- ክልተ ሚሊዮን ንዝኾኑ ሰባት ኽታበት መከላኸሊ ኮሌራ ክወሃብ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ሆስፒታላት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ንምጅማር ምድላው ከምዝተወደአ ቢሮ ጥዕና ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።ኣብ ትግራይ ንክልተ ሚሊዮን ንዝኾኑ ሰባት ኽታበት መከላኸሊ ኮሌራ ክወሃብ እዩ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ ሆስፒታል ሂዎ ሕክምና ፅኑዕ ሕሙማን ኮሮና ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ካብ መቐለ ውፅእ ኢሉ ዝርከብ ሆስፒታል ሂዎ ቕድሚ ኣዋርሕ ግልጋሎት ፅኑዕ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ምሃብ ጀሚሩ።
ቫይረስ ኮሮና ብቐሊሉ ዝጠፍእ ብምዃኑ በቲ ቫይረስ ንዝተሓዙ ሕሙማን ዓርሱ ዝኸኣለ ፈሊኻ መፅንሒ ማእኸል ምፅናሕን ምሕካምን ዘዋፅእ ከምዘይኮነ ኣመልኪቶም። ኣብዚ ሐዚ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሕሙማት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጥቀመሉ ትካል ጥዕና ዝተፈለየ ህንፃ ብምፍላይ ምስ ኻልኦት ግልጋሎታት ብዝተዋደደ መልክዑ ሕክምና ምሃብ ከምዝከኣል ኣብ ሆስቲታል ሂዎ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ መምሃራይ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኣፍቲ ሆስፒታል ዝተጀመረ ተሞክሮ ኣወሃህባ ሕክምና ፅኑዕ ሕሙማት ኮሮና ብምውሳድ ናብ ኻልኦት ሆስፒታላት መንግስቲ ንምስፍሕፋሕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ኣብ ኸይዲ ድማ ኣፍቲ ክልል ዝርከቡ ኻልኦት ሆስፒታላት መንግስቲ ተሞክርኡ ብምስፍሕፋሕ ግልጋሎት ፅኑዕ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ንምጅማር ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብኣውርኡ ሕክምና ዘይኮነስ መከላኸሊ መገዲ ተግባራዊ ምትግባር ከምዝኾነ ገሊፆም። እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዝምልከቶም ትካላት፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ሰብሞያ ጥዕና፣ዝመሓላለፉ መልእኽትታት ተግባራዊ ብምግባር ሓላፍነት ምክልኻል ሕማም ንኽዋፃእ ኣገንዚቦም። ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ሂዎ ሲስተር ኣምለሰት ገብረስላሴ ብወገነን ኣፍቲ ሆስፒታል ንዝሓለፉ ኽልተ ኣዋርሕ እናተሓከሙ ዝፀንሑ 118 ፅኑዕ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና እቶም 77 ሓውዮም ከምዝኸዱ ተዛሪበን።ኻልኦት 16 ተሓከምቲ ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ገሊፀን።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ምውሳኽ ቑፅሪ ተሓከምቲ ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ሕፅረት ናውቲ ሕክምና ዕንቅፋት እናፈጠረ ከምዝኾነ ተዛሪበን።ብፍላይ ድማ ሕፅረት ኣርተፍሻል መሳርሒ መተንፈሲ ኣብ ኣዋህባ ሕክምና ዋና ፀገም ከምዝኾነ ኣፍሊጠን። ብኻሊእ ዜና ኣብ ትግራይ ንክልተ ሚሊዮን ንዝኾኑ ሰባት ኽታበት መከላኸሊ ኮሌራ ንክወሃብ ምድላው ከምዝተገበረ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።ንኽስተት ኮሮና ስግኣት ዝኾኑ ኹነታት ብምፍጣሮም መከላኸሊ ክታበት ምሃብ ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ጌታቸው መኮነን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ 13 ወረዳታት እቲ ክልልን ኣብ መዕቖቢ ካምፕታን መከላኸሊ ኽታበት ሕማም ኮሌራ ንምሃብ ምድላው ተገይሩ። ኽታበት ዝወሃበሎም ቦታታት ብሰብ ሞያ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ነቲ ሕማም ኣብ ዝተቓልዑ ከባብታት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።ካብ ዝቕፅሉ ኽልተ ሰሙናት ጀሚሩ ክልተ ሚሊዮን ንዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ኽታበት ንምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።
ስራሕቲ መከላኸሊ ኽታበት ብዝተሳኸዐ ኹነታት ንኽካየድ ብምክትል ሓላፊ ቢሮ ዝምርሑ ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት እስካዕ ወረዳ ተጣይሾም ስራሕ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጦም። ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራልን ኻልኦት መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ወፍሪ ናይቲ ኽታበት ዝተሳኸዐ ንኽኸውን ግደኦም እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ እቶም ምክትል ሓላፊ ቢሮ ተዛሪቦም።
ካብ ሓለዋ ጥዕና ፌደራልን ካልኦት ትካላት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ተወሳኺ ድጋፍ መድሓኒት እንተተረኺቡ ተወሳኺ ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ንምኽታብ ከምዝተተለመ ተዛሪቦም። ኣፍቲ ክልል ኹነታት ሰላምን ፀጥታን ዘተኣማምን ብምግባር ስሩዕ ግልጋሎት ጥዕና ነቲ ህዝቢ ንምሃብ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም