
ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፈተና እንተገጠማ ‘ውን ብሓድነት ፣ብፍቕሪ ብሕብረት እንትንሰርሕ ከመይ ውፅኢታውያን ከምንኾን ጀጋኑ ኣትሌታትና ድምቐት ኢትዮጵያ ኾይኖም ዓወቶም ኣብዚ ዝዛዘምናዮ ኣብ ዘለና ዓመት ኣመስኪሮም ‘ዮም።
ብማእኸላይን ነዊሕን ርሕቐትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ ዘለዋ ተፈጥሮ ዓቕሚ ብምጥቃም ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ናይ ዘርኢ ፣ ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓፁር ብምፋራስ ኣብ ኦሪገን ባንዴራ ኢትዮጵያ ክሰቕሉ ክኢሎም ‘ዮም። ኣብ ብዙሕ ፈተና ኣትዮም ዝተኸፍእሉ ነገር ንጎኒ ብምግዳፍ ሃገሮም ቅድሚት ገይሮም ብምሕሳብ ብሄረዊ መዝሙር ዘሚሮም ፤ ክዝመር ‘ውን ገይሮም ‘ዮም።
ለተሰንት ግደይ ፣ ጎይተቶም ገብረስላሴን ጉዳፍ ፀጋይን ኣብዚ ዓመት ብዘምፀአኦ ዓወት ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ኣድናቖት ዝረኸባሉን ፣ኣብቲ ሻምፒዮና ዓለምን ውድድር ዝተርኣየ ሕብረት ስራሕ ፣ ኣብቶም ኣትሌት ዝነበረ ሕድ ሕድ ምትሕብባርን ሓድነትን ካብ ማንም ንዕሊ መሐጎሲ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ውድድር ሕድ ሕድና እንድሕር ተኸባቢርናን ካልእ ከምዘኽብረና ዘመልከተ ፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ካብ ምክፍፋል ብሓባር ድኽነት ተቃሊሱ ንምውዳቕ ዓቕሚ ከምዘለና ዘመስከረ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ።
ኣትሌታትና ብፍቕሪ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ
ብቤት ሕትመት ብርሃንን ሰላምን ተሓቲሙ
ጠጠው እንተይልና ሃገርና ኣብ መድረኽ ዓለም ምፅዋዕ ከምንኽእል ኣምሂሮምና ‘ዮም። ንሕና ጥራሕ እንተይኾነስ ንፀላኢ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዓወት ብምምፃእ ዓብይ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም። ብዓወትና ፀላኢ ኣሕፊሮም ‘ዮም። እቲ ዓብይ ዓወት ናይ ሕብረት ስራሕ ውፅኢት ከምዝነበረ ብዙሓት መስኪሮም ‘ዮም። እዚ ድማ ንመፃኢ ሓድሽ ዓመት ተስፋ ሒዙ ዝመፀ ‘ዩ ።
ካልእ ድማ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሓደሽ ዓመት ውህብቶ ዝኾነ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ናይ ፅባሕ መናእሰይ ብሩህ ተስፋ ዘርኢ ኾይኑ ሓሊፉ ‘ዩ:: ብዉሑድ ርሕቐት ተሳትፋ ኣብ መወዳእታ ዕለት እቲ ውድድር ዝተሰብሰበ ኣርባዕተ ሜዳልያታት ዓለም እንተደንቑ፣ ዓሰርተ ትሻዓንቲኦም ኣትሌታት እቶም ዓሰርተ ሸሞንተ ንሃገሮም ሜዳልያን ዲፕሎማን እንተበርክቱ ድማ ናይቲ ጋንታ ጥንካረ ዘመስከረ ‘ዩ ነይሩ::
እዚ ታሪኽ ዝሰርሐ ጉጅለ ናብ ሃገሩ እንትምለስ ቅድሚ ኸዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣቀባብላን መበረታትዕን ተገይርሉ ‘ዩ:: እዚ ድማ ቀፃሊ ወለዶ ኣብ ኣትሌቲክስ ተተካእቲ ንክኾኑ ምኽንያት ከምዝኾን ኣመልካቲ ‘ዩ:: ታሪኽን ኣብ ዘመን ውድድር ዘይተርኣየ ብዙሓት ሜዳልያታት ካብ ዘምፅኡ ካብዚ ጉጅለ ብኣብዝሓ ውፅኢት ዝተመዝገበ ፍረታት ስፖርት ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ምዃኑ ካልእ ዘደንቕ ጉዳይ ‘ዩ::
ብምዃኑ ከምዚ ዝኣመሰሉ ውድድራት ሰገናትን መናእሰይን ኣትሌታት ናብ ዝሓሸ ብቅዓት ዝመርሖም ብምዃኑ ክበረታትዕ ይግባ። ብጥሩነሽ ዲባባ ኣትሌቲክስ መሰልጠኒ ማእኸል ሰልጠንቲ 4 ወርቂ ኽልተ ሜዳልያ ብሩር ክረከቡ ኽኢሉ ‘ዩ:: እዚ ‘ውን ብኣትሌት ኣዲሱ ይሁኔ፣ መልኬነህ ኣዘዘ፣ ሳሙኤል ድጉና ፣ ሳሙኤል ፍሬው ፣ ድሪባ ግርማ ፣ መብሪሂት መኮንን ዝተረኸቡ ‘ዮም:: ብምዃኑ እቲ ኣካዳሚ ኣብ ተሳትፎ ውድድር ጥራሕ እንተይኾነስ ውፅኢት ምምፃእ ‘ውን እናሰርሐ ስለዝርከብ ዘረጋግፅ ‘ዩ ነይሩ::
እዚ ጋንታ እውን ናብ ሃገሩ እንትምለስ ቅድሚ ኸዚ ካብ ዝነበረ ዝደመቐ ኣቀባብለ ተገይርሉ ‘ዩ። ብሓፈሻ 2014 ዓ.ም ንኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ሰናይ ዘበን ነይሩ።ህዝብን መንግስትን ድማ በቲ ዓወት ተሓጉሶም።መበረታትዒ ሽልማት’ውን ሂቦም’ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ስላምና ደህንነት ስለኢትዮጵያ!!