ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ሰላም ረኺባ ከይትለምዕ ዝግበር ፅዕንቶ ወፃኢ መንእሰይ ሓደ ኮይኑ ክምክት ከምዝግባእ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ንምኹናንን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንምድጋፍ ዝወፁ መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጦም። ‹‹ድምፅና ንናፅነትናን ሉኣላውነትናን›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ንምቅዋም ዝወፀት ተማሃሪት ህሊና ኣያሌው ከምዝገለፀቶ፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሃገርና ግድብ ሰሪሓ ከይትለምዕን መረፃ ኣካይዳ ከይትረጋጋዕን ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ፅዕንቶታት እናተገብሩ እዮም።ብፍላይ ሓያላን ሃገራት ኣብ ናይ ውሽጢ ጉዳይና ብምእታው ፅዕንቶታት እናገብሩ እዮም።ንኽንከፋፈል ብዙሕ ፃዕርታት እናገበሩ እዮም፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ እቲ መንእሰይ ሓድነቱ ብምጥንኻር ንሃገር ሉኣላውንት መስዋእትነት ክኸፍል ትደሊ እያ ዝበለት ተማሃሪት ህሊና፣ ኩሉ መንእሰይ ብዘይ ድኻም ተኻኣኢሉ ንሃገሩ ጠጠው ክብልን ናይ ኣቦታቱ ታሪኽ ክደግምን ይግበኦ ኢላ። ናይ ደገ ፅዕንቶ ብምምካት ዝከኣል ጠንኪርካ ብምስራሕ ስለዝኾነ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ንሃገርና ጠጠው ክንብል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።
ካሊእ ሓሳቡ ዘካፈለና መንእሰይ ኑረላ መሓመድ ብወገኑ እቲ ዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኢትዮጵያ ታሪኽ ክደግም ዝኽእል ትውልዲ ከምዘለዋ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሉ።ብፍላይ ሓያላት ሃገራት ከምድሌቶም ጣልቓ ክኣትዉ ስለዘይፈቐድናሎም ግድብ ህዳሰ ከይንሃንፅ ብዙሕ ዕንቕፋታት ክፈጥሩ ፀኒሖም እዮም ዝበለ መንእሰይ ኑረላ፤ ብፍላይ ኣሜሪካ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብግልፂ ንግብፂ ብምውጋን ድጋፋ እናርአየት መፂኣ እያ፡፡ ‹‹ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ብፀላኢ ምስተፈተነት እያ፣ ኮይኑ ግና ሓንቲ መዓልቲ ተሸኒፋ ኣይትፈልጥን›› ዝበለ መንእሰይ ኑረላ፣ መንእሰይ ሓደ እንተኾይኑ ሕዚ ዝፍጠር ዘሎ ፅዕንቶ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን።
ብዘይትን ስርናይን ከይተዓሸውና ፀላእትና ብምሽናፍ ዓወት ዓድዋ ንምድጋም ክንዳለው ይግባእ ክብል ሪኢትኡ ገሊፁ።እዚ መንእሰይ እዚ ዓድዋ ጥራሕ እናሓሰበ ምንባር እንተይኮነ ከምዚ ዓይነት ዓወት ንኽደግም ሓድነት ብምፍጣር ክብሪ ሃገሩ ክሕሉ ይግባእ ኢሉ።ኢትዮጵያ ሰላም ምእንቲ ክትኸውን እቲ መንእሰይ ካብኡ ዝግበር ትፅቢት ክፍፅም ኣለዎ።እንተዘይኮይኑ ፀላእቲ ዝሓሰብዎ እንድሕር ተሳኺዑ እዚ መንእሰይ እዚ ብታሪኽ ተወቃሲ እዩ ክብል ኣገንዚቡ።
