ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ንኹሉ ከሳትፍ ይግባእ ክብሉ ዶክተር አረጋዊ በርሀ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ዝጣየሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ኹሉ ዘሳተፈ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ

 ፓርቲ(ትዴፓ) ዶክተር አረጋዊ በርሀ ገሊፆም። ዶክተር አረጋዊ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤ እቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ካብ ፓርቲ ፖለቲካን ካብ ሕብረተሰብ ዝተወፃፅኡ ተወከልቲ ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ፤ ንኹሉ ብዘሳተፈ መልክዑ ክዋቐር ተተኻኢሉ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንሓዋሩ ዝቐርፍ ምግባር ይከኣል ‘ዩ፡፡

እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሰብአዊ ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሕ ከም ዝግባእ ብምጥቋም፤መፃኢ ክልላውን ሃገራውን ኣንፈታት ከምኡ ‘ውን ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣመሰራርታ ክህልዎ ምግባር ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝጣየሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ዘቐመጦ አንፈት መሰረት ሕጋዊ ዝኾኑ ፓርትታት ፖለቲካ ዝሳተፍሉ ከም ዝኸውን ተገሊፁ ነይሩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ኸይዲ ምጥያሽ በቲ ዝተብሃለ ልክዕ ምፍፃሙ ቑፅፅርን ገምጋምን ክግበር ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተደቀኖም ብዙሕ ፀገማት ካብ መሰረቱ ንኽፍታሕ ብዋናነት ባህሊ ፖለቲካ ክቕየር ግድን ‘ዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ብፍላይ ብሓድነት ናይ ምስራሕ ባህሊ ብምምዕባል ፀገማት ብሓባር ምፍታሕ ዘኽእል ውህደት ኣድላዪ ‘ዩ፡፡

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከቃልል ዝኽእል ስግግር መንግስቲ ንኽምስረትን ኣሰራርሕኡ ምዕሩይ ንክኸውን መንግስቲ ፌደራል ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ከም ዝግባእን፤ዝተፈላለዩ ፓርትታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ከምኡ ‘ውን እቲ ሕብረተሰብ ባዕሉ ናፃን ገለልተኛን ብዝኾነ መገዲ ክሳተፍ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።

ነገራት መሊሶም ናፍቲ ዝነበርዎ ጎንፂ ንኸይምለሱን እቲ ዝተረኸበ ሰላም ንኸይፈርስን ኹሎም ኣካላት ዝኣምንዎን ዝሰማምዖምን ውዳበ ከጣይሹ ይግባእ ኢሎም፡፡

ዶክተር ኣረጋዊ ከምዝበልዎ፤ ፓርትታት ካብኣቶም ትፅቢት ዝግበር ኹሉ ሓላፍነት ክዋፅኡን፤ እቲ ኸይዲ ሕጋውን ሰላማውን ብዝኾነ መገዲ ንኽዛዘም ክሕግዙ ይግባእ ፤ስለዝኾነ ትዴፓ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ቐዳምነት ብምሃብ ንክስራሕ እቲ ምስረታ ድማ ዕዉት ክኸውን ከም ዝግባእ እምነት ኣለዎ፡፡

ኣፍቲ ዝሓለፈ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ከምኡ ‘ውን ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶ እቲ ዝጣየሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ኣብ ግምት ብምእታውን ነቶም ፀገማት ብምፍላይን ትኹረት ክገብር ይግበናእ ክብሉ ተዛሪቦም ፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 16 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You