ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ሴናተር ኣሜሪካ ግዝኣት ኦክላሆማ ጂም ኢንሆፍ ተዛቲዮም። ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ኣብ ዞባዊን ሃገራዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሕጊ ምኽባር፣ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ስራሕቲ ምኽባር ዶብን ኢትዮ ሱዳን ዝርከበሉ ብርኪ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንምስላጥ ኣብ ምድላው ከምዝኾነት ብምሕባር፣ ረብሓ ተፋሰስቲ ሃገራት ብዘይነክእ መልክዑ ከምዝፍፀም ‘ውን ገሊፆም። ምስ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ዝተፈጠሩ ፀገማት ብርኪ ብብርኪ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ወገናት ድጋፍ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ምስ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ተተሓሒዙ በቢእዋኑ ዝለዓሉ ጎንፂታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድልውቲ ከምዝኾነት’ውን ገሊፆም። ሴናተር ጂም ኢንሆፍ ብግደኦም፣ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉስ ከምዝኾኑን ዝተውሃቦም መብርሂ ኣብ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዝርከብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ንኽርድኡ ከምዘኽአሎምን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ተሳልጦም ተግባራት ዘድሊ ሓገዝ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም