
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ተቋሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ስዕቡ ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታን ዕንወት ኣብያተ ትምህርትን፣ዝተወሰኑ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መዓስከር ተመዛበልቲ ብምዃነን ምኽንያት ስጋብ ሐዚ ትምህርቲ ኣይተጀመረን::
ኣብ ከተማ መቐለ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር 30 ጉንበት 2013 ዓ.ም ከምዝተጀመረ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ እዩ። ተወካት እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ከምዝገለፀኦ፣ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ 32 መንግስታዊን 30 ዘይመንግስታዊን ብድምር 62 ኣቢያተ ትምህርቲ ኢዩ ተጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ዝተፈጠረ ፖለቲካውን ፀጥታውን ዘይምርግጋዕ ተምሃሮ ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ኣብ ከቢድ ስነልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ይፍለጥ ዝበላ እተን ሓላፊት፤ ነዚ መሰረት ብምግባር ምስ ወለዲ፣ መምህራንን በቢብርኩ ምስ ዘለዉ ኣመራርሓ መንግስቲን ብዝተገበረ ምርድዳእ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተጀመረ ገሊፀን።
ፀገም ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ንዘለዎም ተምሃሮ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፣ ጉድኣት ዝበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ስራሕቲ ፅገናን ምምላእ ናውቲን ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።ኣብ ሸውዓቲኤን ክፍለ ከተማታት መቐለ ኣብ ዝጀመረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኩሎም መምህራን ከምዝተረኸቡ ተዛሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ እዩ።
ረፖርተር ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ወንድወሰን ሽመልስ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ንተምሃሮን ንምክትል ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣዘራሪቡ ዘዋደዶ ፀብፃብ ድማ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና::
‹‹ትምህርቲ ተቋሪፁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብጣዕሚ ሓዚነ ነይረ፤ካብ ትምህረቲ ወፃኢ ኣብ ገዛ ዝነበረኒ ፃንሒት ፅቡቕ ኣይነበረን፡፤ኸዚ ትምህርቲ ብምጅማረይ ሕጉስቲ እየ፤ዝሓለፉ እዋናት ንምክሕሓስ’ውን እናፃዓርኩ እየ፤ ኣብ ቐፃሊ’ውን ዝሐሸ ዕድል ትምህርቲ ከምዝህልወና ተስፋ ይገብር፤ብምዃኑ ኣዕርኹተይ ናብ ቤት ትምህርቲ መፂእኩም ተምሃሩ፤ሃገርና ድማ ነድሕን›› ዝበለት ንኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ዓለም ርሒቃ ናብ ትምህርቲ ዝተመለሰት ተምሃሪት ፊላሪ በረከት እያ::
ተምሃሪት ፊላሪን ካልኦት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ ፤ጉጅለ ህወሓት ብዝፈጠሮ ምፍራስ ሃገር ተግባር ስዒቡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ሕጊ ምኽባር ኣብቲ ክልል ቤት ትምህርቲ ተዓፅዩ ንኣዋርሕ ትምህርቲ ተቋሪፁ እዩ:: ኸዚ ግና ብዝተፈጠረ ኩነታት ሰላም ቤት ትምህርትታት ናብ ምምሃር ስረሖም ኣብ ምእታው ይርከቡ::ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ኩነታት’ውን እዚ ዘርኢ እንትኸውን ፤ምንም እኳ ዩኒፎርም ተዘይተኸደኑ ፣ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርት ምርካብ ጀሚሮም እዮም::
