‹‹ለውጢ ሙሉእ ዝኸውን ዜጋታት ተጠቐምቲ እንተገይሩ ጥራሕ እዩ›› ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ

ኣዲስ ኣበባ፡- ለውጢ ሙሉእ ዝኸውን ኣብ ከይዲ ናብ ኩሉ ዜጋ በፂሑ ተጠቓሚ ክገብር እንተሎ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊን ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ገሊፆም። ኣይተ ኣወሉ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ መፅንሒ ህፃናት ኣብዚ ሰሙን እዚ መሪቖም ኣብዝኸፈትዎ ግዘ ከምዘፍለጡዎ፣ ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ፣ ውላድካን ኣዴኻን ክንብል እንተለና ካብ ቓላት ሓሊፉ ብተግባር ዝረአ ነገር ምስራሕ የድሊ እዩ። መንግስቲ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘምፀኦ ለውጢ ናይ ቓላት ፀወታ እንተይኮነስ ኣብ መሬት ወሪዱ ሕድ ሕድ ዜጋ ተጠቃሚ ንምግባር ቖላሕታ ሂቡ እናሰርሐ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ስዒቡ ለውጢ ዝተመልከቱ ፀላእትና ጉዕዞና ጠጠው ንምባል እናሞከሩ ምዃኖም ዝጠቐሱ ኣይተ ኣወሉ፣ እቲ ሙከራ ሕዚ ዝተጀመረ እንተይኮነስ ንዘመናት ዝነበረ እዩ። ኢትዮጵያ ብምዕባለ ልዑል ቦታ ዝነበራ ሃገር ዋላ እንተኾነት ዝነበሩ ፅዕንቶታት ብሓደ ተሓባቢርና ብዘይ ምምካትና ናታቶም ተረዳእቲ ኮይና ነቐዝ ዝበልዖ ስርናይ ይልእኹልና ነይሮም እዮም ኢሎም። ከም ገለፃ ኣይተ ኣወሉ፣ ለሙ ዘበን ብዝተፈለየ ኩነታት 350ሺሕ ሄክታር ስርናይ ካብ ወፃኢ ይኣቱ ዝነበረ 20 ሚልዮን ኩንታል ስርናይ ክትካእ ተኻኢሉ እዩ። ሓድነትና ኣጠናኺርና እንተቐፂልና ዘይንበፅሖ ቦታ የለን ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፣ ሰራሕተኛታት ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውሽጢ ትካል እዚን ኣብታ ሃገርን ዘሎ ለውጢ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

ተጠባባቂት ዳይሬክተር ስርዓተ ፆታ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ብርሃኔ ደመቀ ብወገነን፤ ሕዚ እዚ ትካል እዚ ዘጣየሾ ማእኸል መፅንሒ ህፃናት ፅዕንቶ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዘቓልልን ንስርሐን ትኹረት ክህባ ዝገብር እዩ ኢለን። ኣብዝ ሕዚ ሰዓት ሰላም ንሃገርናን ንህዝብናን ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ ዝበላ እተን ተጠባባቒት ዳይሬክተር፤ ካብ ሰላም ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ብልፅግና ምርካብ ዝካኣል እንትኾን ካብ ጎንፂ ግና ክነትርፍ እንኽእል ክሳራ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበአና ኢለን።

ስለዝኾነ ሕዚ ኣብ ሃገርና ካብ ደገ ዘንፀላልወና ዘሎ ሓደጋ ሓድነት ዝጥይቕ ብምዃኑ ፍልልይ ንጎኒ ብምግዳፍ ሰላምን ሓድነትን ብምጥንኻር ዜግነታዊ ሓላፍነትና ክንዋፃእ ይግባእ ኢለን። ብኻሊእ ወገን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብዝሃብዎ ርኢቶ፣ እዚ ትካል እዚ ማእኸል መፅንሒ ህፃናት ምጅማሩ ኣብ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረን ፅዕንቶ ብዝላዕለ ብርኪ ዘቓልል እዩ። ስርሐን ብዝግባእ ብምስራሕ ነዚ ትካል ኢሉ ‘ውን ንዕቤት እዛ ሃገር ዝኸኣለኦ ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ከምዝሕግዘን ገሊፀን እየን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You