‹‹ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ፍቕሪ ሃገርን ክመሃር ይግባእ››- ልጅ ዳኒኤል ጆቴ መስፍን

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ፅንዓትን ቐዳሞት ወለዱ ክመሃር ይግባእ ክብሉ ፕሬዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳኒኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ገሊፆም፡፡

ልጅ ዳኒኤል ጆቴ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሕት ከም ዝገለፅዎ፤ ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ክበዓል እንተሎ ታሪኽ ቐዳሞት ወለዲ ከይርሳዕ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ንወለዶ ሓድነት፣ ፅንዓትን ፍቕርንሪ ሃገርን ዘምህር ‘ዩ፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ካብ ዓወት ዓድዋ ብዙሕ ቑምነገር ክመሃር ይኽእል ‘ዩ ዝበሉ ልጅ ዳኒኤል ጆቴ፤ ቐዳሞት ወለዲ ኢትዮጵያውያን ብሓድነት፣ ፍቕሪ ሃገር፣ ፅንዓት፣ ሓቦን ንሒን ሰኒቖም ንፀላኢ ብትረት መኪቶም ብምስዓር ናይ ሓባር ሃገር ኣረኪቦምና ‘ዮም፡፡

ናይ ሕዚ መንእሰይ ወለዶ ከም ቀዳሞት ኣቦታቱ ሓድነቱን ፍቕሪ ሃገሩን ብምሕያል ኣሰር ወለዱ ክኽተል ኣለዎ። ቐዳሞት ወለዲ ልክዕ ኣብ ዓድዋ ዘመዝገብዎ ዓወትናይ ሕዚ መንእሰይ ድማ ኣብ ልምዓትን ትምህርትን ታሪኽ ክሰርሕ ይግባእ፤ ቐዳሞት ወለዲ ንፀላኢ ክስዕሩ ዝኸኣሉ ሓድነቶምን ፍቅሮምን ብምሕያል ‘ዩ፤ ብምዃኑ ናይ ሕዚ ወለዶ ካብቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ምክፍፋል መንፈስ ወፂኡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ሃገር ክሓስብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ቐዳሞት ወለዲ ኣብ ዓድዋ ብዘመዝገብዎ ዓወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ቋንቁኡን ባህሉን ሓልዩ ኮሪዑ ክነብር ክኢሉ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ እዚ ድማ ብሓድነት ኣቦታት ኢትዮጵያውያን ዝመፀ ‘ምበር ብውልቀ ኣይኮነን፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነንባዕሉ ተሓባቢሩን ተፋቒሩን ክነብር እንተኽኢሉ ዝኾነ ፀላኢ ክደፍሮን ክስዕሮን ከምዘይኽእል ዓወት ዓድዋ ህያው ምስክር ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ቐዳሞት ወለድና ሳላ ብሓድነትን ፍቕርን ‘ዮም ንፀላኢ ኣሕፊሮም መሊሶሞ ዝበሉ ልጅ ዳኒኤል፤ ብፀላኢ ከንስዓር ንኽእል ነንሕድሕድና ዘይምስምዕማዕ እንተሃልዩና ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱን ፍቕሩን እንተሐይሉ ዝኾነ ዓይነት ፀላኢ ተዋጊኡ ክስዕሮ ኣይኽእልን፡፡

‹‹ኢትዮጵያውያን ከንዳፋፋእ የብልናን፤ ካብ ዘፋላልየና ሓደ ዝገብረና ይበዝሕ፤ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢ ብምዃን ከም ቐዳሞት ኣቦታቱ ንሓንቲ ባንዴራ ሃገሩ ብሓድነት፣ ፍቕሪን ስምረትን ጠጠው ክብል ኣለዎ›› ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብዝተኸኣለ መጠን ብማሕበራዊ ሚድያ ዝፀሓፉን ዝዝረቡን ናይ በለካ ለኽዐካ ሓሳባት ሰሚዑ ብስምዒት ተላዒሉ ንሃገሩ ዝጎድእ ስራሕ ከይሰርሕ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፤ቀዳሞት ወለዲ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብሓድነትን ፍቕርን ሳላ ተሰለፉ ‘ዮም ንፀላኢ ከሕፍሩ ክኢሎም፤ ብምዃኑ ናይ ሕዚ ወለዶ ‘ውን ኣሰር ወለዱ ብምኽታል ሓድነቱ ከሕይል ይግባእ፤ ብስምዒት እንተይኮነስ ከም ኣቦታቱ ብብልሓትን ጥበብን ክጎዓዝ ኣለዎ፤ ሃገር ምጥቓምን ምዕባይን ዝከኣል ብሓድነትን ሕብረትን ‘ምበር ብምክፍፋል ኣይኮነን፤ ዘጋጥሙ ፀገማት ብጎንፂ ንምፍታሕ ካብ ምፍታን ተቐራሪብካ ብኢሂን ምሂን ምፍታሕ ተመራፂ ክገብር ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም፡፡

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You