ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዕዉት ውድድራት ጎደና ኣካይዶም

ኣብ ዓለም ኣትሌትክስ ናይ ፕላትኔም ከምኡ’ውን ካልኦት ብርኪታት ዝትወሃቦም ውድድራት ከምቲ ዝተለመደ ኣብዚ መወዳእታ ሰሙን እዙይ ተካይዱ ‘ዩ። ኣብዚኦም ውድድራት ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝረኸብዎ ውፅኢታት ናይ ባዕሎምን ናይ ሃገሮምን ሽም ከፀውዑ ክኢሎም ‘ዮም። ኣብቲ ናይ ፕላትንየም ብርኪ ዘለዎ ናይ ችካጎ ማራቶን ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልትኡ ፆታ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ ብወገን ኣወዳት ኣትሌት ሰይፉ ቱራ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ‘ዩ። ብኣወዳት ወገን ኣብ ዝተገበረ ውድድር ኬንያዊ ኣትሌት ቤንነን ኪፕሩቶ ተዓዋታይ እንትኸውን፤ ዝኣተወሉ ሰዓት ድማ 2:04:24 ከይኑ ተመዝጊብሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ውድድር ናይ ተዓዋታይነት ግምት ተወሂብዎ ዝነበረ ብርቱዕ ተወዳዳሪ ዝነበረን ኣትሌት ሰይፉ ብውሕድ ሰከንዳት ኣፈላላይ ተቀዲሙ ካልኣይ ኮይኑ እንትዛዝም፤ ዝኣተወሉ ሰዓት ድማ 2:04:49 ‘ዩ። ብደቂ ኣንስትዮ ወገን ድማ ኬንያዊት ሩት ቺፕጌቲች ተዓዋቲት እንትትኸውን፤ እቲ ውድድር ብጣዕሚ ቅልጡፍ ዝነበረ ኮይኑ ልዑል ኣፈላላይ ብምፍጣር ‘ውን ክትዕወት ክኢላ ‘ያ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቀት ዝወደኣትሉ ስዓት 2:14:18 እንትኸውን እዙይ ድማ ናይ ማራቶን ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ተባሂሉ ክምዝገበላ ክኢሉ ‘ዩ። ኣሜሪካዊት ኤምሲ ሲዝንን ኬንያዊት ቪቪያን ኪፕላጋት ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን ዝዛዘማ እንትኾና፤ ብርቱዓት ተፎኻኸርቲ ዝነበራ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሩቲ ኣጋን ዋጋነሽ መካሻም ራብዓይን ሓምሻይን ብርኪ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ክዛዝማ ክኢለን ‘የን።

ኣብ ፖርቱጋል ዝካየድን ብዓለም ኣትሌትክስ ናይ ወርቂ ብርኪ ዝተወሃቦ ናይ ሊዝበን ማራቶን ድማ ኣብዚ መውዳእታ ሰሙን ዝተገበረ ውድድር እንትኸውን፤ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ዕውታት ክኾኑ ክኢሎም ‘ዩም። ኣብ ናይ ሎሚ ንመበል 36 እዋን ኣብዝካየደሉ ዘሎ ውድድር ብኣወዳት ወገን ናይ ዓሚ ተዓዋታይን ናይዚ ቦታ ክብረ ወሰን ወናኒ ዝኾነን ኣንዱኣለም በላይ ደጊሙ እቲ ኣመዝጊብዎ ዝነበረ ሰዓቱ ኣመሓይሹ ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 02:05:52 ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ ዝነበረ እንትኸውን፤ ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ድማ ካብቲ ናይ ዓሚ ብደቂቃታት ብምቅልጣፍ ደቂ ዓዱ ብምኽታል ተዓዊቱ ‘ዩ። ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ዝዛዘመ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ድማ ሃፍቱ ተኹሉ 02:06:33 ሰዓት እንተመዝግብ፤ ብርሃን ነበበው ድማ 02:07:04 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ብርኪ ክሕዝ ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ውድድር ኣትሌታት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝሐሸ ናይ ተዓዋታይነት ታሪኽ ዝነበረን እንትኸውን፤ ሎሚ ዓመት ግና ብኬንያዊት ኣትሌት ቦርነስ ጄብኪሩይ ተዓዋታይነት ክዛዘም ክኢሉ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ኣብ ዘሎ ብርኪ ካብ ውሑዳት ወፃእተኛታት ወፃኢ ብኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተተሓዘ ‘ዩ ነይሩ። ኣብዙይ ብሓደ ደቂቃ ድሒራ ካልኣይ ዝኣተወት ኢትዮጵያዊት ኣትሌታት ሶሮሜ ነጋሽ እንትትኸውን፤ ብዙነሽ ጌታቸው፣ኡርጌ ጀማልን ዘርፌ ልመንህን ክሳብ ሻድሻይ ኣብ ዘሎ ብርኪ ዝተቆፃፀርኦ እንትኾና፤ ፀዳል ገብረፃዲቅን ጌጤ ጉታን ድማ ሻምናይን ዓሽራይን ከይነን ወዲኣን ‘የን። ናይ 31 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ምስ ማራቶን ገና ጎኒ ዝካየድ ናይ ሊዝበን ፍርቂ ማራቶን ድማ ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ውፅኢታውያን ምዃኖም ኣርእዮም ‘ዮም።

 ገራሚ ዝኾነ ንሕንሕ ኣብ ዝተረኣየሉ ናይ ኣወዳት ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣብ ዝዛዘሙ ኣትሌታት ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ኣፈላላይ ናይ ክልተ ሰከንድ ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ፈተውቲ ስፖርት ግርምቲ ፈጢሩ ‘ዩ። ኣብ ውድድራት ጎዳና ብዙሕ ብዘይተለመደ መልክዑ ብሓደ ተታሓሒዞም ዝኣተውሉ ኣብዚ ውድድር ኣሸናፊ ዝኾነ ኬንያዊ ቻርለስ ኪፕኩሩይ እንትኸውን፤ ብክልተ ሰከንድ ጥራሕ ዝተቀደመ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ድንቃለን ኣየለ ድማ ካልኣይ ኮይኑ ክዛዝም ተገዲዱ ‘ዩ። ዩጋንዳዊ ኣይዛክ ኪቤት ድማ ሳልሳይ ኣትሌት ኩይኑ ወዲኡ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሐሸ ናይ ተዓዋትነት ታሪኽ ብዘለወን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ከምቲ ዝተለመደ ብፀብለልነተን ተዛዚሙ ‘ዩ። ኣብዚ ተዓዋቲት ዝኾነት ኣትሌት እመቤት ንጉሴ ክትኸውን ከላ፤ ዝኣተወትሉ ሰዓት ድማ 1:09:35 ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ። ኬንያውያን ሉድዊና ቼፕንጌቲችን ፌይዝ ኪሙታይ ድማ ነታ ኢትዮጵያዊት ተኸትለን ዝኣተዋ ኣትሌታት ኮይነን ‘የን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 3 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You