
ኣፍሪካ ቻምፒዮን ሊግን ኮንፌደሬሽን ንፅዋዕ ናይ መጀመርያ ቅድመ መፃረይ ፀወታ ኣብ ሜደኦም ዝተፃወቱ ፋሲል ከነማን ቅዱስጊዮርጊስን ናይ ኣፍሪካ መድረኽ ጉዕዘኦም ብዓወት ጀሚሮም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ስታድየም ባህርዳር ቅድመ መፃረይ ፀወታ ዘካየዱ ፋሲል ከነማ ንክለብ ቡሩንዲ ንቡማሙሩ 3ን0 ብምሽናፍ ዓወት ኣመዝጊቦም እዮም። ኣለምብርሃን ይግዛው፣ ፍቃዱ ኣለሙ ፣ታፈሰ ሰሎሞን ፋሲል ከነማ ንዓወት ዘብፅሕ ሽቶታት ዘመዝገቡ እዮም። ናይ ፋሲል ከነማ ኣሰልጣኒ ሃይሉ ነጋሽ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ፀወታ ዝነበሮም ልዕልነት ከምዝተፀበዩዎ ከምዝኾነን ካብዚ ዝሓሸ ውፅኢት ምምዝጋብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ገሊፆም እዮም። ፋሲል ከነማ ምስ ክለብ ቡማሙሩ ንዘለዎም መልስ ፀወታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተዳለዉ ከምዝፀንሑ ኣብ ዝወፁ ሓበሬታታት ይሕብሩ። ናይቲ መልሲ ድማ ዓርቢ ከምዝካየድ ትፅቢት ይግበር።
ናይቲ መልሲ ፀወታ ዝካየድ ድማ ኣብ ታንዛንያ ኣዛም ኮምፕሌክስ ሜዳ እንትኾን እቲ መፃወቲ ሜዳ ሰብ ሰራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ። በዚ ምኽንያት ደማ ፋሲል ከነማ ናይ ታንዛንያ ክሳብ ዝኸይድ ኣብ ኣበበ በቂላ ምድላው ከምዝገብሩ ተፈሊጡ እዩ። ኣብዚ ፀወታ ብድምር ውፅኢት ዝስዕሩ እንተኾይኖም ኣብ ቀፃሊ ቱንዚያ ሴፋክሲየን ከምዝገጥሙ ኣቐዲሙ ዝወፀ መርሃ ግብር ይሕብር። በተመሳሳሊ ናይ ኣፍሪካ ቻምፒዮንስ ሊግ ናይ መጀመርያ ቅድመ መፃረይ ፀወታ ኣብ ባህርዳር ስታድየም ዝካየደ ክለብ ቅዱስ ግዮርጊስ ሓድሽ ዓመት ብዓወት ጀሚሮም እዮም። ናይ ሱዳን ሓያል ክለብ ኣል ሂላል ብቸርነት ጉግሳ ኣብ መጀመርያ ክፍለ ግዜ ፀወታ ዘቑፀረን ክልተ ሸቶታት 2ን1 ሰዓርቲ ኾይኖም እዮም።
ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣሰልጣኒ ዘሪሁን ሸንገታ ‹‹ኣብ ጀመርያ ፍረቂ ፀወታ ፅቡቕ ነይርና ኣብ ካልኣይ ፀወታ ንእሽተን ስሕተት ሰሪሕና ኢና ክልተ ንሓደ ክነሸንፍ ኽኢልና ኢና። ›› ብምባል ድሕሪ እቲ ፀወት ንሶከር ኢትዮጵያ ኣስተያየት ሂቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሽቶ ስለዝተቖፀረሎም ኣብ መልሲ ፀወታ ንከይኸብዶም ስግኣት እንተተፈጠረ እውን ናብ ቀፃሊ ዙር ንምሕላፍ ካብ ተጋጣሚኦም ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም። እቶም ኣሰልጣኒ ከምዝበልዎ ናብ ፀወታ እንኣትዩ ጋንተኦም ሽቶ ንከይቁፀረሎም ሓሲቦም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም እዮም። ኾይኑ ግና ኣብ መወዳእታ ሳዓት ብንእሽተን ናይ ምክልኻል ኣብ ዝሰርሕዎ ስሕተት ሽቶ ከታኣናግዱ ክኢሎም እዮም።
እዚ እውን ኣብ መልሲ ፀወታ ዋጋ ከኽፍሎም ከምዝኅእል ኣስተያየቶም ሂቦም እዮም። ኾይኑ ግና እዚ ስግኣት ንምቕራፍ ኣብ ስታድየም ባህርዳር ዝሓሸ ስራሕ ብምስራሕ ብድምር ውፅኢት ንምሽናፍ ከምዝዳለዉ ኣረዲኦም እዮም። ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ መልሲ ፀወተኦም መስከረም 8/2015ዓ.ም ኣብ ኣል-ሂላል ስታድየም ክገብሩ እዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 5 መስከረም 2015 ዓ.ም