ንኽስርሑ ዝፀደቑን ዝተጀመሩ ንምውዳእን ዝተተሓዙ ፕሮጀክትታት ከባቢ 1 ነጥቢ 5 ትሪልዮን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡– ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ፕሮጀክትታት ንምስራሕን ዝተጀመሩ ንምውዳእን ከባቢ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪልዮን ብር ከምዘድሊ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቂቕ በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ዘትዩ። ንውፅኢታውነት ድማ ኣታዊ ምእካብ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነን መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዘሎን እቶም ሚኒስትር ኣረዲኦም።

ኣብታ ሃገር ሕቶታት ልምዓት መንገዲ ብዙሓት ስለዝኾኑ ኩሎም ሕቶታት ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ካብ ምጅማር ዝተጀመሩ ንምዝዛም ትኹረት ከምዝግበር ተዛሪቦም። ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሃገራዊ ትልምታት ልምዓት ንምዕዋት ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ምዕባይን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጥንኻርን ወሳኒ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ከምዝኾነ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር፣ካብ ስሩዕን ካፒታልን በጀት፣ንምእካብ ካብ ዝተተለመ ኣታዊ፣ንዝተፈላለዩ ትካላትን ንመሰረተ ልምዓትን ዝተመደበ በጀት ከምኡ እውን ምስ ድጎማ በጀት ክልላት ብዝተኣሳሰረ እቲ ረቂቕ በጀት ዝሃቦ ትኹረት ኣመልኪቶም ሕቶ ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን፤ ንበጀት ዓመት 2018 ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምምሕያሽ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም። ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 ድጎማ መዳበሪያን ነዳድን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ማሕበራዊ ድጎማን ክፍሊታት ዕዳን ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ስሩዕ በጀት ከምዝሓዙ ገሊፆም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You