ኣብ ሲድኒ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብፀብለልታ ተዓዊተን። ኣትሌት ትዕግስት ግርማ 2 ሰዓት 25 ደቒቕን 10 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳመይቲ ወፂኣ። ካሊእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተብርሃን ሃይላይ፣ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 25 ደቒቕን 45 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካልአይቲ እንትትከውን፣ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱ ድማ ሳልሰይቲ ወፂኣ። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውን ኣትሌታት ካብ 4ይ ክሳብ 6ይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ‘ውን ፀብለልታ ኣርኢየን። ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ፣ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጫሉ ዲሶ ሳልሳይ ብምውፃእ ውድድሩ ከምዝዛዘመ ካብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

12 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You