
ኣብዚ እናተወደኣ ዘሎ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ከተማታት ናይ ጎዳና ውድድር ምክያድ ዝተለመደ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ካብ 5 ኪሎ ሜትር ጀሚሩ ክሳብ ማራቶን ብቁፅሪ ብዙሓት ዝኾኑ ውድድራት ተኻይዶም ‘ዮም። ኣብዞም ውድድራት ኢዚኦም ድማ ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ናይ ምብራቅ ኣፍሪካ ኣትሌታት ውፂታዊ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታታት ዕውት ካብ ዝኾኑሎም ውድድራት ኣብ ጣልያን ዝተኻየደ ናይ ትሬንቶ ፍርቂ ማራቶን ውድድራት ሓደ ‘ዩ። ናይ ግራዳ ቃላይ ተተርኢሳ ዝተመስረተት ከተማ ትሬንቶ ንጎብነይቲ ዓዲ ተመራፂት ዝኾነትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝመፁ ጎብነይቲ ዝትጉብነይ ምዃና ይንገረላ።
ኣብዛ ታሪኻዊት ከተማ ነቲ ቃላይ ደንደስ ተኸቲሉ ዓመታዊ ፈስቲቫል ናይ ጎዳና ውድድር ጉያ ከምዝካየድ ይፍለጥ ‘ዩ። ካብ 1907 ብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ ፍሉጣት ኣትሌታት ሓዊሱ ዝሳተፍሉ ፈስቲቫል እንትኸውን፤ ቅድሚ ሕዚ ‘ውን እኒ ቀነኒሳ በቀለ፣ ቶውል ቴርጋትን ስቴፋኖ ባልዲን ዝኣምሰሉ ውርያት ከዋክብቲ ጎዮሙሉ ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፈ መውዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ፌስቲቫል ውድድር ‘ውን ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ሓዊሱ ብዙሓት ውሩያት ኣትሌታት ዝተኻፈሉሉ እንትኸውን፤ ኣብዚ ብኣወዳት ወገን ዝትኻየደ ውድድር ድማ ናይ ዓለም ማራቶን ሻምፕዮና ዝኾነ ኣትሌት ታምራት ቶላ ዕውት ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ኣብ 2017 ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ናይ ሎንደን ዓለም ሻምፒዮና ወናኒ ነሓስ መዳልያ ዝነበረ ታምራት ቅድሚ ወርሒ ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን ኣብ ዝተገበረ ውድድር ‘ውን ናይ ወርቂ ሜዳልያ ብምርካብ ዓዱ ከምዘፀውዓ ይፍለጥ ‘ዩ።
እዚ ኣትሌት ዝተኻፈለሉ ናይ ፍርቂ መራቶን ውድድር ‘ውን ዝተለመደ ብቅዓቱ ከመስክር ክኢሉ ‘ዩ። ታምራት ርሕቀቱ ንምውዳእ ዝወሰደሉ ሰዓት ድማ 59:49 እንትኸውን፤ እዚ ድማ ናይቲ ቦታ ቁልጡፍ ሰዓት ኮይኑ ተመዝጊብሉ ‘ዩ። ኣብዚ ናይ ጉያ ፌስቲቫል ካብ ዝካየዱ ውድድራት ናይ 10 ኪሎ ሜትር ሓደ እንትኸውን፤ ኣብዙይ እውን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሙክታር እድሪስ ቀዳማይ ክኾን ክኢሉ ‘ዩ። ክልተ ግዜ ናይ ነዊሕ ርሕቀታት ናይ ዓለም ቻንፕዮና ክኸውን ዝኸኣለ ኣትሌት ታምራት፤ ኣብ ቀረባ ግዝያት ድማ ኣብ ጎዳናታት ጉያ ‘ውን እናተረኣየ ይርከብ። ኣብ ጣልያን ኣብ ዝተኻየደ ጉያ ‘ውን እቲ ርሕቀት ብ 28:47 ብዝኾነ ሰዓት ብምጉያይ ኣብ ተፎኻከርቱ ብሰፊሕ ኣፈላላይን ፀብለልታ ብምርኣይ ዕውት ከኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ኬንያዊው ኣትሌት ዌስለይ ኪሙታይ ንታምራት ተኸቲሉ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ምሓዝ ክኢሉ ‘ዩ። ጠንካራ ተፎኻኻሪ ዝነበረ እዚ ኣትሌት ብጣዕሚ ተቀራራቢ ብዝኾነ ሰዓት 1:00:45 ብምምዝጋብ ‘ዩ ውድድሩ ወዲኡ። ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኬቨን ኪቤት ድማ ሳልሳይ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያዊው ሌሊሳ ኣራርሳ ደግሞ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።
ብደቂ ኣንስትዮ ብተመሳሳሊ ውድድር ሰዓሪት ዝኾነት ኣትሌት ‘ውን ኢትዮጵያዊት ‘ያ። ብዝበለፀ ብማራቶን ውድድራት እትፍለጥ ኣትሌት ብሩክታይት ደገፋ ድማ ናይቲ ውድድር ኣሸናፊ ኮይና ኣላ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቀት ዝወድአላ ሰዓት ድማ 1:09:41 እንተኸውን፤ ብውሑድ ሰከንዳት ኣፈላላይ ካልኣይ ኮይና ዝወፀት ድማ ኬንያዊት ኣትሌት ኢሟካሌት ቼብኪሩይ እንትትኸውን ዝወሰደላ ግዜ ድማ 1:09:47 ‘ዩ። ካልእቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ደሴ ኣንችናሉ ድማ ብ1:09:58 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ኮይና ኣትያ ኣላ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝካየዱ ዓመታዊ ፍርቂ ማራቶን ጉያታት ተፈለጥቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ዝኾነ ናይ ካርዲፍ ፍርቂ ማራቶን ‘ውን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኻፈልቲ ነይሮም። ኣብ ዌልስ ዋና ከተማ ካርዲፍ ዝካየድ እዚ ውድድር ብ0223 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝተጀመረ እንትኸውን፤ ኣብዙይ ኬንያውያን ኣትሌታት ዝሐሸ ናይ ዓወት ታሪኽ አለዎም። ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ‘ውን እንተኾነ ብተመሳሳሊ ኬንያዊው ጄኦፍሪ ኮች 1:00:01 ሰዓት ብምምዝጋብ ሰዓራይ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ነቲ ኬንያዊ ብርቱዕ ፈተና እኳ እንተኾንዎ ብሰከንዳት ግዜ ብምቅዳም ናይ ቀዳምነት ቦታ ክሕዞ ክኢሉ ‘ዩ። ኣብዙይ’ውን ኣትሌት ግዜ ኣለው ኣበጀ 1:00:17 ብዝኾነ ሰዓት ብምምዝጋብ ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ፤ ጨምዴሳ ደበሌ ድማ ብወዲ ዓዱ ብሓደ ሰከንድ ተበሊፁ ሳልሳይ ደረጃ ኮይኑ ወፂኡ ኣሎ። ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ዝወፅኣ ኣትሌታት ኬንያውያን እንትኾና፤ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዘውዲቱ ኣደራውን ብርሃን ምህረቱን ሳልሳይን ሓምሻይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን ‘የን።
ኣብርሃ ሓጎስ
26 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