‹‹ ኣሜሪካ ሓዊሱ ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝገብርኦ ፈተነ ዝገርም ኣይኮነን ›› ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣሜሪካ ሓዊሱ ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝገብርኦ ፈተነ ኹሉ ግዘ ዝገብርኦ ስለ ዝኾነ ምግራም ከምዘይግባእ ኣቦ መንበር ፓርቲ ትግራይ ዲሞክራቲክን ዋና ዳይሬክተር መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ግድብ ህዳሰን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ተዛሪቦም። ዶክተር ኣረጋዊ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝበልዎ፤ኣሜሪካ ሓዊሱ ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝገብርዎ ፈተነ ልሙድን ኹሉ ግዘ ዝገብርዎ እንተኾነ ‘ውን፤ሐዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ፅዕንቶ ፍልይ ዘብሎ ኢትዮጵያ ብዝተኽኣለ መጠን ፍትሓዊ ዝኾነ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እናሰርሐት ኣብ ዘለትሉ እዋን ብምዃኑ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናገበሮ ዘሎ ኲናት ዘይኮነስ ሕጊ ናይ ምኽባርን፤ጥፍኣተኛታት (ገበነኛታት) ሃዲኑ ናብ ፍትሒ ናይ ምቕራብ ስራሕ እናሰርሐ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ኾይኑ ግና እዛ ሃገር ናብ ድሕሪት ንምጉታት ዘይግብኡ ውሳነታት ዘመሓላልፉ ሓያላት ሃገራት ህዝብን መንግስትን ተሓባቢሩ ከም ዝስዕሮም ጠቍሞም። ሴኔት ኣሜሪካ ዘመሓላለፎ ውሳነ ዕላምኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር እዩ፤እዚ ድማ ጉጅለ ጁንታ ዝድግፍ ውሳነ ካብ ምዃኑ ንዓቐብ ንኻልኦት ተፃባእቲ ጎራብቲ ሃገራት ንምሕጓስ ወይ ድማ ተጠቀምቲ ንምግባር ዝዓለመ ብምዃኑ ናብ ዝኾነ ኣየብፅሕን፤ምኽንያቱ ናታቶም ፅዕንቶ ምናልባት ምስ ዝህቡና ልቓሕን ረድኤትን ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል፤ይኹን ‘ምበር እቲ ህዝቢ ዝጀመሮ ህንፀት ልምዓትን ዲሞክራስን ንቕድሚት ዘኺደና ብምዃኑ ክንድቲ ዘሕስብ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ብፍላይ ህዝብን መንግስትን፤ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝጀመሮ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተጠቃሲ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤እዚ ግድብ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ሰሪሕኻ ምዝዛም ናታቶም ዋጋ ፅዕንቶ ዘስእኖ እዩ፤ብምዃኑ ድማ ንቐፃሊ’ውን ሓድነትና ኣጠናኺርና ብፍላይ ህንፀት ግድብና ኣብ ጫፍ እንተብፂሕና ዝኾነ ዓይነት ፀላኢ ንዓና ከንበርክኽ ኣይኽእልን ኢሎም። በዚ ድማ ሃገርና ልዕል ክትብልን ኽሳድና ኣቕኒዕና፤ምስኣቶም ማዕረ ክንኸውን ዝገብረና ስራሕ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣጠናኺርና ምቕፃል እንተኽኢልና ናይዞም ኣካላት ፅዕንቶ ውፅኢት ኣልቦ ከምዝኸውን ጠቍሞም።

እዞም ምዕራባውያን ብተደጋጋሚ ተዛተዩ ክብሉ ፀኒሖም፤ሐዚ ድማ ኲናት ኣብ ዘይብሉን ኸይዲ ምኽባር ሕጊ ከምዝኾነ እናፈለጡ ተኹሲ ጠጠው ኣብሉ ምባሎም፤ ኻሊእ ዘይኮነ እቶም ናይ ቕድሚ ሐዚ ተለኣአኽቶም ኣባላት ጁንታ ናብ ስልጣን ንምምላስን ራእዮም ንምስኻዕን ዝኸድዎ መገዲ ከምዝኾነ ዶክተር ኣረጋዊ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ ዶክተር ኣረጋዊ፣ እሳቶም ዝሕለቑሎም ህወሓት ምስ ማንም ኣይንደራደርን ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ መከላኸሊ ጥቕዓት ፈፂሞም፤ሕገ መንግስቲ ብዝጠሓሰ መልክዑ ብናይ ባዕሎም መገዲ እናተጉዓዙ ነይሮም፤ሐዚ ከም ዕላማ ሒዞም ዝንቀሳቐሱሉ ዘለዉ ትግራይ ንምግንፃል እዩ፤እዚ ኣብ ዝኾነሉ ኹነታት ብራዕዲ ንዝተመዝገበ ጉጅለ እሳቶም ተደራደሩ እናበሉ ዝሞተ ነገር ምልዓሎም ብጣዕሚ ዘሕዝንን ተቐባልነት ዘይብሉን ቀልዲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ድሌት ናይዞም ምዕራባውያን ብምኽንያት ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ዘሕድርዎ ፅዕንቶ መንግስቲ ብምድኻም ንዓኣቶም ናብ ስልጣን መሊስኻ ንምምፃእ እዩ፤ይኹን ‘ምበር ሐዚ ብዘሎ ኹነታት ምስ ጉጅለ ራዕዲ ዝደራደር ህዝቢ ይኹን መንግስቲ ኣይህልውን ኢሎም። መንግስቲ ቕድም ክብል’ውን ጥንክር ዝበለ ስጉምቲ ምውሳድ እናተገበኦ ብዘይ ምውሳዱ እዩ እዚ ኹሉ ፀገም ዝመፀ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ ሐዚ’ውን ጥንክር ዝበለ ቕዋም ሒዙ፣ ህዝቢ ኣተኣኻኺቡ ንቕድሚት ክደፍእ ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You