ኣትሌት ሰይፉ ቱራ ኣብ ችካጎ ማራቶን ከምዝዕወት ትፅቢት ይግበር

ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ናይ ፕላቲንየም ደረጃ ዝተውሃቦም ዉሑዳት ናይ ጎደናታት ጉያ እቲ ሓደ ዝኾነ ችካጎ ማራቶን ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መጀመርያ ክካየድ ‘ዩ። ታሪኻዊ ዝኾነ በዚ ውድድር ከም ቅድሚ ኸዚ ብዙሓት ዝፍለጡ ኣትሌታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይቲ ውድድር ሰዓርቲ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ተረጋጊፁ ‘ዩ። ካብዚኦም መንጎ ኢትጵያወያን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣትሌታት በዚ ውድድር ከምዝተለመደ ሰዓራቲ ክኾኑ ‘ዮም ተባሂሉ ግምት ተዋሂብዎም ‘ዩ።

ብደቂ ተባዕትዮ ኢትጵያውያን ኣትሌታት ካብ ዉሑዳት ተፎኻኻሪኦም ብዝሓለፈ ነኒባዕሎም ንሰዓርነት ዝገብርዎ ንሕንሕ ትፅቢት እናተገበረሉ ‘ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ተሳታፊነቶም ዘረጋገፁ ፍሉጣት ኣትሌታት ብዘለዎም ፈጣን ሰዓት ብቀዳምነት ዝተቐመጡ ኢትጵያውያን ኣትሌታት ስለዝኾኑ ‘ዩ።ካብ ኣትሌታት ብውልቀ ፈጣን ሰዓት መበል ሳልሳይ ዝተቐመጠ ሰይፉ ቱራ ሰዓራይ ክኸውን ‘ዩ ዝብል ብዝተፈለለየ ግምት ተዋሂብዎ ‘ዩ። እዚ ድማ እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ችካጎ ማራቶን ሰዓራይ ብምዃኑ ‘ዩ።

ብብርኪ ዓለም ለኸ ስግኣት ወድሰብ ዝኾነ ኮቪድ 19ን ንኽልተ ዓመታት ተቋሪፁ ዝነበረ እንትኸውን ኣብ መበል 34 ቺካጎ ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዛዛመ ብኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰዓርነት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ኣትሌት በዚ ውድድር ንካልኣይ እዋን ምስታፉ ንካልኣይ እዋን ሰዓራይ ክኾን ከምዝኽእል ትፅቢት ተገይርሉ ‘ዩ። እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ናይ ውድድር ዓመት ኣብ ዝተኻፈለሉ ማራቶን ሚላኖ ራብዓይ ብርኪ ዝሓዘ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ እዋን ዘመዝገቦ ሰዓት ግን እቲ ኣትሌት ማራቶን ምጉያይ ካብ ዝጀመረሉ ጀሚሩ ፈጣን ብዝባሃል ተመዝጊብሉ ‘ዩ። ስለዚ ኣትሌት ልምዲ ተጠቂሙ ናብ ሰዓርነት ዕድሉ ሰፊሕ ከምዝኾን እናተዘረበሉ ‘ዩ።

ካልኣይ ናይቲ ውድድር ሰዓርን ጠንካራ ተፎኻኻርን ከምዝኾን ዝተገመተ ኣትሌት ድማ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ‘ዩ። እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሮተርዳም ማራቶን ዝዛዘመሉ ሰዓት ብሉፅ ሰዓት ተባሂሉ ተመዝጊብሉ ‘ዩ።

ኢትጵያውያን ኣትሌታት ተፎኻኸርትን ፈተናን ከምዝኾኑ ትፅቢት ዝግበረሉም ዩጋንዳዊው ኣትሌት ስቴፈን ኪሳ ‘ዩ። ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 10ሽሕ ሜትር ሃገሩ ዝወከለ እቲ ኣትሌት ብማራቶን ‘ውን ተሳታፊ ‘ዩ። እቲ ኣትሌት ብሃምቡርግ ፣ ለንደንን ቶሮንቶን ማራቶን ልምድ ዘለዎ እንትኾን ንሰዓርነት ኣብ ዝግበር ፉኽክር ኢትጵያውያን ኣትሌታት ዋና ፈተና ከምዝኾን ትፅቢት ይግበር።

ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ውድድር ብተመሳሳሊ ዓሚ ሰዓራይ ዝነበረት ኬንያዊት ኣትሌት ሩት ቼፕንጌቲች ንካልኣይ እዋን ተሳታፊት ከምትኾን ኣወዳዳርቲ ኣፍሊጦም ‘ዮም። እታ ኣትሌት ናይ 2019 ቻምፒዮና ዓለም በዚ ዓመት ኣብ ዝተኻፈለትሉ ማራቶን ዱባይ ሰዓሪት ዝኾነትሉ ፈጣን ዝባሃል ሰዓት ተዳሒዙላ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቺካጎ ማራቶን ቀዳመይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ። ኾይኑ ግና ኢትዮጵያ ቻምፒዮና ኣብ ዝኾነትሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ኦሪጎን ኣትሌቲክስ ዓለም ቻምፒዮና እቲ ውድድር ንምቁራፅ ተገዲዳ ‘ያ። እዚ ድማ እታ ኣትሌት ክትስዕር ‘ያ ዝብል ግምት ናብ ጥርጣረ ቀይርዎ ‘ዩ።

ብወገን ኢትዮጵያ ብሕታዊት ተሳታፊት ከምትኸውን ዝተፈለጠት ኣትሌት ሄቨን ሃይሉ ‘ያ። አታ መንእሰይ ኣትሌት ኣብ 2012 ኣምስተርዳም ማራቶን ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ናይ ውልቀኣ ፈጣን ሰዓት ኣመዝጊባ ‘ያ። ናይዚ ዓመት ሮተርዳም ማራቶን ተዓዋቲት ዝኾነት ኣትሌት ሄቨን ኣብዚ ሐዚ ዘላቶ ፅቡቕ ቅዋም ናይቲ ውድድር ሰዓሪት ክትኾን ከምትኽእል ትፅቢት ይግበር።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

Recommended For You