መወዳእታ ዘይብሎም ኽብርታት ሽልማት ደራርቱ ቱሉ

ኢትዮጵያን ኢሉ ‘ውን ኣፍሪካውያን ብስፖርት ዓለም ብምፅዋዕ ጀሚራ ንሕብረተሰብ ፍቕርን ሓድነትን ንምዕባይ እትፅዕር ኮሎኔል ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ናይዚ ዓመት ናይ ኽብሪ ዶክትሬት ኣበርኪቱላ ‘ዩ:: እታ ኣትሌት ንሃገራ ዘበርከተቶን እናበርከተቶ ዘላ ግደ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር እዚ ክብርን ኣፍልጦን እንትህባ ናይ መጀመርያኣ ኣይኮነን:: ቅድሚ ኸዚ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብተመሳሳሊ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ኣበርኪትላ ‘ዩ:: ኣትሌት ኮማደር ደራርቱ ቱሉ ኣብ ኣትሌቲክስ ህይወታ ንዘበርከተቶ ግደ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸ ሽልማት ‘ውን ረኺባ ‘ያ::

ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዌስተርን ኬፕታውን ዩኒቨርሲቲ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2015 ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከምዝረኸበት ‘ውን ዝዝከር ‘ዩ:: ኣብ ጣልያን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ሽልማት ናይ ህይወት ዘመን ጭዋነት ስፖርት ዘፈር ተሸላሚት ዝኾነት ደራርቱ ፣ ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ብዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ተዓዋቲት ብምዃን ናይ መጀመርያ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍሪካዊት ኣትሌት ብምዃና ብዙሓት ናይ ክብሪ ሽልማት በቢእዋኑ ክትረከብ ክኢላ ‘ያ:: ኣብ ኣዳማ ዝርከብ ዋና ጎዳና ዝርከብ ዓብይ ኣደባባይ ብኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ተሰይሙ ‘ዩ::

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ከባቢ ኣያት ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ቐረባ ብሽማ ተሰይሙ ‘ዩ:: ብሽም ህዝቢ ኢትዮጵያ 350 ግራም ናይ ወርቂ ኒሻን ከምኡ ‘ውን 2021 ሞዴል ሌክሰስ ቪ 8መኪና ካብ ክልል ኦሮምያ ከምዝተበርከተላ እውን ዝዝከር ‘ዩ:: ደራርቱ ኣብ ዘመን ውድድራ ብሓፈሻ ልዕሊ 13 ወርቂ ፣ 2ብርታት፣ሜዳልያ ንሓስን 3ዲፕሎማን ንሃገራ ኢትዮጵያ ኣበርኪታ ‘ያ:: ኮማንደር ደራርቱ ብምስዓብ ብ10ሽሕን 5ሽሕን ሜትሮ ርሕቐት ውፅኢት ካብ ዘመዝገቡ ኣትሌታት ጌጤ ዋሚ፣ ጥሩነሽ ዲባባን መሰረት ደፋርን ተጠቐስቲ ‘የን::ኸዚ ደራርቱ ኣብ ኣዲስ ኣባባን ኣዳማን ብሆቴልን ናይ ንግዲ ህንፃ ህንፀት እናሰርሐት ትርከብ:: እታ ኣትሌት ክትዛረብ ከላ ‹‹ብኣትሌቲክስ ብዘፍረኸዎ ገንዘብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰራሕኹ ‘የ፣ ባዕለይን ቤተሰበይን ካብ ምርዳእ ብዝዘለለ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ንዕብየት ሃገር ብፅሒተይ እናበርከትኩ ‘የ›› ብምባል ትዛረብ::

ኣትሌት ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ኣብዚ ኸዚ ኣባል ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ኮንፌዴሬሽን ቤት ምኽሪ ፣ ምኽትል ፕሬዝደንት ዞባ ምስራቕ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ኸይና እናገልገለት ትርከብ:: ፕሬዝደንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኾይና ኣብ ምስራሕ እትርከብ ኣትሌት ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣባል ‘ውን ‘ያ:: ደራርቱ ኣብ ዘመን ውድድራ ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ደፊኦም ዘይወፁ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር ፈንቂላ ብምውፅእ ድሕሪኣ ንዝመፃ ኢትጵያውያን ኣትሌታት በሪ ኸፊታ ‘ያ::፡ ካብ ኣትሌትነት ናብ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ፕሬዝዳነት እንትትመፅእ ኢትዮጵያ ብኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና ታሪኽ 4ወርቂ ሓዊሱ 10 ጠቕላላ ሜዳልያ ኢትዮጵያ ስኬታማ ንክትኾን ግቡኣ ተፃወታ ‘ያ::

ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ብ1984ዓ.ም ኣብ ስፔን ባርሴሎና ተዳልዩ ዝነበረ ኦሎምፒክ ብ10ሽሕ ሜትሮ ተዓዊታ ናብ ሃገራ እንትትምለስ ናይ ሻለቃነት ማዕርግ ረኺባ ‘ያ:: ደራርቱ ብዛዕባ ባርሴሎና ኦሎምፒክ እንትዛረብ ‹‹ናይ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ኣንፈት ህይወተይ ዝቐየረ ‘ዩ ነይሩ :: ካብ ሓለቃ ዓሰርተነት ናብ ሻለቃነት ብርኪ ዝዓበኽሉ ‘ዩ፣ ደመወዘይ ካብ 200ቅርሺ ናብ 600 ቅርሺ ዝዓበየ፣ ተፈላጢት ‘ውን ኾይነ›› ክትብል እቲ ዓወት ዘምፀአላ በረከት ትዛረብ:: ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ዝረኸበቶ ሜዳልያ ወርቂ ንዓኣን ንሃገራን ጥራሕ እንተይኾነስ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዓወት ‘ዩ ነይሩ:: ድሕሪ እዚ ብናታ ዓወት መንፈስ ዝተጉዓዛ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተራየን ‘የን:: ብተወሳኺ ‘ውን ደራርቱ ብ37 ዓመታ ማራቶን ኒውዮርክ ምስዓር ዝካኣለት ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ‘ያ::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም 

Recommended For You