ንበረራታት መቐለን ሽረን ካብ ታሪፍ ንላዕሊ ብምኽፋል ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ንክሕተቱ ይስራሕ ኣሎ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ናብ መቐለን ሽረ ዝግበሩ በረራታት ካብ ታሪፍ ንላዕሊ ብምኽፋል ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ተሓተቲ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ክብል ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድህንነትን ገሊፁ።

ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድህንነትን ንኢፕድ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለን ሽረን ብዝገብሮም በረራታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለ ተመዲቦም ዝሰርሑ ሓደ ሓደ ሰብ ሞያን ምስ መገዲ ኣየር ዝሰርሑ ኤጀንት ጉዳይ ንፍፅም ኢና ምስ ዝብሉ ውልቀሰባት ብምምስጣር ካብ ዝተተመነ ታሪፍ ንላዕሊ እናኽፈሉ ስለዝተበፅሐሎም ተሓተቲ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቱ፡፡

ከም ገለፃ እቲ ግልጋሎት ፣ ልዕሊ ተመን እናኽፈሉን ሕብረተሰብ የንገላትዑ ዝነበሩ ኩሎም ጉዳዮም ተፃርዩ ተሓተቲ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መዓልታዊ ናብ መቐለ ዝግበር በረራ ናብ ሓሙሽተ ክብ ምባሉ ከምኡ’ውን ናብ ሽረ ዝግበር በረራ ኣብ ሰሙን ናብ ትሽዓተ ከብ ከምዝበለ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኣድላዪ ሓይሊ ሰብ ኣብ ኩሉ መገዲ ኣየር ተመዲቡ ድሕንነቱ ብዝተረጋገፀ ኩነታት ተጓዓዝቲ እኹል ግልጋሎት ንክረኽቡ ብቑርፀኝነት ይስራሕ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ሞያዊ ስነ ምግባር ዝጎደሎም ውሱናት ሰራሕተኛታትን ምስቲ መገዲ ኣየር ዝሰርሑ ኤጀንታትን ብረብሓ ምስ ውልቀ ሰባት ብምምሽጣር ካብ ዝተቐመጠ ታሪፍ ንላዕሊ እንተኽፍሉ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ግልጋሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነተን ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ጉዳይ ክትትል እንትገብሩ ከምዝፀንሑን ኣብቲ ተግባር እንትሳተፉ ዝነበሩ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ጉዳዮም ኣብ ፖሊስ ጣቢያ መቐለ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤጀንትታት ካብ ስራሕ ተኣጊዶም ጉዳዮም ይፃረ ከምዘሎ ‘ውን ተሓቢሩ።ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ኣካላት ብምልላይ ስጉምቲታት ንምውሳድ መረዳእታ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ህዝቢ ብዘይግቡእ መገዲ ብዘይሕጋዊያን ተዓሽዩ ሕልፊ ንከይኸፍልን ጥንቃቐ ነክገበርን ተሓ ቲቱ።ንምድንጋር ዝፍትኑ ውልቀ ሰባት እንተጋጥሙ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ሓበሬታ በምሃብ ምትሕብባሩ ከጠናኽር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You