ሪፖርተርና ትዕዝበቲ ካብ ዝተገበረሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዘለዉ ቤት ትምህርቲ ኣፄ ዮሃንስን ፈለገ ህይወት ይርከብዎም::ተምሃሪት ፊላሪ በረከት ፣ኣብ መቐለ ፈለገ ህይወት ምሉእ ሳይክል ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሻምናይ ክፍሊ ተምሃሪት እንትትኸውን ፣ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ ‹‹ትምህርቲ ተቋሪፁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብጣዕሚ ሓዚነ ነይረ፤ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ኣብ ገዛ ዝነበረኒ ፃንሒት ፅቡቕ ኣይነበረን::ኸዚ ትምህርቲ ብምጅማረይ ሕጉስቲ እየ፤ዝሓለፉ እዋናት ንምክሕሓስ’ውን እናፃዓርኩ እየ፤ ኣብ ቐፃሊ’ውን ዝሐሸ ዕድል ትምህርቲ ከምዝህልወና ተስፋ ይገብር፣››ኢላ እያ::
ካብ ቤት ትምህርቲ ርሒቃ ኣብ ገዛ ዘሕለፈቶ እዋን በዙሕ ደስ ዘይብል ከምዝነበረ ዝገለፀት ተምሃሪት ፊላሪ፣ ትምህርቲ ዝጅመረሉን ናብ ቤት ትምህርት እትምለሰሉ ግዘ እናጨነቓ ከምዝነበረ ገሊፃ፣ኸዚ ግና ብምጅማሩ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ‹‹ኣዕርኹተይ ናብ ቤት ትምህርቲ መፂኹም ብሓባር ንምሃር፣ሃገርና’ውን ነድሕን ››ኢላ::
ወለዲ’ውን ደቆም ናብ ቤት ትምህርት ንክልእኹ ዝመኸረት ተምሃሪት ፊላሪ ፤ነዚ’ውን ተምሃሮ ዓርሰብዓርሶም እናተዘራረቡ ናብ ቤት ትምህርት ንክምለሱ ካብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተወሳኺ ናይ መምህራን ፣ወለዲ ፣ኣካላት መንግስትን ሓገዝን እጃምን ብጣዕሚ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፃ::እዚ ፈሊጦም ድማ ኹሉ ዝካኣሎ ንክገበር ሓቲታ እያ::
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ተምሃራይ ሻውዓይ ክፍሊ ዝኾነ ተምሃራይ ሮቤል ላኣከ ብወገኑ ፤ድሕሪ ኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ምርሓቑን ሎሚ ናብ ቤት ትምህርት ምምላሱ ብጣዕሚ ከምዝተሓጎሰ ገሊፁ:: ቤት ትምህርት ተኸፊቱ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን ብዙሕ ተምሃሮ ተዘይመፁ’ውን ፣ንምምሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተረኸቡ ተምሃሮ ግና በመምህራኖም ምኽንያት ክለሳ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ገሊፁ::ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ግና ከብዚ ዝበለፀ ተምሃሮ ተረኺቦም ትምህርቶም ከምዝማሃሩ ዘለዎ እምነት ተዛሪቡ::
ተምሃሮ ትምህርቲ ከምዝጀመረ ፈሊጦም ኹሎም ናብ ቤት ትምህርቲ ንክምለሱን ብመምህራኖም ፅቡቕ ዝኾነ ፍልጠት ካብ ምርካብ ዝዘለለ ዘፍርሖም ጉዳይ ከምዘየለ ዝገለፀ ተምሃራይ ሮቤል፣‹‹ትምህርቲ ምምሃር ንዓይ ኹሉ ነገር እዩ፣ትምህርቲ ንዓይ ፍልጠን ዝረኽበሉ ኹሉ ስራሕ ብዓቕመይ ንክሰርሕ ዕድል ዝረኽበሉ ፣ኩል ጊዜ ዝሓሸ ናብራ ንክነብር ዝሕግዘኒ እዩ›› ኢሉ::
ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመፅእ ዘሎ ፍልጠት ረኺቦም ፅባሕ መሃንዲስ ናይ ምዃን ሕልሙ ሓቂ ምግባር ራእይ ሰኒቑ ከምዝኾነ ዘረደአ ተምሃራይ ሮቤል ፣ንኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ርሒቁ ብምፅንሑ ትምህርቲ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣዕርኽቱ’ውን ብጣዕሚ ናፊቑ ከምዝነበረ ተዛሪቡ::
ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ኸሎ’ውን ትምህርትን ኣዕርኽቱን ንምርካብ እዩ::ናይ ቤት ትምህርት ኣዕርኽቱ ድማ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ፈሊጦም ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ትምህርቶም ንኽከታተሉ ፤ወለዲ’ውን ንክልእኽዎም ፃውዒት ኣቕሪቡ::
ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ሻምናይ ክፍሊ ተምሃሪት ዝኾነት ስኒት ኪሮስ ከምዝበለቶ ድማ፤ኣብዚ ኸዚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላሶም ስዒቡ ሕጉስቲ ካብ ምዃና ሓሊፉ ዝፀንሐ ትምህርቲ እናተኸለሰሎም ከምዝኾነ ገሊፃ ፣እዚ ድማ ካብ ቤት ትምህርቲ ሪሕቖም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝረሰዐቶ ንክተስታውስ ዕድል ፈጢሩላ እዩ::ኣብ ቐፃሊ ድማ ብሙሉእ ትኹረት ንምምሃር ከምዝተዳላወት ገሊፃ::
ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ርሒቖም ኣብ ገዛ ኮፍ እንትብሉ ዝሰርሕዎ ነገር ኣይህልዎምን፤ኣብ ትምህርቲ እንትርከቡ ግና ዝሐሸ ፍልጠት ሒዞም ብፍልጠቶም ሀገር ናይ ምድሓን ስራሕ ይሰርሑ እዮም::ስለዝኾነ ድሕሪ ኣዋርሕ ፃንሒት ቤት ትምህርት ምኽፋቱ ስዒቡ ተምሃሮ ገዛ ካብ ዝኾኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ክማሃሩ ኣለዎም::ወለዲ ደቆም እንትምሃሩ ዝሓሸ ባዕሎም ክቕይሩን ሃገር ዝቐይር ዝሓሸ ትውልዲ ከምዝኾኑ ተገንዚቦም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኹ ይግባእ ብምባል ገሊፃ እያ::
ቤት ትምህርት ክኽፈት ኣብ ምግባር ካብ ለካቲት ሸሞንተ ጀሚሩ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝገለፃ ድማ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኢንጅነር ኣስቴር ይትባረክ እየን::ንሰን ከምዝበለኦ ፣ኣብዚ ኸዚ ከይዲ ስራሕ ምምሃር ምስትምሃር ተጠናኺሩ ክጅመር ስለዘለዎ ኣብዚ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ::
በዚ’ውን ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንክኸዱ ካብ ምግባር ዝዘለለ ንትምህርቲ ዘድለዩ ደፍተርን እስክሪብቶን ዝኣመሰሉ ናውቲ ብቤት ትምህርቶም ንተምሃሮ ንክበፅሕ እናተገበረ እንትኸውን ተምሃሮ’ውን ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዱ ይርከቡ::
ካብ መቐለ ወፃኢ ዘለዉ ወረዳታት ዝርከቡ ቤት ትምህርትታት ቅድም ኢሎም ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ትምህርቲ ዝጀመሩ ከምዘለዉ ኢንጅር ኣስቴር ገሊፀን እየን::ኾይኑ ግና ዝነበረ ልምዲ ኾይኑ ትምህርቲ እንትጅመር ምንጥብጣብ ተምሃሮ ተስተውዒሉ እዩ:: ኾይኑ ግና ኣብዚ ሰሙን ጥንክር ዝበለ ጎስጓስን ምልዕዓል ስራሕ ብምስራሕ ካብ ቐፃሊ ሰሙን ጀሚሩ ሙሉእ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲአን እየን::
ነዚ ድማ በቢ ቤት ትምህርቱ ዝተወሰነ ቁፅሪ ዘለዎም ተምሃሮ እንተኾኑ’ውን መምህራን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ትምህርቲ ክህቡ ከምዘለዎም ኢንጅነር ኣስቴር ገሊፀን እየን::ተምሃሮ ንኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ምዃኖም ካብ ዝፈጥረሎም ፅዕንቶ ብዝዘለለ ወለዲ ስግኣት ክህልዎም ስለዝኽል እዚ ብምሕሳብ ግንዛበ መድሓዚ ጎስጓስ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣፍሊጠን እየን::
ኢንጅነር ኣስቴር ከምዝበለኦ ተምሃሮ ብዝነበረ ኩነታት ተበታታኖም እዮም ነይሮም::ኸዚ በዚ መልክዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላሶም መንግስቲ ዝገብረሎም ሓገዝ ምችው ኩነታት ይፈጥረሎም እዩ::ካብዚ ዝሓለፈ ግዚኦምን ዕድሚኦምን ብዘይ ትምህርቲ ከይባኽኑ ዝተረፈ ግዚኦም ውፅኢታዊ ስራሕ ንክሰርሑ ይገብሮም እዩ::ፌደራል መንግስቲ ኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር እዚ ክልል እዚ ተገንዚቡ ፀገማት እናስተኻኸለ ምችው ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምፍጣር ብሰላምን፣ቤት ትምህርትታት ኣብ ምሕዳስ ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ::
ወጋሕታ 10 ሰነ 2013 ዓ.ም