‹‹ቅድመን ድሕረን መረፃ ስልታዊ ኽትትል ክንገብር ኢና›› ዶክተር ዳንኤል በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ፤ኸይዲ ቅድመን ድሕረን መረፃ ብዝምልከት ስልታዊ ክትትል ክንገብር ኢና ክብሉ ዋና ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ዶክተር ዳንኤል በቀለ ኣፍሊጦም። እቲ ኮምሽን ኣብ እዋን መረፃ ተፈፃሚ ክኸውን ዝግበኦ ብዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰል ንፓርትታት ኣብ ዘፋለጡሉ እዋን እቶም ዶክተር ከምዘፍለጥዎ፤ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኸይዲ መረፃ ሰብኣዊ መሰል ይኽበር ምህላው ስልታዊ ኣካይዳ ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።

ከም ገለፃ ዶክተር ዳንኤል፣ ቕድሚ ድምፂ መውሃቢ መዓልቲ፤ከምኡ‘ውን ድሕሪ እቲ መረፃ ኣብ ዘለዉ እዋናት ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ንኸይጠሓሱ ዝግበር ቑፅፅር ኣሎ።ሰብኣዊ መሰላት እንተተጣሒሶም ብቕልጡፍ ንኽእረሙ ፃዕሪ ክግበር እዩ።ብፍላይ ድሕሪ ኸይዲ እቲ መረፃ ተተሓሒዙ ናይ ምድርጃው፤ካብ ሓደ ቦታ ናብ ኻልእ ክፋል ሃገር ናይ ምንቅስቓስ መሰል፣ሓሳብ ብናፅነት ምግላፅን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንኸይግበሩ ስልታዊ ኽትትል ብሰፊሕ ክስራሕ እዩ።

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣፍቲ ቦታ ተረኺቡ ካብ ምፅባፃብ ሓሊፉ፤ንጥሕሰት ዝተጋለፁ ጉዳያት ቐዲሙ ምፅናዕን ፍታሕ ዝኾኑ ስጉምትታት ናይ ምንዳይ ሓለፍነት ኣለና ዝበሉ ዶክተር ዳንኤል፤ነዚ ድማ ካብ ከይፈራሕና ናይ ስራሕ እምነት ዓቕሚ ብዝፈቐዶ መጠን እናተንቀሳቐስና ኢና ኢሎም።ኣብቲ ስልታዊ ኽትትል መረፃ ሞያዊ ስነ ምግባር ብዝተላበሰ መልክዑ ፀብፃባት ብምጥንኻር ክስራሕ እዩ።

ምስ ምንቅስቓስ ፓርትታን ዝምልከቶም ኣካላትን ተተሓሒዙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ እዋን መረፃ ክፍፀሙ ዝግበኦም ብዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰል ከም ዘዳለዉ ዝገለፁ እቶም ዋና ኮምሽነር፤ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ተነሓናሕቲ ፓርትታን ሕፁያትን መረፃ እንተስዒሮም ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝወስድዎም ስጉምትታት ብዝምልከት ኣብ ማንፌስቶ መረፃ ብግልፂ ንኸቕመጡ ዝብል ሓደ ነጥቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዶክተር ዳንኤል ከም ዝገለፅዎ፤እቲ ኮምሽን ሕፅረት ዓቕሚ፣ ገንዘብን ሓይሊ ሰብን እንተሃለዎ ‘ውን ስራሕቲ ብዝተኽኣለ መጠን እናሰርሐ እዩ።ፓርትታት ፖለቲካ ‘ውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ እምነት ኣሕዲሮም ክጉዓዙ ይግባእ። ምኽትል ሰብሳቢ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይተ ውብሸት ኣየለ፤ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዲሞክራሲያዊ ንክኸውን እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ብምድናቕ እቲ ቦርድ ኮምሽን ንዘውፀኦ ብዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ኣጀንዳታት ተፈፃሚ ንክኸውን ድጋፍ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮን ኣብ እዋን መረፃ ተፈፃሚ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ ካብ መንጎ ዘቐመጦም በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ኣጀንዳታት ሰብኣዊ መሰል ጎንፂ ካብ ዝቕስቅሱ ዘረባታት ፅልኢት ከምኡ ‘ውን ካብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምቑጣብ ኣድላይ ከምዝኾነ ዘተሓሳስብ ነጥቢ እቲ ሓደ እዩ።ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሕውስዋስ ፖለቲካን ቀውሲ ሰብኣዊ መሰልን ብዘላቒ ንምፍታሕ ከምኡ ‘ውን ንሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ዝኾኑ ጉዳያት ሕጊ፣ፖሊሲን ምምሕዳርን ንምፍታሽን ምምሕያሽ ንምግባር ብዕሊ ቃል ንኽኣትዉ ኣተሓሳሲቡ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You