መንእሰይ ቕድስት ወልዴ ብወገና፣ መራሕቲ ሓገርና ጥቕሚ ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብምባሎም ጥራሕ ኣሜሪካ ዘውረደቶ እገዳ ከምትቓወም ብምጥቋም፤ ኢትዮጵያ ብውሽጥን ደገን ኮይኖም ከፍርስዋ ዝሓስቡ ኣካላት ብዙሓት ብምዃኖም መንእሰይ ናይ ኣቦታቱ ታሪኽ ዘስተውዕለሉን ርግዕ ኢሉ ካብ ወለዱ ጥበብ ዝቐስመሉን ግዜ እዩ ኢላ። ንሃገር ተባሂሉ ዝኽፈል ኩሉ መስዋእቲ ክኽፈል ኣለዎ ዝበለት ቅድስት፣ ሃገር እንተዘይሃልኣ ኩሉ ኣይህልውን።ኩሉ ዜጋ ተንኮል ፀላኢ ተረዲኡ ንሰላም ሃገሩ ናይ ባዕሉ ግደ ብምብርካት ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ታሪኽ ዝስረሐሉ ግዜ እዩ ክትብል ርኢቶኣ ገሊፃ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቢሮ መተሓባበሪ መንእሰይን ሰናይ ፍቓድን ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ፣ እዚ ተቓውሞ እዚ መናእሰይ ሓድነቶም ዘርእይሉ፣ ናይ ውሽጥን ደገን ፀላእቲ ርእሲ ዘድነነ ተግባር ከምዝኾነ ብምጥቋም፣ ሃገርና ኣብ ተፈላለዩ ግዜ ካብ ደገ ዝፍነወላ ፅዕንቶ ንምፅዋር ሂወቶም ብምሃብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክትሰጋገር ዝገበሩ ኣቦታት ታሪኽ ምድጋም ከምዝግባእ ገሊፆም። ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ብምቅዋም ልኣላውነት ሃገር ዘይተድፍሩ ትውልዲ ኢኹም ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ እዚ ሓድነት ክቕፅል ከምዝግባእን ኣተሃሳሲቦም።ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ኣካይድና ከይንለምዕ፣ ከይንብልፅግን ሰላም ከይንኸውን ዝደልዩ ኣካላት ከምዘውርይዎ እንተይኮነ ካብ ድኽነት ንምውፃእ’ምበር
ንማንም ንምጉዳእ ኣይኮነን።ኣብ ውሽጢ ጉዳይና አትዮጵያውያን’ምበር ካሊእ ጣልቓ ክኣቱ ኣይኽእልን፤ እድል’ውን ኣይወሃብን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ መናእሰይ ሃገሮም ንዘይምድፋር ንኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢን ንናይ ውሽጢ ባንዳታትን ብሓባር ብምዃን ክቃለሱ ይግባእ ክብላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ምክትል ከንቲባ )“ድምፅና ንነፃነትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብምርካብ መልእኽተን እንተሕልፋ፣መናእሰይ ሃገሮም ንዘይምድፋር ንኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢን ንናይ ውሽጢ ባንዳታትን ብሓባር ብምዃን ክቃለሱ ይግባእ ኢለን። ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ ፀለምቲ ህዝብታት ንሓይሊታት ተንበርኪኻ ኣይትፈልጥን ኢለን። ስለዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ሓይሊታት ወፃኢ ፈፂምና ኣይንቕበልን ኢየን ዝበላ።እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶን ዝቃወም ኢዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዘንበሮ ክልከላ ቪዛን ኣብ ለዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ፅዕንቶን እዛ ሃገር ካብ ድኽነት ንከይትላቐቕ ንምግባር ካብ ምድላይ ዝፍልፍል ብምዃኑ ብፍላይ መንእሰይ ንዕብየት ሃገር ግድኡ ብምውፃእ ፅዕንቶ ወፃኢ ዝቃወም ሰልፊ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሰመራ፣ ሃረር፣ ወልቅጤን ካልኦት ከተማታት ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶም ዝቃወም ከምዝኾነ ተገሊፁ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም