‹‹ኢዶእ …ንዓረር ኣይተፈጠርናን…››

ኪነጥበብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገር ብኣወንታ ወይ ከዓ ብኣሉታ ህዝቢ ንክነቕሕ ኣብ ምግባር ዓብይ ግደ ኣለዎ፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰብ ሙያ ጥበብ ብደርፊ፣ብግጥሚ፣ብተዋስኦ…ኣቢሎም ኣብ ህዝቢ ዘሎ ስምዒትን ሓሳብን ብጥበብ ከሽኖም የቕርቡ ነይሮም፡፡ ንኣብነት ከየንቲ ነብሲሄር ኪሮስ አለማየሁን ሓጎስ ገብረሂወትን ምጥቃስ ይከኣል፡፡ ኪሮስ አለማየሁ ኣብ እዋን ደርጊ ፣ሓጎስ ገብረሂወት ድማ ኣብ ዘመነ ስርዓት ህወሓት ‹‹ኢዶእ›› ትብል ደርፊ ብምድራፍ ተመሳሳሊ ተግባር ፈፂሞም’ዮም፡፡ብኪነጥበብ ኣቢሎም ስምዒት፣ድሌትን ሓሳብን ህዝቢ ገሊፆም’ዮም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናይ ሓጎስ ገብረሂወት መበገሲ ገይሩ ‹‹ኢዶእ››በዝብል ርእሲ ሓዱሽ ደርፊ ዘውፅአ ከያናይ ጎይተኦም ሃይለማርያም ተጠቃሳይ ዩ፡፡ እዚ ደራፋይ ግጥሙን ዜማኡን ብምስሊ ኣዋሂዱ ስምዒት ተንካፋይ ደርፊ ዝደረፈ እንትኾን እተን ግጥምታቱ ከምዝስዕብ ክንርአን ኢና፡፡ ‹‹ኢዶእ›› ብ6፡44 ደቃይቅ ምስ ምስሊ ተወሃሂዱ ዝተሰርሐ እንትኾን መልእኽቲ ግጥምታቱ ኣዚዮም ረዘንቲ’ዮም፡፡መልእኽቱ ድማ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይኮነን ከቢድ ፀገም የእትዎ ምህላውን ህዝብ ድማ ንዚ ፈሊጡ፤ትግራይ ሰብ ከምዘለዋ ሓሲቡ ከወግዶም ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ዜማ’ዩ፡፡ ከያናይ ጎይትኦም ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ከምዝደንፆዎን ዝርእዮን ዝሰምዖን ዘሎ’ወን ‹‹ብሕልመይ ድዩ››ኢሉ ንከሓስብ ከምዝገበሮ ይገልፅ፡፡ብዜማኡ ድማ፡-

ኢዶእ፣

ኣታ ኢዶእ፣

እንታይ ኣርኣኻኒ ዓይነይ፣

አረ እንታይ ኣስማዕኻኒ እዝነይ፣

ብሕልመይ ድየ ብውነይ ፡፡ ክብል ገሊፅዎ ኣሎ፡፡

ጎይትኦም ሐዚ ኣብ ትግራይ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ሓይሊ ንባዕሉን ንህዝብን ሕማም ርእሲ ከምዝኾነ ዝገለፀ እንትኾን ከምዚ ክብል ድማ ይገልፆ፡፡ ንጉሰየ ንጉሰይ ሕማም ርእሰይ ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኩሉ ብሒቱ ስለዝሓዘ፤ኩነ ነገር ንሱ ዝገብሮ ትኽክል፤ካሊእ ዝሰርሖ ድማ ጌጋ እንዳበለ ዘይሽሙ ሽም እንዳሃበ ከም ተኻራያይ ገዛ ከምዝቖፀሮ’ውን ከምዚ ክብል ገሊፅዎ ኣሎ፡፡

ገበርዋ ዛሪምና ንሶም ዋና፣ ተኻረይቲ ንሕና ፡፡

**** ሪምና ሕልፊ ከምዛእትብፀሖም፣

ንሶም ዋና ተኻረይቲ ንሕና፡፡

 ሰብና ኣጉዲሎም ሰቦም ኣራቢሖም፣

ንሶም ዋና ተኻረይቲ ንሕና፡፡

ቓንዛ ሓፋሽ ከይሰምዖ ኩሉ፣

 ንሶም ዋና ተኻረይቲ ንሕና፡፡

ድምፂ ጓይላ ፈልዮም ዓው ዘብሉ፣

ንሶም ዋና ተኻረይቲ ንሕና፡፡

እናበለ መሰል ህዝቢ ከምዘይኽበርን ሓዳጊ ፈጣሪ እቲ ብንጉስ ዝመሰሎ መሪሕነት ጉጅለ ህወሓት ምዃኑን እቲ ኻሊእ ድማ ከም ተኻራያይ ገዛ መሲሉ ኣቕሪብዎ ኣሎ፡፡ እዚ ሓይሊ መሰል ህዝቢ ካብ ዘይምኽባር ንላዕሊ፣ከም ተኻራያይ ገዛ ካብ ምቑፃር ሓሊፉ ህዝቢ ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ኹናት ምህላውን እሞ ድማ ረብሓ ከምዘይረኸበ፤የግዳእ ንሶም ሰዓብቶምን ኣብ ማቻ ይነብሩ ምህላዎም፤ስለዚ ድማ እዞም ሰባት መሊኦም ካብ እንግድዓ ህዝቢ ተዘይወርዶም ራህዋን ቅሳነትን ከምዘይህሊ፤ህዝቢ ድማ ክንቅሕ ከምዘለዎ የተሓሳስብ-ከያናይ ጎይተኦም ሃይለማርያም፡፡ከምዚ ድማ ይብል፡-

እትነቕሕ ንቓሕ ኣይትዓሹ ግደፍ ኣይትዓሹ፣

ኣንታ ሕልፈት የለን እዚኦም ከይገሹ፣

ጠቕሊሎም ከይገሹ …

****

ደም መንእሰይ ትቕልድሉ ከም ማይ፣

ልክዕ ከም ሩባ ማይ ፣

ክንደይ ኣጥፊእኹም ስዮማይ፡፡ እናበለ ግጥምታቱ ብዜማን ምስልን ኣዋሒዱ ብሓይሊ ጥበብ ይገልፆም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ተደጋጋሚ ኹናት ምሕላፉን ከቢድ መስዋእትን እናኸፈለ ምህለው ጎይተኦም ኣዝዩ ሰሓባይ ብዝኾነ፤መልእኽቱ ድማ ረዚንን ንቲ ዜማ ዝሰምዕ ሰብ ጠጠው ኢሉ ንክሓስብ ይገብር፣ ቅድሚ ሐዚ ዝተገበሩ ኹናታት ረብሓኦም ንክምዝንን መገዲ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጠቓምን ተረባሓይ ዝገብርን ከምዝኾነ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ ድማ ከምዝስዕብ’ዩ፡፡

ንዓረር ኣይተወለድናን ንዓረርዬ፣

 ኣይፋልናን ንዓረርዬ፡፡

እናበለ ደጋጊሙ ኣብ ዜማታቱ ብምምፃእ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግዘ ኣብ ኹናትን ኣብ መስዋእትን ክነብር ከምዘይብሉ ንክሓስብን ፤ንኹናት ዝመርሕዎን ዘእትውዎን ሰባት ህዝቢ ግደፉ ንክብል ምልዕዓል ንክፈጥር ዝገብር መልእኽቲ ዘለዎ ግጥምን ዜማ’ዩ፡፡ ከምዚ ድማ እናበለ ይቕፅል፣

መንውሒ ዕድመ ፅልኢ እናወለዱ

ንሓምሳ ዓመት ብሽምና ነገዱ

 ሞቶም እናሞተ ሓፋሽ ስለ ዓዱ

 እናደጋገሙ ሂቦሞ ዘይዓዱ

 ህዝበይ ብሞትካ ንሶም እናማዕረጉ

ክንደይ ወለዶ ብኾፎም ኣሪጉ

 ሳልኦም ሞይትካ ሳላኻ ነቢሮም

ልክዕ ኣለዎ ይኣኽለኩም በሎም፡፡ እናበለ ህዝቢ ይኣክል ኢሉ ካብ እንግድዑ ንከልዕሎም ፃዊዒት የቕርብ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከብዱ ዝሓዞን ዘይተዛረቦን ሓሳብ ከምዘሎ፤ንክዛረብ ዕድል ከምዘይረኸበ፣ጎይተኦም ግና ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ‹‹ተነፊሐ ዶ ክሞት…›› ብዝብል መንፈስ ሃሳቡ ከምዘቕረበ ይገልፅ ፤ብከም ዝስዕብ ግጥሙ፡

ባራምባራስ ብዕራይ ፀጋም፣

ስቕበል ዝብሉ ኣፍኣፍ ልጓም፣

 ንዘይበለስ ይኽእሉ ምሕጓም፣

ህዝቢ ኣብ ከብዱ ዝተሰከሞ፣

ኣንተጉናዮ ሓቒ ከንጥዕሞ፣

 ይንቶግ እምበር ክንፋሕ ደሞ፡፡ይብል፡፡ ሰላም ይኹን፣ፀገም ኣሎ፣ኹናት ኣየድልይን፤ዝብል ሃሳባት ንዘልዕሉ ሰባት ዘይስሞም ሽም እናሃቡ፣ባንዳ እናበሉ…ንዝውንጅሉ መሪሕነት ኮነ ካሊእ ኣካላት ድማ ‹‹ንህዝቢ ሰላም ምባል ባንዳነት ኣይኮነን ››ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ግጥምን ዜማ ከምኡ’ውን ብምስሊ ገሊፅዎ ከያናይ ዩ – ከያናይ ጎይትኦም ሃይለማርያም፡፡

እናቖርጠምሉ ሑፃ ኩርምትና፣

ሓዊ እናሓዙ ብመገዛ ኢድና፣

 ናይ ኣብርሃም በጊዕ መዓዝ ኮይና፣

ንዓረር ዶ ተፈጢርና ንሕና፡፡

 ሰላም ይኹን ዝብል ‘ዩ ፈታዊ፣

ዘይጥዕሞ ግን ኣሎ ሓሳዊ፡፡

ፀለሞኹም ምስ ሓቒ ኣይላለን፡፡

ህዝበይ ይድሓን ዝብል ባንዳ የለን!

ሄርሞን ፍቃዱ

5 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You