እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዝተፈጠረ ቕልውላው ክልል ትግራይን ህዝብን ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገም ይርከቡ። ሰባት ሞይቶም፣ተመዛቢሎም፣ትካላት ዓንየን…እየን። እቲ ክልል’ውን ብግዝያዊ ምምሕዳር እንዳተመርሐ ኩነታት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ፌደራል መንግስትን ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን ዘይመንግስታዊ ትካላት’ውን እጃሞም እናወፈዩ ይርከቡ። ምስቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዓለም ለኸ ትካላትን መንግስታት ትኽክለኛ ሓበሬታ ንኽረኽቡ መንግስቲ ፃዕሪ እናገበረ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝመርሕዎ መድረኽ ንዓለም ለኸ ትካላት ዝተውሃበ መብርህን ብቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር እቲ ጉዳይ ግልፂ ዝገብሩ ሓበሬታታት ዕላዊ ተገይሮም እዮም።

ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊ ተኸቲሉ ኣብ ትግራይ ዝተርኣዩ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተረኸቡ ውፅኢትን ዝተስተዋዓሉ ፀገማትን ንምግላፅ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ኣብቲ ክልል ብዙሓት ኢድ ኣእታውነት ዝስተውዓሉ እንተኾኑ እውን መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ክሳብ ኸዚ ዝተረኸበ ፖለቲካ’ውን ብሕጊ እውን ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት መንግስቲ ኣብ ቀዳማይ ዙርን 4ነጥቢ 5ሚልየን ሓገዝ ከምዝተገበረን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ድማ 4ነጥቢ 9ሚልየን ሰባት ሓገዝ ተገይሩ እዩ። ኣብቲ ክልል 1ነጥቢ9ሚልየን ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዝተገበረ ፃዕሪ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ተመዛበልቲ ንምጥያሽ ምስ ኣምሓራን ትግራይን ክልላዊ መንግስቲ ዘተ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ገሊፆም እዮም።

ኣብቲ ክልል ጥዕና ትካላት 46.5ሚኢታዊ ዝኾኑ ክሳብ ኸዚ ንክሰርሑ ተገይሩ እዩ። ተመዛበልቲ ናብ ዝሓሸ ኸባቢ ብምውሳድ ቤት ትምህርትታት ናብ ስራሕ ንክምለሱ እናተገበረ እዩ ፤ኣብቲ ክልል 70ሚኢታዊን 1ነጥቢ2ሚልየን ሓረስቶት ዘሳትፍ ሕርሻ ተዳልዩ እዩ። እዚ ስራሕ ኣጠናኺርካ ንምኻድ ግና ፀገም ዓቕሚ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ።

ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ንምጥያሽ ግልጋሎት ህዝቢ ሙሉእ ንምሉእ ንምሃብ ዕንቅፋት ስለዝኾነ ፋብሪካ ጨርቃጨርቅን ሲሚንቶን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ሓደሓደ ፋብሪካታት ስራሕ ጀሚሮም እዮም። ኣብቲ ክልል ዝተፈጠሩ ፀገማት ብዝተሰሓሓተ መገዲ ዝቐረቡ ዘይተረጋገፁ ሪፖርት ሰብኣዊ ኣጋራት ዝጥቀሱ እዮም።

ሚኒስትር ምክልኻል ቀንኣ ያዳታ ወታደራት ኤርትራ ንኽለቁ ናይ ምግባር ከይዲ ቀዲሙ ከምዝጀመረ ኣረጋጊፆም እዮም። ኣብ ውሑዳት ቦታታት ጎንፂ እንተሃለወ እውን ህወሓት ንመከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወግእ ዓቕሚ የብሉን ኢሎም። ጀነራል ኣለምሸት ደጋፌ ከምዝበልዎ ድማ ምዕራብ ማይጨው ፣ቦራን ተምቤን ዝበሉ ሓደ ሓደ ቦታታት ፀገም ብምፍጣር ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ጥምየት ሓገዝ ንኸይረክብ ንምግባር ተሞኪሩ እዩ ኢሎም።

ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብ መቐለ ግዝያዊ መፅለሊ ናይ ምህናፅ ስራሕቲ ብመንግስቲ ዝተሰርሑ እንትኾኑ ብዓለም ለኸ ትካላት ዝተሰርሐ 10 ሚኢታዊ እውን ኣይመልእን ኢሎም። ዓለምለኸ ሓገዝ ትካላት ዝተጠናኸረ ስራሕን ሰብኣዊ ሓገዝን ምቕራብ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም እዮም።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብወገነን መንግስቲ እናሰርሐ ዝርከብ መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ቤት ትምህርት ንክኽፈቱ 95ሚልየን ብር ሚኒስቴር ትምህርቲ ሓገዝ ኣቕሪቡ እዩ። ሚኒስቴር ገንዘብ ድማ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ስራሕ ሕብረት ብር 100 ሚልየን ሓገዝ ገይሩ እዩ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝደልዩ ኣካላት ብዝተቐመጠ ደንቢ መሰረት ብነፃነት ንኽንቀሳቐሱ እናተገበረ እዩ። ቪዛ ኣብ ዝጥይቕሉ እዋን ድማ ኣድላይ ምትሕብባር እናተገበረ ካብ ኤርፖርት ጀሚሩ ብሓደ ማእኸል ዝተኣናግዱ ኣካላት ተመዲቦም እዮም። መንግስቲ እዚ ፃዕሪ እንተገይሩ ዓለም ለኸ ትካላት ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ተረኺቦም ኣድላይ ናውቲን ገንዘብን ሓገዝ ክገብሩ ይግባእ ኢለን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ምስ ፅሕፈት ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፉት ቋንቋታት ወፃእን ዲጅታል ሚድያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ኣብ ትግራይ ቅትለት ሰላማዊ ሰባትን ፆታዊ መጥቃዕቲ ተደሓሒዙ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኽሲ ተመስሪቱ እዩ ። ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት ምስ ዝቐተሉ ተደሓሒዙ 200 ሰባት ከምዝተፈለዩን ካብዚኣቶም እቶም 23 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኽሲ ተመስሪትሎም እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሙ ዝተብሃሉ ገበን ብምፅራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፣ ምርመራ ገበን ፌደራል ፖሊስ፣ ሰብኣዊ መሰል ላዕለዎት ኮምሽን ሕቡራት መንግስታት ፣ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሕብረት እናሰርሑ እዮም።

ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዮስ ከምዝበልዎ፣ ስራሕ ፈፃሚ ኣባላት ህወሓት ዝተዓጠቑ ወታደራት ብምድርጃው እዚ ሰሜን ካብ ምጥቃዕ ጀሚሩ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት እርስ በርስ ኹናት ንክፍፀም ፃዕሪ ከምዝገበሩ ከምዘረጋገፁ ገሊፆም እዮም።

ህወሓት ኣብ ትካላት ፌደራል መንግስቲ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈፂሙ እዩ። ትካላት እውን ኣዕኒዉ እዩ። ብገበን ዝተጠርጠሩ ውሑዳት ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተኻየደሎም እንትኸውን ፣ኻልኦት ናይ ምእላሽ ስራሕቲ ተጠናኸሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ እዩ።

ኣብ ሰላማዊ ዜጋታት ቅትለት ስዒቡ 28፤ ከምኡ’ውን ካብ ፆታዊ መጥቃዕቲ ተደሓሒዙ 25 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ሕጊ ቐሪቦም እዮም። ኣብ ማይካድራ ኢዶም ኣለዎ ካብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብዛሓ ናብ ሱዳን ከምዝሃደሙ ተገሊፁ እዩ። ኣብ ትግራይ ንፁሃን ዜጋታት በፂሑ ዝተብሃለ ኢድ ኤርትራውያን ወታደር ኣለዎ ዶ? ንዝብል ሕቶ ‹‹ኣብ ሓደ ሓደ ገበናት ኣለዉዎ››ብምባል መልሲ ሂቦም እዮም።

ኣብቲ ክልል ብዝተገበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብር ን5ነጥቢ2ሚልየን 166ሽሕ ሜትሪክ ምግቢ ተኸፋፊሉ እዩ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ትግራይ ሓዊሱ ሽድሽተ ትካላት ረድኤት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ረድኤት እናቕረቡ እዮም። ወታደር ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ መኣዝ ከምዝወፁ ሕቶ ዝቀረበ እንትኸውን እዚ ሕቶ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝቐረበን እቲ ከይዲ ግና ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ፕሬስ ሴክሬታሪ ሓላፊት ቋንቋታት ወፃኢ ዲጅታል ሚድያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ድማ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ እናቐረበ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን እየን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ኹነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ክሳብ ኸዚ ሰለስተ ዙር ሓገዝ ምግቢ ተዋሂቡ እዩ፡ኣብዚ ኸዚ ሓገዝ እናተገበረሎም ካብ ዘለዉ ቴስዓን ኽልተን ወረዳታት እቶም ሰብዓን ትሻዓተን ዘይመንግስታዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ትካላት ፣እቶም ዓሰርተ ሰለስተ ብፌደራል መንግስቲ ሓገዝ እናተገበረሎም ምዃኑ ተገሊፁ እዩ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ናውቲ እኹል ዝኾነ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ መቐለ ማእኸል መተሓባባሪ ተጣይሹ እዩ። እቲ ማእኸል ምግቢ ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ብዝተደራጀወ መልክዑ ንምግባር ዝጠቅም እዩ። እዚ ድማ ብኣርባዕተ ብርኪ ብክልል፣ብዞባ፣ብወረዳን ብምግቢ መዐደሊ ጣብያታትን እናተተግበረ ይርከብ ኢሎም እዮም። እዚ እውን ዝተጀመረ ሓገዝ ብዝድለ ብርኪ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ፀጥታ ፀገም ሕፅረት ናውትን ገንዘብን ከምኡ’ውን ዝተዛበዐ ሓበሬታ ምውፃእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ኣመላኪተን እየን።

ሰራዊት ምክልኻል ሓረስቶት ንከይሓርሱ እናገበረ እዩ ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። ዝተጀመረ ሕጊ ምኽባር ምንቅስቓስ ውፅኢታዊ ንምግባር ኣርባዕተ ሽሕ ዝበፅሑ ናይቲ ክልል ፖሊስ ስልጠና እናተውሃቡ እዮም።

ሚኒስትር ሰላም ምስ ኽልተ ሽሕ ዝበፅሑ ነበርቲ ዘተ እናኻየደ እዩ። ሓደ ሽሕ ሰለስተ ሚኢቲ መናእሰይ  ንሰናይ ተግባር ግልጋሎት ስልጠና እናተውሃቦም እዩ። ሚኒስትር ትምህርቲ ገንዘብ ብምምዳብ ቤት ትምህርትታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክጅምሩ እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈለለዩ ቦታታት ተፈፂሙ እዩ ዝተብሃለ ኣገዲድካ ምድፋር ገበን እናተፃረየ ከምዝርከብ ክሳብ ኸዚ ኣገዲደድካ ብምድፋርን ንፁሃን ብምቕታልን ዝተጠርጠሩ 60 ወታደራት ጉዳዮም ብቤት ፍርድ ሰራዊት እናተርኣየ እዩ። ካብዚኦም ድማ እቶም ዝተወሰኑ መቅፃዕቲ ውሳነ ተወሲንሎም እዩ። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ከይዲ ምፅራይ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ እዩ።

ብተወሳኺ ሕቡራት መንግስታትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሕብረት ጉጅለ ምርመራ ብምጥያሽ ኣብቲ ክልል ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እናተፃረየ ይርከብ። ነዚ እውን መንግስቲ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብቕርበት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ግልጋሎት ጥዕና ቀረብ ማይ ብስፍሓት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፣ኤሌክትሪክን ስልክን ግልጋት ብዝተማለአ ኩነታት ንምቕራብ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን እየን ። ፌደራል መንግስቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ህፁፅ ኣዋጅ 25 ጥቅምቲ 2013ዓ.ም ዘውፀአ እንትኾን ካብ ዝዛዘም ሓደ ወርሑ ኾይንዎ እዩ። ኾይኑ ግና ኣብ ክልል ትግራይ ኸዚ ወታደራዊ ኮማንድ ፖስት ምህላዉ ኣብቲ ነባራይ ግርታ ፈጢሩ ይርከብ።

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ጌድዮን ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ሽድሽተ ወርሒ ብምዝዛሙ ተግባራዊ ምዃኑ ኣብቂዑ እዩ ኢሎም። ኾይኑ ግና ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ፌደራል መንግስቲ ሕጊ ኣኽበርቲ ሓይልታት ፃንሒት ዝቕፅል ከምዝኾነ ኣረዲኦም አዮም። ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣዋጅ ቁፅሪ 359/95 ብዝተውሃ ስልጣን መሰረት መንግስቲ ፌደራል ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣስጋኢ ካብ ዝበሎ ሓደጋ ንምትራፍ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ንክኣቱ 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንክእገድን ንፌደራል መንግስቲ ተፀዋዒ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ንከጣይሽ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝወሰነ እንትኸውን ፣ፌደራል መንግስቲ ኣብ ክልላት ስልጣን ጣልቃ ንክኣቱን ስጉምቲ ነክወስድን ብዝፈቅዶ ኣዋጅ ቑፅሪ 359/95 መሰረት ካልኦት ክውስዱ ዝግበኦምን ስጉምቲ መንግስቲ ፌደራል ንክወስድ ንቐዳማይ ሚኒስትር ስልጣን ከምዝተውሃበ ዝዝከር እዩ። በዚ ኣዋጅ መሰረት ዝተጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓደ ክልል ዝነህልዎ ፃንሒት ካብ ኽልተ ዓመት ከምዘይበለልፅ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት እንተኾይኑ ግና ንሽድሽተ ኣዋርሕ ተወሳኪ ክፍቀድ ከምዝኽእል እቲ ኣዋጅ ይድንግግ እዩ ኢሎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You