
ስፖርታዊ ውድድራት ንስድራ ስፖርት ስምዒት ንክህቡን ብቀጥታ ፀወታ ኣተሓላለፍትን ጋዜጠኛታት ስፖርት ብዝሰርሕዎ ፕሮግራማት ከምኡ ‘ውን ፀብፃባት ለዛ ብዘለዎ ኣቀራርባ ጣዕሚ ዝህቡ ቅመማት ‘ዮም። ኣብ ካልእ ዓለማት ስፖርታዊ ውድድራት ብቀጥታ ፈነወ ንህዝቢ ምትሕልላፍ ዝጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1920 ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይዚ ጀማሪ ድማ ኣንጋፋ ጋዜጠኛ ኣይተ ፍቅሩ ኪዳኔ ‘ዮም። ኣብ ስፖርት ኢትዮጵውያ ፅቡቕ ሽም ካብ ዝተኸሉ ሰባት ብቕድሚት ዝፅዉዑ እዞም ነባር ጋዜጠኛ ናይ መጀመርያ ናይ ኢትዮጵያ ስፖርት ጋዜጠኛ ‘ዮም።
ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓሊፉ ክሳብ ዓለም ለኸ ትካላት ስፖርት ግልጋሎት ብምሃብ ኣድናቖት ዘትረፉ ኣይተ ፍቅሩ ቅድሚ ሰሙን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ‘ዮም። ኣይተ ፍቅሩ ኪዳነ ዝተወለዱ ኣብ ከተማ አዲስ ኣበባ ብ1927ዓ.ም ፍልውሃ ሆስፒታል ከምዝነበረ ህይወት ታሪኮም የረድእ። ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ኣቦኦም ናይ ቅዱስ ግዮርጊስ ክለብ ስፖርት ደጋፊ ብምዃኖም ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ውድድር ሜዳ እናመላላሱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓቢሮም ፀወታ ናይ ምርኣይ ዕድል ነይርዎም ‘ዩ። ኣይተ ፍቅሩ ዕድመኦም እናወሰኸ ምስ ከደ ብእንግሊዘኛን ፈረንሳይኛን ዝሕተሙ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ጋዜጣታት ምግልባጥ ጀሚሮም። ተምሃራይ ሊሴ ገብረማርም ብምዃኖም ኽልቲኦም ቋንቋ ንምርዳእ ኣይከበዶምን። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ጋዜጠኛ ከምዘየለ ምስትውዓል ክኢሎም።
ኣጋጣሚ ኾይኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ስፖርት ንምስፍሕፋሕ ብዝብል ዕላማ ስልጠና እንትዋሃብ ተኻፋሊ ብምዃን ብስፖርት መምህርነት ናብ ዝተምሃርሉ ሊሴ ገብረማርያም ብምምላስን ከምኡ ‘ውን ኣብ ድሬዳዋ ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኣብቲ እዋን ‹‹የዛሬይቱ ኢትዮጵያ ›› ጋዜጣ ስፖርት ንክዝግቡ ሕቶ ብምቕራቦም ተቐባልነት ብምርካቦም ምስ መምህርነት ጎኒ ንጎኒ ብስፖርት ጋዜጠኝነት ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም። ቀፂሉ ድማ ሬድዮ ጣቢያ ስፖርት ፕሮግራም ምስራሕ ጀሚሮም። ቀፂሎም ድማ ‹ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመንን ሄራልድን ስለ ሃገርይ ስፖርት ንክፃሓፍ እናበረታታዕኹ ከምኡ ‘ውን ባዕለይ እናፃሓፍኩ ስፖርት ኣብ ጋዜጣ ንክንበብ ገይረ ‘የ›› ብምባል ኣይተ ፍቅሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቃለ መሕተት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ተዛሪቦም ‘ዮም።
ከም ኣቆፃፀራ ኣውሮፓ 1957 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝገብርዎ ፀወታ ብሄራዊ ቡድን ሱዳናውያን እቲ ፀወታ ብሬድዮ ንምትሕልላፍ ሕቶ ምቕራቦም ስዒቡ እቲ ፀወታ ብሬድዮ ቀጥታ ፈነው ንክረክብ ተወሲኑ ‘ዩ። ኣይተ ፍቅሩ ብዙሕ ምድላው ከይገበሩ ኣብ ኢትዮጵያ ስፖርት ታሪኽ ናይ መጀመርያ ውድድር ብሬድዮ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ኣይተ ፍቅሩ ብፍላይ ማሕበር ጋዜጠኛታት ስፖርት ኢትዮጵያ ኣብ 1961 ዓ.ም እንትምስረት ናይ መጀመርያ ፕሬዝዳንት ዝነበሩ እንትኾን ኣብ ፌደሬሽን ብስክሌት፣ ፌዴሬሽን ቴኒስ፣ ኣብ ኮሚቴ ኢትዮጵያ ኦሎምፒክ ዋና ፀሓፊነት፣ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ርክብ ህዝቢ ብምዃን ሃገሮም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ዘገልግልዎ እዋን ብዙሓት ዓለም ለኸ ሽልማት ክረኽቡ ክኢሎም ‘ዮም።
ንኢትዮጵያ ስፖርት ጋዜጠኝነት መሰረት ዝኾኑ እዞም ዓብይ በዓል ሞያ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝነብርሉ ፓሪስ ኣብ 88 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ‘ዮም። ኣይተ ፍቅሩ ናይ ሓደ ቆልዓ ኣቦ እንትኾኑ፣ ኽልተ ደቂ ደቆም ሪኦም ‘ዮም። ስርዓተ ቐብሮም ኣብ ፓሪስ ተፈፂሙ ‘ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 10 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም