
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ጎዳና ተዓወቲ ብምዃን ዛዚሞም ‘ዮም። ካብዚኦም እቲ ሓደ ዝኾነ ኣብ ስፔን ቫሌንስያ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር እንትኾን ፣ ኣትሌታት ኢትጵያውያን ዓብይ ፉኽክር ብምግባር ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝካየድ ናይ 21ኪሎ ሜትር ጉያ እቲ ሓደ ዝኾነ ቫሌንስያ ፍርቂ ማራቶን ብቡዙሓት ኣትሌታት ተመረፂ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ዘሎ ኣየር ምቸው ብምዃኑ ፈጣን ሰዓት ዝምዝገበሉ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ውድድር ግና ከምናይ ቐደም ምዃን ተሪፉ ዝነበረ ኩነታት ኣየር ብጣዕሚ ሙቀታማ ስለዝነበረ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ውድድር ፈጣን ከምዘይነበረ ተራእዩ ‘ዩ። ክሳብ 10 ኪሎ ሜትር ዓሰርተ ዝኾኑ ኣትሌታት 27፡51 ብዝኾነ ሰዓት ዝሸፈንዎ እንትኾኑ ፣ ካብ 13ኪሎ ሜትሮ ግና ዝነበረ ኩነታት እንትልወጥ ተራእዩ ‘ዩ። ዓብይ ንሕንሕ ዝተርኣዮ ኣብዚ ውድድር ኣብቲ ርሕቐት ፍሉጥ ዝኾነ ኬንያዊ ኣትሌት ከሸንፍ ክኢሉ ‘ዩ። ንምስዓር ሓያል ንሕንሕ እናገበረ ዝፀንሐ ኢትጵያዊ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጄልቻ ብ23 ሰከንድ ንድሕሪት ብምትራፍ ካልኣይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ። ናይ ዓለም ናይ ገዛ ውሽጢ ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን እንትጎይይ ዝኣተወሉ ሰዓት 59ደቒቓ 05ሰከንድ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ውድድር ድማ ልዕሊ ሓደ ደቒቓ ዝኾነ ፈጣን ሰዓት ብምምዝጋብ ናይ ኢትዮጵያ ናይቲ ርሕቐት ክብረ ወሰን ክሰብር ክኢሉ ‘ዩ። ኬንያዊ ዳንኤል ማቲኮን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ወርቁን ብተመሳሳሊ ዉሑዳት ሰከንድ ንድሕሪት ብምትራፍ ኣብ 58ደቒቓ ሳልሳይን ራብዓይን ኾይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ‘ዮም። ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኢትጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ሰዓርቲ ክኾና ‘የን ተባሂሉ ግምት ተዋሂብወን እንተነበረ ‘ውን ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ እቲ ውድድር ብምምራሕ ናይ ሰዓርነት ግምት ረኺባ እንተነበረት ‘ውን ብኣርባዕተ ሰከንድ ጥራሕ ተበሊፃ ከይተሳኸዐላ ተሪፉ ‘ዩ።
ቀዳመይቲ ኾይና ብምእታው ድማ ጀርመናዊት ኣትሌት ኮንስታንዜ ክሎስተርሃፈን ናይ ሎሚ ቫሌንሲያ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ሰዓሪት ክትኾን ክኢላ ‘ያ። እቲ ጉያ እናተቆፃፀረቶ ዝፀንሐት ኣትሌት ፅጌ 1፡05፡45 ብዝኾነ ሰዓት ናይ ውልቀኣ ፈጣን ሰዓት ክተምዝግብ ክኢላ ‘ያ። ጠንካራ ፍኽክር እናገበረት ዝነበረትን ናይ ሰዓርነት ግምት ተዋሂብዋ ዝነበረን ሃዊ ፈይሳ ድማ ሳልሰይቲ ብምዃን ክትዛዝም ክኢላ ‘ያ። ኣብ ስሎቬኒያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሉቢኒያ ማራቶን ኢትጵያዊ ኣትሌት ገብረፃድቕ ኣብርሃ ተዓዋታይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ‘ዩ።
ኣትሌት ዓብደላ ጎዳና ድማ ራብዓይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ። ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ስራነሽ ይርጋ ቀዳመይቲ እንትኾን ስንትየሁ ለውጠኝ ካልአይቲ ኾይና ‘ያ። ኣብ ጣልያን ቬነስ ኣብ ዝተገበረ ማራቶን ኣትሌት ታፈሰ ደለለኝን ክብሮም ደስታን ሳልሳይን ራብዓይን ብርኪ እንትድሕዙ ፣ ብደቂ ኣንስትዮ ፋንቱ ዘውዱን ጠጅቱ ስዩምን ሓምሻይን ሻድሻይን ኾይነን ውድድረን ዛዚመን ‘የን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም