
ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ብምትሕብባር ስፖርት ንሰዓሪት ሃገር ብዝብል ቴማ ዘዳለዎ መድረኽ ካልኣይ ምዕራፍ ምእንተ ኢትዮጵያ ዓውደርእይ ፎቶግራፍን መድረኽ ዘተን ኣብ ከተማ ባህርዳር 28 ሰነ 2017 ዓ.ም ተኻይዱ’ዩ።
እቲ ዓውደ ርእይ ፎቶግራፍ ሰብሞያ ስፖርት ሓዊሱ ኻልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን እቲ ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ’ዩ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ኸይድታት ስፖርት ብዘርእይ ቀሪቡ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ ስነልቦና ሰዓራይነት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ፣ስፖርት ንኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ ፣ኣብ ዘፈር ስፖርት ዘለው ዕድላት፣ፀገማትን መፍትሕታትን ከምኡ’ውን ስብራት ስፖርት ንምሕዋይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ መሰረት ዝገበረ ነይሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ ሰዓራይ ስነልቦና ንህንፀት ሃገረ መንግስትን ሓድነት ህዝብን ዘለዎ ግደ ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ዘቅረቡ እንትኾን፣ ስፖርት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘለዎ ግደ ንኽዋፅእ ብስርዓት ክምራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ስፖርት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዓብዪ ግደ ክፃወት ዝኽእል መሳርሒ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፤ ነዚ ‘ውን ማሕበረሰብ ስፖርት ከምኡ ‘ውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብስርዓት ዝተመርሐ ዝተዋደደ ስራሕ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም፡፡ስፖርት ብስርዓት እንተዘይተመሪሑ ናብ ጭቕጭቕን ሞገትን ከምዝሰሳጥሕ ‘ውን ሓቢሮም።
ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር መፅናዕትን ምርምርን ዶክተር ኣመንሲሳ ከበደ ስፖርት ኢኮኖሚ ዝበል መበገሲ ዘተ እንተቅርቡ ከምዝገለፅዎ፤ ስፖርት ንዕብየት ኢኮኖሚ ምጣነ ሃፍትን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ።
ብፍላይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፣ ከምኡ ‘ውን ንዕብየት ቱሪዝም ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ኣመንሲሳ፤ ነዚ ድማ መርኣይኡ ኣብ ኣውሮፓ 173 ቢሊዮን ዶላር፣ ብብርኪ ዓለም ድማ ልዕሊ 700 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ። ኣብ ሃገርና እንተወሲድና ‘ውን ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ልዕሊ ክልተ ቢሊዮን ብር ኣታዊ ተረኺቡ ክብሉ ሓቢሮም።
ስፖርት ልዑል መኽሰብ ኣብ ምምፃእ ዓብዪ ኣበርክቶ እንተሃለዎ ‘ውን ስፖርት ግና ልዕሊ መኽሰብ ርውየት የምፅእ ኢሎም። ስፖርት ሰዓራይ ጉጅለ ብምፍጣር ብብራንዲንግ ብዓበይትን ፍሉጣትን ኣትሌታት ልዑል ኢኮኖሚ ምምፃእ ከምዝከኣል ኣርእዮምና ክብሉ ሓቢሮም።ስፖርት ንኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ሞያ ዘካትት ብምዃኑ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኤሊት ኢንስትራክተር ካፍ ኣብርሃም መብራቱ ኣብ ዘፈር ስፖርት ዘለው ዕድላት፣ብድሆታትን መፍትሒታትን ዘተኮረ መዛተይ ፅሑፍ እንተቅርቡ፣ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ዓውዲ ስፖርት ውፅኢት ፅዕንቶ ከምዘየለዉ ገሊፆም። ተዓዋቲት ጋንታ ንምህናፅ ምስ ስፖርት ዝተኣሳሰሩ ፖሊሲታት ብግቡእ ክትግበሩ ይግባእ ኢሎም። ስፖርት ሰባት ምስ ሰባት ኣብ ምትእስሳርን ባንዴራ ሃገር ኣብ መድረኽ ዓለም ኣብ ምንፅብራቕን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።
ኣብ ዘፈር ስፖርት ዘሎ ዕድላት ንምጥቃም፣ካብ ንኣሽቱ ህፃናት ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ስፖርት ሳይንስ መሰረት ዝገበረ ስልጠና ክወሃብ ይግባእ። ብተወሳኺ ተዓዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ንምህናፅ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ደረጃ ካብ ዝበፅሓ ሃገራት ተሞኩሮ ክውሰድ ከምዘለዎ ገሊፆም። ንኣብነት ጀርመን ኣብ ስፖርት ዝነበራ ፀገማት ንምስጋር ካብ ስፔኛ ተመኩሮ ከም ዝወሰደት ሓቢሮም። ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ዋዕላታት ብምክያድ ነቲ ዘሎ ዕድላት ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።
ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ልምዓት ስፖርት ኣይተ መኪዩ መሓመድ ስፖርታዊ ስብራት ንምፍዋስ እንታይ ይግበር ኣሎ ብዝብል ናይ ዘተ መበገሲ እንተቅርቡ፣ኣበርክቶ ስፖርት ኣብ ሃገር ምስፍሕፋሕ ነቲ ስብራት ንምፅጋን እቲ ትክክለኛ መፍትሒ ‘ዩ።
እቲ ስፖርታዊ ስብራት ሕዚ ዘጋጠመና ፀገም ዘይኮነስ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዩ፤ህንፀት ስታድዩም ባህርዳር ስብራት ንምፅጋን ይግበር ንዘሎ ፃዕሪ መርኣያ ምዃኑ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሰለስተ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ስብራት ከምዘለዉ ብመፅናዕቲ ከምተመላኸቱ ብምሕባር፣እቲ ቀዳማይ ፀገም ስፖርት ስርዓታዊ ፀገም እንትኾን ብፍላይ ድማ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ናይ ምውህሃድ ፀገም፣ ከምኡ ‘ውን እኹል ዓቕሚ
ማእኸላት ስልጠና ኣካዳሚታት ዘይምህላው ‘ዩ ኢሎም። እቲ ካልኣይ ፀገም መዋቕራዊ ፀገም ምዃኑ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ብፅሬትን ተበፃሕነትን መሳለጥያታት፣ ደረጃ ዘይምሕላው፣ ስፖርት ብኸመይ ንርእዮ ዝብል ርድኢት ፀገም፣ ከምኡ ‘ውን ኣሰራርሓን መምርሕን ምትግባር ዘይምኽኣልን ዝግለፅ ‘ዩ ኢሎም። እቲ ሳልሳይ ፀገም ምስ ፖሊሲ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ነዚ ንምፍታሕ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ይግበር ከምዘሎ ‘ውን ገሊፆም።
ድሕሪ ለውጢ ጀሚሩ ዓብዪ ለውጢ ከምዝመፀ ብምግላፅ፣ ነቲ ፈለማ ዘጋጠመ ናይ ርድኢት ፀገም ንምፍታሕ ብሰፊሑ ብምስራሕ፣ ስፖርት መሳርሒ ልምዓታዊ ንምግባር፣ እቶት ንምዕባይ ሰፊሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ፣ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ይወሃቡ ከምዘለዉ፣ ምስ ፖሊሲ ዝተተሓሓዙ ፀገማት ንምምሕያሽ ምድላዋት ይግበር ምህላዉን ገሊፆም።
ኣብ ዘፈር ስፖርት ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ንምምፃእ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዘፈር ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ዝገለፃ ድማ ንቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሓ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ’የን።
ኣብ ኻልኦት ዘፈራት ዝተተለሙ ሽቶታት ንምስኻዕ ስፖርት ዓብዪ ግደ ኣለዎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ጥንኩር ዜጋ ምፍራይ ካብቲ ዘፈር ትፅቢት ዝግበር መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ ተዛሪበን።
ኣብ ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ዘፈር ዝሕግዙን ብተግባር ዝነብሩን መራሕቲ ኣለዉ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኾነ ኻልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብተግባር ዕለታዊ መነባብሮኦም ስፖርት ብተግባር ብምንባር ነቲ ዘፈር ዓብዪ ትኹረት ምሃቦም ሓቢረን።
በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ‘ውን በዚ ደረጃ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ ኢለን። ኣብቲ ዘፈር ውፅኢት ንምምፃእ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሕዚ ኣብዚ መዳይ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ‘ዮም ክብላ ኣመላኺተን።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም