ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ን23 ተፃወቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን መዘነኣ ንእትገብሮ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ን23 ተፃወተወቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እዋን ኢንተርናሽናል ፀወታታት ፊፋ ብምጥቃም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን 13 መስከረምን 16 መስከረምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ክትገብር ‘ያ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዋና ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ን23 ተፃወትቲ ፃውዒት ምግባሮም ካብ ኢትዮ ኪክ ኦፍ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፃውዒት ዝተገበረሎም ተፃወትቲ ፅባሕ ሪፖርት ብምግባር ኣብ ሆቴል ጁፒተር ተኣኻኺቦም ልምምድ ከምዝጅምሩ ተገሊፁ። ፃውዒት ዝተገበረሎም ተፃወትቲ፣ ሓለውቲ ልዳት በረከት ኣማረ (ኢትዮጵያ ቡና) ፣ ሰኢድ ሃብታሙ (ኣዳማ ከተማ)፣ ዳንኤል ተሾመ (ድሬዳዋ ከተማ) እንትኾኑ፤ ተኸላኸልቲ ኣስራት ቱንጆ (ኢትዮጵያ ቡና) ፣ ሱሌማን ሃሚድ (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ፣ ሄኖክ ኣዱኛ (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ፣ ረመዳን የሱፍ (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ፣ ምኞት ደበበ (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ፣ ጊት ጋትኩት (ሲዳማ ቡና) ፣ ኣስቻለው ታመነ (ፋሲል ከነማ) ፣ ፍሬዘር ካሳ (ሃዲያ ሆሳእና)’ዮም፡፡

ተፃወትቲ ክፍሊ ማእኸል ድማ ጋቶች ፓኖም (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ፣ ኣማኑኤል ዮሐንስ (ኢትዮጵያ ቡና) ፣ ሽመልስ በቀለ (ኤል ጉውና/ግብፂ)፣ ሱራፌል ዳኛቸው (ፋሲል ከነማ) ፣ በዛብህ መለዮ (ፋሲል ከነማ) ፣ ታፈሰ ሰለሞን (ፋሲል ከነማ) ፣ መሱድ መሃመድ (ኣዳማ ከነማ) ፣ ከነኣን ማርክነህ (መቻል) ‘ዮም፡፡ ኣጥቃዕቲ፤በረከት ደስታ (መቻል) ፣ ዳዋ ሁቴሳ (ኣዳማ ከተማ) ፣ ይገዙ ቦጋለ (ሲዳማ ቡና) ፣ ቸርነት ጉግሳ (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ‘ዮም።

12 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You