
ኢትዮጵያን ኢሉ ‘ውን ኣፍሪካውያን ብስፖርት ዓለም ብምፅዋዕ ጀሚራ ንሕብረተሰብ ፍቕርን ሓድነትን ንምዕባይ እትፅዕር ኮሎኔል ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ናይዚ ዓመት ናይ ኽብሪ ዶክትሬት ኣበርኪቱላ ‘ዩ:: እታ ኣትሌት ንሃገራ ዘበርከተቶን እናበርከተቶ ዘላ ግደ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር እዚ ክብርን ኣፍልጦን እንትህባ ናይ መጀመርያኣ ኣይኮነን:: ቅድሚ ኸዚ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብተመሳሳሊ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ኣበርኪትላ ‘ዩ:: ኣትሌት ኮማደር ደራርቱ ቱሉ ኣብ ኣትሌቲክስ ህይወታ ንዘበርከተቶ ግደ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸ ሽልማት ‘ውን ረኺባ ‘ያ::
ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዌስተርን ኬፕታውን ዩኒቨርሲቲ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2015 ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከምዝረኸበት ‘ውን ዝዝከር ‘ዩ:: ኣብ ጣልያን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ሽልማት ናይ ህይወት ዘመን ጭዋነት ስፖርት ዘፈር ተሸላሚት ዝኾነት ደራርቱ ፣ ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ብዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ተዓዋቲት ብምዃን ናይ መጀመርያ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍሪካዊት ኣትሌት ብምዃና ብዙሓት ናይ ክብሪ ሽልማት በቢእዋኑ ክትረከብ ክኢላ ‘ያ:: ኣብ ኣዳማ ዝርከብ ዋና ጎዳና ዝርከብ ዓብይ ኣደባባይ ብኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ተሰይሙ ‘ዩ::
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ከባቢ ኣያት ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ቐረባ ብሽማ ተሰይሙ ‘ዩ:: ብሽም ህዝቢ ኢትዮጵያ 350 ግራም ናይ ወርቂ ኒሻን ከምኡ ‘ውን 2021 ሞዴል ሌክሰስ ቪ 8መኪና ካብ ክልል ኦሮምያ ከምዝተበርከተላ እውን ዝዝከር ‘ዩ:: ደራርቱ ኣብ ዘመን ውድድራ ብሓፈሻ ልዕሊ 13 ወርቂ ፣ 2ብርታት፣ሜዳልያ ንሓስን 3ዲፕሎማን ንሃገራ ኢትዮጵያ ኣበርኪታ ‘ያ:: ኮማንደር ደራርቱ ብምስዓብ ብ10ሽሕን 5ሽሕን ሜትሮ ርሕቐት ውፅኢት ካብ ዘመዝገቡ ኣትሌታት ጌጤ ዋሚ፣ ጥሩነሽ ዲባባን መሰረት ደፋርን ተጠቐስቲ ‘የን::ኸዚ ደራርቱ ኣብ ኣዲስ ኣባባን ኣዳማን ብሆቴልን ናይ ንግዲ ህንፃ ህንፀት እናሰርሐት ትርከብ:: እታ ኣትሌት ክትዛረብ ከላ ‹‹ብኣትሌቲክስ ብዘፍረኸዎ ገንዘብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰራሕኹ ‘የ፣ ባዕለይን ቤተሰበይን ካብ ምርዳእ ብዝዘለለ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ንዕብየት ሃገር ብፅሒተይ እናበርከትኩ ‘የ›› ብምባል ትዛረብ::
ኣትሌት ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ኣብዚ ኸዚ ኣባል ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ኮንፌዴሬሽን ቤት ምኽሪ ፣ ምኽትል ፕሬዝደንት ዞባ ምስራቕ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ኸይና እናገልገለት ትርከብ:: ፕሬዝደንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኾይና ኣብ ምስራሕ እትርከብ ኣትሌት ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣባል ‘ውን ‘ያ:: ደራርቱ ኣብ ዘመን ውድድራ ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ደፊኦም ዘይወፁ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር ፈንቂላ ብምውፅእ ድሕሪኣ ንዝመፃ ኢትጵያውያን ኣትሌታት በሪ ኸፊታ ‘ያ::፡ ካብ ኣትሌትነት ናብ ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ፕሬዝዳነት እንትትመፅእ ኢትዮጵያ ብኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና ታሪኽ 4ወርቂ ሓዊሱ 10 ጠቕላላ ሜዳልያ ኢትዮጵያ ስኬታማ ንክትኾን ግቡኣ ተፃወታ ‘ያ::
ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ብ1984ዓ.ም ኣብ ስፔን ባርሴሎና ተዳልዩ ዝነበረ ኦሎምፒክ ብ10ሽሕ ሜትሮ ተዓዊታ ናብ ሃገራ እንትትምለስ ናይ ሻለቃነት ማዕርግ ረኺባ ‘ያ:: ደራርቱ ብዛዕባ ባርሴሎና ኦሎምፒክ እንትዛረብ ‹‹ናይ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ኣንፈት ህይወተይ ዝቐየረ ‘ዩ ነይሩ :: ካብ ሓለቃ ዓሰርተነት ናብ ሻለቃነት ብርኪ ዝዓበኽሉ ‘ዩ፣ ደመወዘይ ካብ 200ቅርሺ ናብ 600 ቅርሺ ዝዓበየ፣ ተፈላጢት ‘ውን ኾይነ›› ክትብል እቲ ዓወት ዘምፀአላ በረከት ትዛረብ:: ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ዝረኸበቶ ሜዳልያ ወርቂ ንዓኣን ንሃገራን ጥራሕ እንተይኾነስ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዓወት ‘ዩ ነይሩ:: ድሕሪ እዚ ብናታ ዓወት መንፈስ ዝተጉዓዛ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተራየን ‘የን:: ብተወሳኺ ‘ውን ደራርቱ ብ37 ዓመታ ማራቶን ኒውዮርክ ምስዓር ዝካኣለት ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ‘ያ::
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም