253 ዓይነታት መድሓኒት ብነፃ ይወሃቡ ኣሎ

ዜና ጠዓሞት

253 ዓይነታት መድሓኒት ብነፃ ይወሃቡ ኣሎ

ኣብ ኢትዮጵያ 253 ዓይነታት መድሓኒት ንሕብረተሰብ ብነፃ ከምዝወሃቡ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ቐረብ መድሓኒት ኢትዮጵያ ኣብዱልቃድር ገልገሎ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ነዚ ዝበሉ ኣብ ሃገር ለኸ መድረኽ ጎስጓስ ስርዓት ኣተገባብራ ድልየትን ቐረብን መድሓኒት እንትኾን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቐረብን ድልየትን መድሓኒት ንምምጥጣን ናይ በጀት፣ ክፍተት ቴክኖሎጂ፣ ትካላት ሕክምና ድልየቶም ብትኽክል ዘይምፍላጥ፣ ናይ ፖሊሲን ኻልኦትን ፀገማት ምህላዎም ተዛሪቦም።

ልዕሊ 60 ሚሊዮን ዝኾኑ ሕብረተሰባት ተጠቀምቲ መድሕን ጥዕና ንክኾኑ ከምዝተገበረ ኣልዒሎም፤ ቐረብን ድልየትን ኣብ ምምጥጣን ብትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

 

ልዕሊ 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፅዕነት ኣታዊን ወፃኢን ተጎዓዒዙ

ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ እቲ ባጀት ዓመት ልዕሊ 15 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፅዕነት ኣታዊን ወፃኢን ተጎዓዒዙ ኢሉ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክሰን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ ናይቲ ትካል ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደበት 11 ኣዋርሕ 2017 ዓ.ም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተቕርቡ፣ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝተጎዓዓዘ ተዛሪቦም።

በቢዓመቱ እናተገበረ ዝመፅአ ቀረብ ዘበናዊ ድኽዒ ኣብ እዋኑ ንምጉዕዓዝ ልዑል ርብርብ ከምዝተገበረ ‘ውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ፈሳሲ ፍሪያታት ምጉዕዓዞም ብምግላፅ፥ እቲ ኣፈፃፅማ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 96 ሚኢታዊት ዝሽፍን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

 

ኣብ ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንሰላም ዝድግፍን ንፅንፈኛታት ዝኹንንን ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንፃዕሪ ሰላምን ልምዓትን መንግስቲ ብመድጋፍ ን ብምንኣድን ዝጎልበተ ደገፍን ሓገዘን ክንገብር ኢና ብምባል ተሳተፍቲ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ሓደ ከባበታት ጉጅለ ፅንፈኛ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍሞ ዘሎ መቐተልቲ ፣ምዕጋትን ዘረፋን ንኩንን ብምባል ኣብ እቲ ሰልፊ ኣቓሊሖም ።

“ሰላም ንደሊ ኢና፣ መንግስቲ ሕጊ ብምኸባር ገበነኛታት ንፍርዲ የቐርበልና፣ ሃርበኝነት ልምዓት ንደቅና ክነውርስ ኢና፣ ሰላም ሃፍቲ ሃገር እዩ፣ ሰላም ንኹሉ ኹሉ ንሰላም” ዝብሉን ካልዖት መልክትታት ኣማሓለሊፎም ።

 

ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም

ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ሰላምን ብሓድነት ምንባርን ንክጠናኸር ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስ ኣፍሊጦም።

ሚኒስቴር ሰላም”ማሕበራዊ ሃፍትታትና ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ኣባላትን ኣመራርሓን ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣መራሕቲ ዓሌታትን ትካላት ሰላምን እንትካየድ፣ ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሃገር ቦቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ዘይትካእ እጃም ኣለዎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈቶም ታሪኽ ፖለቲካ ብዝተፈጠሩ ፈተናታት ንዝፍጠሩ ፀገማት ፀጥታ ምላሽ ንምሃብ ስራሕቲ ኣማራፂ ሰላም ምስፍሕፋሕን ምኽባር ሕግን እናሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ‘ውን ብዝተሰሓሓተ ስልሒት ዕጥቂ ዘልዓሉ ኣካላት መንግስቲ ዝፈጠሮ ኣማራፂ ሰላም ንክቕበሉ ኣብ ምግባር ናይ ምርድዳእ እጃሞም እናተዋፅኡ ‘ዮም ዝርከቡ ኢሎም።

 

7 ሽሕን 500 ሕሙማት ልቢ ተራ ይፅበዩ ኣለዉ

ማእኸል መሐገዚ ሕሙማት ልቢ ህፃናት ኢትዮጵያ 7 ሽሕን 500 ሕሙማት ልቢ ተራ እናተፀበዩ ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ዶክተር ኤልኤዘር ሃይሌ ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ማእኸል መሐገዚ ሕሙማት ልቢ ህፃናት ኢትዮጵያ 7 ሽሕን 500 ሕሙማት ልቢ ተራ እናተፀበዩ ይርከቡ።

ካብ ውሽጢ እቶም ተራ እናተፀበዩ ዝርከቡ እቶም ልዕሊ 2 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ዝውለዱ ጀሚሩ ብዝፍጠር ሕማም ልቢ ዝተጠቕዑ ህፃናት ምዃኖም ኣመላኺቶም።

ሕሙማት ልቢ ንምሕጋዝ ነቲ ማእኸል ዝብርከቱ እታዎታት ልዑል ግደ ከምዝፃወቱ ገሊፆም፤ ነቲ ማእኸል ኣድለይቲ ዝኾኑ እታዎታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ምዃኖም ሓቢሮም።

 

ኢትዮጵያ ኣብ ኒውክለር ሳይነስ ኢንቨስት ትገብር ኣላ

ኢትዮጵያ ኣብ ኒውክለር ሳይነስ ኢንቨስት ትገብር ኣላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ኤጄንሲ ኣቶሚክ ሓይሊ “ተስፋ ሕክምና ጨረር” ብዝብል ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምይይጥ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኒውክለር ሳይነስ ሕማማት ንምሕካም ጥራሕ ዘይኾነስ ሕማማት ቕድሚ ምፍጣሮም ኣቐዲምካ ብምክልኻል ህይወት ብዙሓት ንምድሓን ‘ውን ‘ዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣባል ዓለም ለኸ ኤጄንሲ ኣቶሚክ ሓይሊ ዝኾነት ብቐዳምነት ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያዊ ኸምዚኦም ዓይነት ዓለም ለኻዊ ምትሕብባራት ንሓባራዊ ፀገማት ሓባራዊ መፍትሒ ከምዘርክቡ እምነት ኣለዋ። ነዚ ‘ውን ቑርፀኛን ተሓባባሪትን ምዃና ገሊፆም።

ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You