ህዝቢ ይመርሓኒ እዩ ንዝብሎ ፓርቲ ብድምፁ ከረጋግፅ ከምዘለዎ ተሓቲቱ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ መረፃ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን እቲ ህዝቢ ዝሐሸ መማረፂ ፖሊሲን ኹለመዳያዊ ዕብየት ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ ንዘለዎ ፓርቲ፤ ብካርዱ ምምራፅ መሰሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡኡ’ውን ከምዝኾነ ሙሁራን ገሊፆም።

ሪኢቶኦም ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ካብ መንጎ ዝሃቡ ሰባት፤ንነዊሕ እዋን ተሳትፎ ፖለቲካ ዝነበሮምን መስራቲ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ዝነበሩ ኣይተ ሌንጮ ለታ ከምዝገለፅዎ ፣6ይ ሃገራዊ መረፃ ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮና እንትናዋሕ ብሓደ ሓደ ፓርትታት ፖለቲካ ቅሬታ ይልዓል ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ መንግስቲ መረፃ ንኽግበር እንትውስን ክናዋሕ ናይ ምድላይ ዝንባለ ከም ዝስትውዓልን፤ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ፓርትታት ዝርኣይ ዘይምቅዳው ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ከምዝፈጠረ ዝጠቒሱ ኣይተ ሌንጮ፤እቶም ፓርትታት’ ውን እቲ ህዝቢ ንመረፃ ድልው ንክኸውንን ድምፁ ንክህብን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ድኹም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን ‘ምበር መረፃ መግለፂ ዲሞክራሲ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ነቲ ዝድለይ ሰላም፣ልምዓትን ዕብየትን ንምርግጋፅ ዘለዎ ውፅኢት ዕዙዝ ብምዃኑ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ እዩ።ብሕፅረት ተሳትፎ ህዝቢ ዝፍጠር ፀገም ናይ ኹሉ ገዛ ስለዝንኩሕኳሕ፤ተሳትፎ ካብ መሰል ንላዕሊ ዜግነታዊ ግቡኡ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ተነሓናሕቲ ፓርትታት፤ ንሓንቲ ሃገር ወሰንቲ ዝኾኑ ናይ ልምዓትን፣ ፖሊሲታት ርክባት ወፃኢን ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ሓደ መረፃ ዘይፍታሕ ‹‹ኣሃዳዊ ወይ ፌደራላዊ››ዝብል ቕርፂ ኣወቓቕራ ሃገር እናተጨቓጨቑ ግዘ ምብኻን ግቡእ ከምዘይኮነ ዝተዛረቡ ኣይተ ሌንጮ፤ኣብ መንጎ ፓርትታት ዝሐሸ ፖሊሲ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፤እቲ ጭቕጭቕ በዚ እንተቐፂሉ እቲ ህዝቢ ብውልቀ ሰባት ተታሊሉ ብስምዒት ንምምራፅ ክግደድ ከምዝኽእልን እቲ መረፃ’ውን ዝነበሩ ፀገማት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ዝገደደ ፀገም ከየምፅእ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ኣታሓሳሲቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርኣዩ ፀገማት ፀጥታ ኣብ ኸይዲ እቲ መረፃ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከይፈጥሩ ኹሉ ዕዮ ገዝኡ ክሰርሕ ከምዘለዎ ገሊፆም።ልዕሊ ኹሉ ድማ ፓርትታት ኣብ ከም ሕገ መንግስቲ ዝበሉ ሓበራዊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ንኽበፅሑ ኣይተ ሌንጮ መኺሮም።

እቶም ኻሊእ ወሃቢ ሪኢቶ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፌደራሊዝምን ምምሕዳርን ዶክተር ተስፋዬ ጅማ ብወገኖም፤እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ፓርቲ ንምምራፅ ዕድል ካብ ዝህብዎ መግለፂታት ዲሞክራሲ ሓደ ብምዃኑ፤ ህዝቢ ነዚ ብምፍላጥ ነቲ ዕድል ከበላሽዎ የብሉን ክብሉ መኺሮም።

ብህዝቢ ዝምረፅ መንግስቲ ዓብዪ ሓላፍነትን ሓደራን ብምቕባሉ ህዝቢ ብሰንኪ ወፂኡ ብዘይምምራፁ ዝስእኖ ጥቕሚ ድማ ልዑል እዩ ኢሎም።

ብኻልእ መዳይ ድማ ህዝቢ ወፂኡ ንኸይመርፅ ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚዲያታት ሕሶታት ብምንዛሕ ጥርጣረን ስግኣትን እናፈጠሩ ዝርከቡ ሓላፍነት ዝጎደሎም ውልቀ ሰባት መስመር ክሕዙ ምግባር የድሊ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረፃታት ህዝቢ እንተመረፀ እንተዘይመረፀ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ስዓራይ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ተስፋዬ፤መረፃ ሎምዘበን ግና ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ንኽኸውን ኣመራርሓ እቲ ለውጢ ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ዘርእዩና እቲ ሓደን ቀንድን ገለልተኛ ቦርዲ መረፃ ንምጥያሽ ዝወሰዶ ቖራፅነት እዩ።

ይኹን ‘ምበር ብመዳይ ተነሓናሕቲ ፓርትታት ፖለቲካ ዝስትውዓል ፀገም፤ መረፃ ዋና ኸተማታት ጥራሕ እስካዕ ዝመስል ብከተማታት ዙሪያ ጥራሕ ዝተገደበ ምንቅስቓሶም ህዝቢ ናብ ዘለዎ ክፋላት ገጠር ንኽወርዱን ሓቢሮም።ብተወሳኺ ድማ ሃገር ንምምሕዳር ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለዉ ኹሎም ፓርትታት ድምፂ ንዝህቦም ህዝቢ ተዘይቀስቂሶም ሕልሞም ጋህዲ ከምዘይኸውን ተረዲኦም ክሰርሑ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

‹‹ነታ ሃገር ዘይመስሉ፣ብሄር ብሄረሰባት ንምትእንጋድ ሰፊሕ ማእገር ዘይብሎም፤ነፀላ ጉዳይ እናውፅኡ ብምቕራብ ኣፈላላይ ዘጋውሑ ፓርትታት ካብ ብኣግኦም ዓርሶም ከዐርዩ ኣለዎም፤ከምዚ ተዘይገይሮም ግና ንህልውና ሃገር ክበሃል ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ››ዝበሉ እቶም ምሁር፣ሓደ ሓደ ፓርትታት ግልፂ ዝኾነ ናይ ኢኮኖሚ፣ማሕበራውን፣ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ሃገር ከምዘይብሎም ብውልቆም ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ እቶም ሙሁር እዞም ፓርትታት ንህዝቢ ዘእምኑሉ ዝሐሸ ፖሊሲ እንተዘይሃልይዎም ናብ ዘየድሊ ምውንጅጃልን ፀርፍን ምእታዎም ዘይተርፍ ብምዃኑ ህዝቢ ኣስተባሂሉ ክሓስብ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ካብ ዝኾነ ወገንተኝነት ናፃ ብዝኾነ መልክዑ፤እቲ ህዝቢ ክውግን ዘለዎ ንዝበለፀን ተግባራዊ ንዝኸውን መማረፂ ፖሊሲ፤ ጥራሕ ተገዛኢ ክኸውን ከምዘለዎ ዶክተር ተስፋዬ ገሊፆም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You