ኣዲስ ኣበባ፡- ሱዳንን ግብፅን ቖላሕታ ዓለም ለኸ ንምስሓብ ፅልኢ ዝቑስቑሱ ተግባራት እናሰርሑ ምዃኖም ኣባል ጉጅለ ቴክኒክን ዘተን ግድብ ህዳሰ ሰለስቲአን ሃገራትን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሃፍቲ ማይ ዶክተር በለጠ ብርሃኑ ገሊፆም። ዶክተር በለጠ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ እተን ሃገራት ዝገብረኦ ዘለዋ ፅልኢ ናይ ምልዕዓል ምንቕስቓሳት ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ እቲ ኸባቢ ናብ ፀገም ክኣቱ እዩ ብምባል እቲ ኣጀንዳ ዓለም ለኸ ትሕዝቶ ክሕዝ ንምግባርን ቆላሕታ ካልኦት ሃገራት ንምስሓብን እዩ።
ኣብ 2015 ኣ.ፈ ዝተፈረሙ መርህታት ስምምዕ ዘግድዶምን ዝሓቶም ጉዳያትን ብምይይጥ ምፍታሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር በለጠ፣ እቲ ስምምዕ ከምዚ ዓይነት ቖስቋሲ ዝኾነ ፅልኢ መገዲ ዝኽልክል ከምዝኾነ ጠቚሞም እዮም። እዞም ሃገራ ኵናት ዝቑስቑስ ተግባራት ዝፍፅሙ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር እዩ። ቐጥታ ኣይገብርዎን፣ ሓሊፎም ናብ ኵናት ዝኣትዉ እንተኾይኖም ግና ከም ሃገር ይጋገዩ ኣለዉ ማለት እዩ። እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቕስቓስ ምስ ማይ ዘለዎም ኣጀንዳ ሙሉእ ብሙሉእ ዝሰረዘ እዩ ዝኸውን ኢሎም።
እዞም ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ከንፈጥር ኢና ዝብል እምነት ከምዘለዎም ዘማላኸቱ ዶክተር በለጠ፣ ፅልኢ ናይ ምቑስቓስ መገዲ ምምራፆም ብምይይጥ ውፅኢታዊ ከንኸውን ኢና ኢሎም ዘይሓስቡ ምዃኖም ዘርኢ እዩ ኢሎም። ተመያይጥናን ተዛራሪብናን ዘድልየና ነገር ንሓዝ፣ ንኹልና ብዝጠቕም መልክዑ ከንከዶ ይግባእ፣ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪካ ምፍታሕ እዩ ዘድሊ ዝብሉ ዶክተር በለጠ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቕዋም ነቲ ፀገም መፍትሒ ከምዝኸውን ኣፍሊጦም።
ከም ተመያያጢ ኣባል ጉጅለ፣ ክልቲኦም ሃገራት ብሕብረት ኣፍሪካ ናብ ዝግበር ምይይጥ ክምለሱ እዮም ኢለ እግምት ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፕረዚዳንት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፊሊክስ ቼኪሲዲ ኣብ ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ዝነበሮም ዑደት ከም ዘተሓሳሰብዎ እዘን ሃገራት ናብ ም ይይጥ ክምለሳ እዩ። ናብ ጌጋ ምእታው እንተዘይኮኑ ነዘን ሃገራት ወታደራዊ ምንቕስቓሳት ኣየዋፀአንን ዝበሉ ዶክተር በለጠ፣ ቕድሚ ሕዚ ዝገብርዎ ዝነበሩ ወታደራዊ ልምምድ ገዲፎም ናብ ምይይጥ ክምለሱ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ምስ መልእኽቲ እቶም ፕረዚዳንት ተተሓሒዙ እዘን ሃገራት ናብ ምምይጥ ክምለሳ እየን ኢለ እየ ዝሓስብ ዝበሉ ዶክተር በለጠ፤ ብወገን ኢትዮጵያ መፍትሒ ክኾን ዝኽእል ምይይጥ ከምዝኾነ እያ ትኣምን ኢሎም። ሰላም ሃገር፣ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ግድብን ከባቢኡን ምሕላው፣ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ብዘይ ስግኣት ስርሖም ክሰርሑ ምግባር ይግባእ፤ እቲ ምይይጥ ‘ውን ንኽቕፀል ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም