ኣብ ትግራይ ን22 ወረዳታት ልዕሊ 102 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ተባፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ን22 ወረዳታት 102 ሺሕን 267 ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝተባፅሐ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝርከብ ዝሓበረ እቲ ቢሮ፣ ኣብ ሕርሻ ምንጣፍ ንቐፃሊ ህልውና ወሳኒ ብምዃኑ ሓረስታይ ዋላ ኣብ ዝተፃበበ እዋን ሕርሻዊ ንጥፈታቱ ንኽውግን እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ነዚ ድማ ኣብ ኽራማት እዚ ዓመት ከም ክልል ትልሚ ሓደጋ እዋን ብምሕንፃፅ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፣ ኣብ እታወታት ቀረብ ዝራእቲ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ከም ኣገላልፃ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ፣ ንዘበነ ምህርቲ 2013/14 ከም ክልል 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንምጥቃም ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ። ዛጊድ 260 ሺሕን 538 ኩንታል (39ሺሕ933.5 ኩንታል ዩርያ፣ 220ሺሕ544.5 ኩንታል ኤን ፒ ኤስ) ካብ ወደብ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ብምሩፅ ዘርኢ ድማ ልዕሊ 492 ሺሕ ኩንታል ንምቕራብ ዝተትሓዘ ትልሚ፣ ዛጊድ 35 ሺሕን 599 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ( ስርናይ 29ሺሕ606 ኩንታል፣ጣፍ 2ሺሕ575.1 ኩንታል፣ ዕፉን 6ሺሕ303.75 ኩንታል፣ ስገም 100ኩንታል፣ ኣዕታር 30 ኩንታል) ብተመሳሳሊ ናይ ከባቢ ዘርኢ እውን 4ሺሕ398.5 ኩንታል( ምሸላ 2ሺሕ548.5 ኩንታል፣ ስገም 1ሺሕ850 ኩንታል) ከምዝቐረበ ገሊፁ።

ብኽልል ብርኪ ካብ ዝኣተወ ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ እቲ 102 ሺሕን 267 ኩንታል ናብ 22 ወረዳታት ዝተጓዓዓዘ እንትኸውን፥ ካብዚ እቲ 23 ሺሕን 285 ኩንታል ናብ ኢድ ሓረስቶት ምብፅሑ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ 8 ሺሕን 970 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ናበ 11 ወረዳታት ከምዝተልኣኸ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፣ 913 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ኢድ ሓረስቶት በፂሑ ኢሉ። ካብን ናብን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ ዘይምዃን፣ ኣብ ኬላታት ምድንጓይን ምኽልካልን ምህላዉ፣ ፀገም

 ትራንስፖርተሽን ምህላዉ፣ መኽዘናት ዘይምህላውን ኣብ ዘለወን ድማ ንሓለዋ ኣፀጋሚ ምዃንን፣ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ምምዝባሎምን ቀረብ እታወታት ብስሉጥ ንምብፃሕ ካብ ዘፀግሙ ፀገማት ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላም ዝሰርሑ ኣካላት ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክሕግዙ ከምዝግባእ ሓቲቱ። ከም ፀብፃብ ኤፍ.ቢ.ሲ ድማ ፣ሚኒስቴር ግብርና ብወገኑ ሓረስቶት ትግራይ ስራሕቲ ሕርሻኦም ንክቕፅሉ ድጋፍ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፁ። መንግስቲ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር በምውዳድ ናይ ምጥያሽን ናብ ሕርሻ ንክኣትዉ ናይ ምግባር ድጋፍ እናገበረ እዩ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ 900 ሽሕ ሄክታር መሬት ንምሕራስን በዘርኢ ንምሽፋንን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ስራሕቲ በምስራሕ ናይቲ ክልል ምግቢ ውሕስና ፀገም ንምፍታሕ ደገፍ እናሃበ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ። ስጋብ ሓዚ ዝተገበረ ድጋፍን ርብርብን ናይቲ ትልሚ 70 ሚኢታዊ ዝኸውን መሬት ብዘርእ ንምሽፋን ዘኽእል ምንቅስቓስ ከምዝተገበረን እድላይ ዝኾኑ እታወታት ናብ መቐለ መኽዘን ከምዝበፅሑ ገሊፁ። ብዝተወደቡ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ናብ ሓረስታይ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ ። እቲ ሚኒስቴር ናይቲ ክልል ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ንምዕባይ ንሓረስቶት ናይ ቴክኒክ ድጋፍ ብምሃብ ምህርቲ ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ናይ ተሽከርከርቲ፣ናይ ቢሮ ኣቑሑት፣ኮምፒዩተራትን ካልኦት ኣቁሑትን ባዓል ሙያታት ምትእኽኻብ ስልጠና ምሃቡ ኣመልኪቱ።

ናይ ማዳበርያን ምሩፅ ዘርእን መግዝኢ ሕፅረት ፀገም ንምፍታሕ መንግስታዊን ዘይ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት በምትሕብባር ንሓረስቶት ዘድሊ ማዳበርያን ምሩፅ ዘርእን ብምምላእ ምህርቲ ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ናይ በጀት ድጋፍ እናኣከበ ትልሙ ንምዕዋት ዘኽእል እታወት ገዚኡ ንምቕራብ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You