኣሸንዳን ካልኦትን ዝበሉ በዓላት ብመልክዕ ቱሪዝም ዝርከብ ዝነበረ እቶት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ ዝበፅሐ ጉድኣት ቐሊል ዝባሃል ኣይኮነን፡፡ ብኮሮና ፈዚዙ ዝነበረ ምንቅስቅስ ቱሪዝም ከቢድ ኩናት ተኸቲልዎ ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ኢሉ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡

ካልኦትን ህዝባዊ በዓላት ‘ውን ብተመሳሳሊ፡፡እዞም በዓላት ካብ ሃይማኖታውን ባህላውን ሓሊፉ ቱሪዝም ብምልዕዓል ፍልፍል እቶት ምዃኖም ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ለብዘበን ብዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም በዓል ኣሸንዳ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ክኽበር ክኢሉ ኣሎ።

እዚኦምን ካልኦት በዓላትን ትግራይ ፍልፍል ቱሪዝም ኮይኖም ንዳግማይ ህንፀት ትግራይ ዝህልዎም ኣወንታዊ ግደ ቐሊል ኣይኮነን፡፡ ከምዝፍለጥ ትግራይ ካብ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታት ሓሊፉ ዝተፈላለዩ መስሕብ ቱሪዝም ዝርከቡላ ክልል ‘ያ። ኣዝዮም ጥንታውያን ገዳማት፣ መስጊድ ከምኡ ‘ውን ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ቕርስታት ዘለዋ ክልል ‘ያ፡፡

በዚ መሰረት በዓል ኣሸንዳን ካልኦት በዓላትን ቱሪዝም ብምንቕቓሕ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ እንታይ ከምዝመስል ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን ዝኾና ወይዘሮ ኢትዮጵያ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣሸንዳ ከከም ከባቢኡ ዝተፈላለዩ ሹማት ሒዙ ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ 24 ነሓሰ ኣብተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ በቢ ዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ። ለብዘበን በቲ ዝተረኽበ ኣንፃራዊ ሰላም ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝሓሸ ኩነታት ተኸቢሩ ኣሎ። ነዚ ንምኽባር ክግበር ዝፀንሐ ምድላውን ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀን ትግራይ ዘበርከቶ ኣወንታዊ ኣስተዋፀኦን እንታይ ይመስል?

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡- ኣብ ትግራይ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ስዒቡ ብዙሓት ፀገማት ‘ዮም ዘለዉ፤ ከምዝፍለጥ 2012 ዓ.ም ኮሮና ‘ዩ ነይሩ፤ ቐፂሉ ድማ እቲ ኩናት ብዝፈጠሮ ፀገም ኣሸንዳ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ዳርጋ ኣይተኸበረን ነይሩ፡፡

2013ን 2014ን ኣብ ከቢድ ኩናት ዝነበርናሉ ዓመታት ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ስደት ምፍንቓል፣ ጥሜት፣ መጉዳእትን ሞትን ዝነበርናሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ደቒ ኣንስትዮ’ውን ኣብ ኪቢድ ፀገም ስለ ዝነበረ ኣሸንዳ ንምኽባር ዝሕሰብ ኣይነበረን፡፡

ዝበፅሐ ስቓይን መከራን ንምግላፁ ከቢድ ‘ዩ፡፡ ሕዚ ‘ውን እቲ መከራ ቐኒሱ ‘ምበር ኣብቒዑ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ኣብ ወሰናወሰን ከባቢታት ትግራይ ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ዝተፈናቐለ ኣብ ቑርን ፀሓይን ‘ዩ ዘሎ፤ ገና ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን፡፡

ኮይኑ ግና ዋላ ምስ ፀገማትና ክነኽብሮ ስለዘለና ሎሚዘበን ማለት 2015 ዓ.ም እቲ ዝተረኽበ ሰላም ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበርና ፀኒሒና ተኸቢሩ ‘ዩ፡፡ ሎሚዘበን በዓል ኣሸንዳ ክነኽብር እንተለና ጥዒሙና ኣይኮነን፡፡ ኮይኑ ግና ብዝሓለፈን ዘሎን ፀገም እናቖዘምካ ካብ ምንባር ዘሐሸ ስራሕ ከንሰርሕ ስለ ዘለና ‘ዩ፡፡

ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይና ኢና ኣሸንዳ ኣኽቢርናዮ። ብዝተፈጥረ ፀገም ተስፋ ምቑራፅ እንተይኮነስ ብሓቦ ተላዒልካ ንቕድሚት ምሕሳብን ምስራሕን ‘ዩ ዘድሊ ኢልና ኢና ተላዒልና፡፡ ብዓል ኣሸንዳ ድማ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ‘ዩ፤ ተደጋጊፍና ክነብዕሎ ስለ ዘለና ምስ ብዙሕ ፀገማትና ክነብዕሎ ክኢልና ኢና፡፡

2015 ዓ.ም በዓል ኣሸንዳ ክነኽብር እንተለና ደስ ኢሉና ኣይኮነን ኣብዒልናዮ፡፡ ግቡእና ስለ ዝኾነ ‘ዩ። በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ዝበቓዓና ድሕሪ ብዙሕ ብመስዋእቲ’ዩ፡፡ስለዚ ነዚኦም ተሓሳቢ ብምግባር ኢና ኣብዒልናዮ፡፡

ኣብዚ ሰዓት እዚ ክመሃር፣ ሓዳር ክሕዝ ዝግበኦ ብሰንኪ እቲ ኩናት መስዋእቲ ከፊሉ፤ ኣካሉ ጎዲሉ ‘ዩ፡፡ ከምዝፍለጥ ኣሸንዳ ናይ ተጋሩ በዓል ‘ዩ። ኣብዚ ዓመት ዝወሰድናዮ መፍትሒ ኣሸንዳ ቱሪስት ብምስሓብ ኣብታ ክልል ዝበፅሐ ጉድኣት ብኢኮኖሚ ንምድጋፍ ኢልና ተንቐሳቒስና ኢና፡፡

ኣሸንዳ ንመስሕብ ቱሪዝም ከንጥቐመሉ እንተለና ዓብዪ ናይ ኢኮኖሚ ምንቕቓሕ ‘ዩ ዝፍጠር፡፡ ንኣብነት ብዙሓት ናይ ባህሊ ክዳውንቲ ‘ዮም ዝሽየጡ፤ ሆቴላትን ካልኦት ንግዲታት ይሳለጡ።

ስለዚ ኣሸንዳ ካብ እቶም ውቑባት በዓላት ሓሊፉ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ዘለዎ ግደ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ንሕብረተሰብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘምፀአሉ ‘ዩ፡፡ ኢኮኖሚ ረብሓ ክንብል እንተለና ሕብረተሰብ ይኹን መንግስቲ ይጥቐም ማለት ‘ዩ፡፡

ስለዚ ነዚ ተሓሳቢ እናገበርና ኢና በዓል ኣሸንዳ ኣኽቢርናዮ። ኣሸንዳ መስሕብ ቱሪዝም ብምግባር ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ሓጋዛይ ክኸውን ተሓሳቢ ብምግባር ኢና ኣብዒልናዮ፡፡

ካብ ኣሸንዳ ዝተረኽበ እቶት በቲ ኩናት ዝተጎድኡ ወገናትና ንምሕጋዝ ኢና ተጠቒምናሉ፡፡ ማለት ተመዛቢሉ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ንዝነብር ህዝቢ፣ ንኣካለ ጉድእ ዝመሳሰሉ ንምድጋፍ ኢና ተጠቒምናሉ፡፡

ነዚኦም ረሲዒኻ ናብ ካሊእ ክትጥቐመሉ ኣይትኽእልን። እዚ ዋላ እኹል ኣይኹን ናይ ሞራል ስንቒ ክኾን ኢልና ኢና፡፡ ኣብ ናይ ኣሸንዳ ከም ቑንጅና ውድድርን ፈስቲቫልን ዝመሳሰሉ እናካየድና ፀኒሕና ኢና፡፡

ሽምዓ ብምብራህ በቲ ኹናት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዘኪርና ኢና። ናይ ቀደም መራሒና ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ‘ውን ኣብ ነሓሰ ውሽጢ ስለ ዝነበረ ንምዝካር ዝኣክል ስፍሕ ዝበለ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነ ስርዓት ኣካይድና ኢና፡፡

ካሊእ ብፍላይ እቲ ኣሸንዳ ኣብ ኣማፃፅእኡ እንታይ ከምዝመስል ፓነል ምይይጥ ተገይ ‘ዩ፡፡ ከምኡ ‘ውን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ምይይጣት ተገይሮም ‘ዮም፡፡ ኣብቲ ፓነል ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ‘ውን ተረኺቦም ‘ዮም፡፡

ኣብቲ በዓል ኣሸንዳ ድማ ከምቲ ኩሉና ዝረኣናዮ ካብ ክልል ኦሮሚያ ተወከልቲ መፂኦም ኣብቲ በዓል ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡ እቲ በዓል ከምቲ ኩላትና ዝረኣናዮ ህዝቢ ትግራይ በቲ ኩናት ተሓስዩ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ድሙቕ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ውሽጢ ሓዘን ኮይና ኢና ክነብዕሎ ክኢልና፡፡

ወጋሕታ፡- ከም ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀልን ካልኦት በዓላትን ብምብዓል ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ክውዕሉ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቕስቓስ እንታይ ይመስል?

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡– ኣብቶም ከም በዓላት ሓዱሽ ዓመት፣ መስቀል ኢሉ ‘ውን ጥምቀት ዝመሳሰሉ በዓላት ብምንቕቓሕ ንኢኮኖሚ ትግራይ ዝድግፍሉ ኩነታት ንሰርሕ ኣለና ኢና።

በዓላት ትግራይ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምድጋፍ ናይ በዓሎም ኣወንታዊ ግደ ስለ ዘለዎም እናተሰርሐሉ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ኢኮኖሚ ትግራይ ብምንቕቓሕ ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ብፍላይ ትግራዋይ ልዑል ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ፡፡

ሕዚ ‘ውን ቐፂሎም ዘለዉ በዓላት ብተመሳሳሊ ንምብዓል ባህልን ቱሪዝምን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ እናሰርሐ ‘ዩ። እዚ ክብል እንተለኹ እቲ ዝገጠመና ፀገም ከይረሳዕና ወይ እናዘከርና ኢና ነብዕሎ፡፡ ዝሓለፈ ፀገም ከይድገም ምእንቲ ክርሳዕ የብሉን፡፡

ባህልታትና ክነኽብሮም ኣለና፤ ባህሊ ምስ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብር ‘ዩ፡፡ ዋላ ፀገም ገጢሙና እናሃለወ በዓላትና ካብ ምኽባር ንደሓር ኣይንብልን፡፡

ባህሊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ንኽኸይድ ንሕና ግቡእና ከንዋፃእ ኣለና፡፡ ፀገም በፂሑና ኢልና ስኽ ከንብል ኣይንኽእልን። ኣሸንዳ ይኹን ካልኦት በዓላት ትግራይ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ትውፊታትናን ሃፍትናን ‘ዮም፡፡

በዓላት ትግራይ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዘለዎ ልዑል ተራ ብምፍለጥ ብግቡእ ከንጥቐመሎም ኣለና። ሕዚ በቲ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ውሱን ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ኣሎ፤ እዚ ኩሉ ትግራዋይ ፈተውቲ ትግራይን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ክሕግዙ ኣለዎም፡፡ ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ ሓደ ትካላት መንግስቲ ተጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ኮይኑ ግና ብዝበፅሐ ጉድኣት መንፃር ክረአ እንተሎ ብዙሕ ‘ዩ ዝቀርየና፡፡ ብዙሓት ዝዓንዩ ትካላት ኣለዉ። ካብዚኦም መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ከቢድ ጉድኣት በፂሑዎም ‘ዩ፡፡ እዚኦም ፀጊንካ ቱሪዝም ንምንቕስቓስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሕግዝ ኣለዎ፡፡

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኮይንካ ምስቲ ዘሎ ከቢድ ፀገም ሓዱሽ ነገር ንምፍጣር ከቢድ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ዝተፈናቐለን ጉድኣት ዝበፅሖን ህዝቢ ኣሎ፡፡ ከቢድ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ኣሎ፡፡ ሕዚ ንቕድሚት እንተይኮናስ ናብ ዝነበርናዮ ንምምላስ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ፡፡ ኣብዚ ብፍላይ ተወላዲ ትግራይ ክተሓጋገዝ ኣለዎ። በዞም በዓላት ዝርከብ እቶት ድማ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ከንጥቐመሉ ኣለና።

ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ከንብል እንተለና በቲ ኩናት ዝተጎድኣ ደቒ ኣንስትዮ ይኹና ደቒ ተባዕትዮ ከምኡ ‘ውን ካልኦት መሰረታዊ ነገራት ንምሕጋዝ ‘ዩ፡፡ ከምቲ ዓንተዎ ዝበልክዎ ኣብ መሰረታዊ ልምዓታት ከቢድ ዕንወት ስለ ዝበፅሐና ነዚኦም ንምፅጋን ‘ምበር ንቕድሚት ንምኻድ ኣፀጋሚ ‘ዩ፡፡ ዳግመ ሕውየት ንብል ዘለና እንተነኣሰ ናብቲ ዝነበርናዮ ንምምላስ ዩ።

ናብ ዝነበርካዮ ምስተ መለስካ ኢኻ ንቕድሚት ከትኸይድ ትኽእል ‘ምበር ንሱ ኣስተኻኺልካ እንተይወዳእኻ ካሊእ ሓዱሽ ነገር ከትሰርሕ ኣይትኽእልን፡፡ ኣብዚ ኣብ ዳግመ ሕውየት ንገብሮ ምንቕስቓስ ብፍላይ ትግራዋይ ዝኾነ ኩሉ ክተሓባበር ኣለዎ።

ንኻሊእ ወፃኢታት ዝጥቐመሉ ዝነበረ ብምቕናስ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ክሕግዙ ኣለዎም፡፡ ዋላ ንሕና ‘ውን ብኣሸንዳ ዝኣከብናዮ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ኢና ንጥቐመሉ ዘለና፡፡ ከምኡ ‘ውን በቲ ኩናት ዝተጠቕዑ ወገናትና ንምሕጋዝ ኢና ንጥቐመሉ ዘለና፡፡

እዚ መሰረት ገይርና ኢና ንሰርሕ ዘለና፡፡ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ድማ ኣብ ዓዶም ኢንቨስት ብምግባር ንበዓርሶም ተጠቒሞም ዓዶም ክጠቕሙ ኢና ንፅውዕ፡፡ ክልኦት ከም በዓል መስቀልን ጥምቀትን ዝበሉ ‘ውን ንኸምዚ ኢና ከንጥቐመሉ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ሕውየት ሓድግታት ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ኸ እንታይ ይመስሉ?

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡– ኣብ ትግራይ በቲ ዝነበረ ኩናት ብጣዕሚ ካብተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ቕድሚት ካብ ዝስርዑ እቲ ሓደ ቅርሲ ‘ዩ፡፡ ኣብያተ ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲን ካልኦትን ኣዝዮም ዓንዮም ‘ዮም፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ቱሪዝም ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖ ሴክተር ‘ዩ፡፡

ብዙሓት ሓድግታት ተዘሪፎምን ዓንዮምን ‘ዮም፡፡ ብዙሓት ገዳማት ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ፡፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ብዙሓት ቕርስታት ተጎሓይሎምን ዓንዮምን ‘ዮም፡፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ፡፡

እዚ በቲ ዝብጀት ዘሎ በጀት መንግስቲ ዝሓዩ ኣይኮነን። ንሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዝ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ መሰረተ ልምዓት ንምፅጋን ዝሕግዝ ኣይኮነን። ሕዚ ‘ውን ናይ ባጀት ክፍተት ኣሎ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ብኽልተ

 መንገዲ ንምስራሕ ‘ዩ ተሓሲቡ ዘሎ፡፡ እቲ ሓደ ዝዓነዋ ገዳማትን ካልኦት ትካላትናን ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ብጉልበቱ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ክሰርሕ ዝተጀመሩ ምንቅስቓሳት ኣለዉ፡፡ እንተነኣሰ ዝዓነዉ ህንፃታት ዝሰርሐሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፡፡

ዝዓነዉ መንገዲታት ‘ውን ብተመሳሳሊ ክንዲቲዝከኣል ብተሳትፎ ማሕበረሰብ ክስራሕ እናተገብረ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ቐንዲ ኣካል እቲ ሕውየት ኮይኑ እናተንቀሳቀሰ ‘ዩ ዝርከብ፡፡

እቲ ካሊእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ደገ ዝርከቡ ፈተውቲ ቱሪዝም ትግራይ ኢንቨስት ክገብሩ ብሓሳብ ይኹን ብገንዘብ ክሳተፉ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮጀክትታት ሓንፂፅና እናሰራሕና ኢና ንርከብ። ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ንምብፃሕ ‘ውን ንንቀሳቀስ ኣለና ኢና፡፡

ኣብ ሕውየት ቱሪዝም ትግራይ ጀማሚርናዮም ንዘለና ምንቕስቃሳት ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብሩ ተጋሩ ይኹኑ ካልኦት ፈተውቲ ትግራይ ክሕግዙ ኢና ንፅውዕ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ኣብ ትልምና ብምውታው ተስፋ ዘለዎም ምንቕስቓሳት እናገበርና ኢና ንርከብ፡፡ ኣብዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሕግዝ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ከምዝፍለጥ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ከቢድ ዕንወት በፂሕዎ ‘ዩ፡፡ እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ምስ ቱሪዝም ዘለዎ ምትእስሳር ዝፍለጥ ‘ዩ። ብምዃኑ ነዚ ንምፅጋን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ነገራት እንተልዮም ተዝገልፃልና፡፡

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡– ናይ ኣክሱም መዕርፎ ነፈርቲ ከቢድ ጉድኣት ‘ዩ በፂሕዎ፡፡ ኣብቲ ህዝቢ ‘ውን ከቢድ ናይ ህይወትን ኣካልን ከምኡ ‘ውን ሞራላዊ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ።

እዚ ቕድም ኢልና እነሓሰብናሉ መፂእና ኢና፡፡ ክስረሐልና ምስ ዝምልከቶም ናይ ፌዴራል ኣካላት ምዝርራብ ኣሎ። ንምፅጋን መደብ ከምዝሓዙ ‘ዮም ዝገልፁልና፡፡ እዚ ናይ ፌዴራል ትካል ‘ውን ስለ ዝኾነ በዓሉ እቲ መንግስቲ ይፈልጦ ‘ዩ፡፡ እቲ ረብሓ ‘ውን ንመንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ‘ዩ፡፡

ዘንጊዑ ‘ዩ ኮይኑ ግና ንኽስራሕ መደብ ተታሒዝሉ ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ብፍላይ ምስ ቱሪዝም ዘለዎ ምትእስሳር ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ከይንገላታዕ ተባሂሉ ናይ ሽረን መቐለን ቐልጢፉ ክጅምር ተገይሩ ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ብኣወንታ ዝውሰድ ‘ዩ። በርግፅ እቲ ጉድኣት ይፋላለ ‘ዩ፡፡

ስለዚ እቲ ፃዕሪ ኣይተቋረፀን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ይዘራረበሉ ኣሎ ‘ዩ። ንሕና ‘ውን ከም ቢሮ ከንሰርሖ ዝግበአና ምስቲ ናይ ኣክሱም ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን እናተዛራረብና ኢና ንርከብ። ምኽንያቱ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘይብሉ ዝስራሕ ነገር የለን። ብብርኪ ኽልል ከንገብሮ ዝግበአና እናገበርና ኢና፡፡

እቲ ክልል ቕድሚኡ ክህቦም ዝግባእ ነገር ኣሎ፤ ብዙሕ ፀገም ምህላዉ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ቕድሚት ክመፅእ ዝግበኦ ጉዳይ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ‘ዩ፡፡ ምሕጋዝ ‘ውን ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሞት፣ ሕማምን ጥሜትን ስለ ዘሎ ኣብዚ ፀቒጥና ንሰርሕ ኣለና፡፡

ሙሉእ ዓቕምና ኣብ ቱሪዝም ከይንገብር ካልኦት ናይ ህይወት ጉዳያት ስለ ዘለዉና ኢና፡፡ ኮይኑ ግና ሸለል ዝበልናዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም በፃሕቲ ዓዲ መፂኦም ዑደት ዝገብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና ፡፡

ወጋሕታ፡- ካሊእ ክቐሪ ዘይግበኦ ነጥቢ እንድሕር ዘይሃልዩ ኣብ ዙርያ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምሕላፍ ዝደልየኦ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህበን፡፡

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡- ኣነ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ ድሕሪ ኣሸንዳ ብዙሓት በዓላት እኒሀቡ ‘ዮም። ከም በዓል ሓዱሽ ዓመት ወይ ቅዱስ ዮሃንስ፣ መስቀልን ጥምቀትን ዝመሳሰሉ ኣለዉ፡፡ እዞም በዓላት እዚኦም ኣብ ቱሪዝም ዘለዎም ኣወንታዊ ግደ ቐሊል ኣይኮነን።

ኣብዚኦም ብኣግባቡ ብምስራሕ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ከንጥቀመሎም ኣለና፡፡ ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ተወለድቲ ተጋሩ ናብ ቤተሰቦም ብምምፃእ ዓዶም ይጉብንዩ ‘ዮም፡፡ ከምኡ ‘ውን ብዙሓት ናይ ደገ ዜጋታት ዝመፅሉ ‘ዩ፡፡ በዚ መሰረት ካብቶም በፃሕቲ ዓዲ ዝርከብ እቶት ኣሎ።

እዚ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣብ ምጥቃም ልዑል ስራሕቲ እናተሰርሐ ስለ ዝኾነ ከንተሓጋገዝ ኣለና፡፡ ብሰንኪ እቲ ኩናት ብዙሓት ወገናትና ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብዚ ከንሳተፍን ከንተሓጋገዝን ኣለና።

እዚ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ስራሕ ‘ኳ እንተኾነ ብፍላይ ትግራዋይ ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ፡፡ በቢደረጅኡ ኩሉ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ክቕፅል ፃውዒተይ ከቕርብ ይደሊ፡፡

ወጋሕታ፡– ንዝሃባና ሓበሬታ ኣዝየ ‘የ ዘመስግን።

ወይዘሮ ኢትዮጵያ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝአንገድኩምኒ ኣዝየ ‘የ ዘመስግን፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You