‹‹ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኽሳደን ብገመድ ዝጉተታ ሃገራት ዕድለን ባዕለን ዝውስናሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን›› ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና

ኣዲስ ኣበባ፡- ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኽሳደን ብገመድ ዝጉተታ ሃገራት ዕድለን ባዕለን ዝውስናሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይኸውን ነበር ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ኣፍሊጦም። ኣምባሳደር ጥሩነህ፤ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፤ሓያላት ሃገራት ንሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብሽም ሰብኣዊ መሰል ምድኻም ከም ሓደ ስልቲ ገይሮም ተተሓሒዞሞ እዮም። እዚ እንትገብሩ ድማ ሃገር ምስ ሃገር እናፈላለዩ እዮም።

ብሽም ሰብኣዊ መሰል ዘይግባእ ፅልኣት ክሓድር ይገብሩ። ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኻልኦት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ኢኮኖሚአን እንተዕብየን፤ሙስና እንተምኪነን ከምኡ ውን ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ምርካብ እንተኽኢለን ዕድለን ባዕለን ዝወስናሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን ኢሎም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብኣዊ መሰል መሳርሒ ሓያላት ሃገራት ኾይኑ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ እተን ሓያላት በዚ ሽም ድሌተን ንምግባር እናፈተና እየን። እዚ እንትገብራ ድማ ኣፍቲ ሓደ ሃገር ዘነፃፀርዎ ትእዛዝ ኣብ ኻልእ ሃገር ብተመሳሳሊ ከምዘይፍፅምዎ ገሊፆም።

እዞም ሓያላት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ክገብርዎም ንዝደልይዎም ሃገራት ብሽም ሓገዝ ኣትዮም ልዑል ቑፅሪ ዘለዎ ገንዘብ ይብትኑ። ብሽም እዞም ትካላት ድማ ድሌቶም የጣይሹ። እዚ ኣካይድኦምን ስልቶምን ናብ ኣፍሪካ እንትመፅእ ድማ ድኽነት ስለዘሎ ዝሕግዞም ሓሽከር ብዙሕ እዩ። ብኸይዲ ድማ ናብ መድረኽ ፖለቲካ የምፅእዎ፤ድሕሪኡ ከምድሌቶም ዝእዝዝዎ ይኸውን። ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኻልኦት ሃገራት ዕድለን ባዕለን ዝውስናሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን ኢለ ይኣምን። ነዚ ድማ መጀመሪያ ኢኮኖሚ ክዓብይ ኣለዎ።

እቲ ኢኮኖሚ እንተተዳኺሙ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እንተሃለወ ‘ውን ካብ ኢዶም ከምልጥ ከምዘይኽእል ኣመልኪቶም። ሙሰኛ መንግስቲ ብዝኾነ መገዲ ናፃ ክኸውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ሰራቒ ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊኡ ርስሓት ስለዘሎ ኹሉ ግዘ ክጋለፅ እየ ዝብል ዝሰግእ ኣለዎ ዝበሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ፤ሙስና ምውጋእን ምጥፋእን ካብዚ እነምልጠሉ መገዲ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። ዕድል ዓርሰ ውሳነ ንምውሳን ዘኽእል ኻልእ ጉዳይ ድማ፤ ሃገራት መንግስታት ሳልሳይ ዓለም ብህዝቢ ክእመኑ የድሊ። ብህዝቢ ተኣማንነት ዝረኸበ መንግስቲ ክሰርሖም ዝሓሰቦም ተግባራት ብቐሊሉ ምትግባር ከም ዝኽእል ጠቍሞም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You