‹‹ስራሕቲ ሕርሻ ንምጅማር እናተሰርሐ ይርከብ›› ኣይተ ኣበበ ገ/ሂወት ምክትል ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ዘይምርግጋዕ ሰዒቡ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ፤ እዚ ፀገም ንምፍታሕን ነቐፃሊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብናይ ሎሚ ክረምቲ ሓረስታይ ክሓርስን ኣቕርቦት ክቐርበሉን ግድን እዩ። እዚ ብዝምልከት እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ምክትል ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣበበ ገ/ሂወት ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ኣብሪሆም እዮም። ካብ ዝሃብዎ ሓሳብ ዝተወሰደ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፣ ሰናይ ንባብ!!

ሕርሻ

ኣብዚ ዓመት ሕርሻ ንምጅማር ትልሚ ተታሒዙ እዩ፤ እዚ መጀመርያ ዘርእን መዳበርያን እንታይ ዓይነት እዩ ክቐርብ ዘለዎ ዝብል እንትኾን እቲ ዓብይ ትኹረት ዝተገበረሉ ግና ኣብ ቐረብ ትራክተር እዩ ምኽንያቱም ኣብዚ ዝነበረ ኩነታት ኣብዑር መብዛሕትኦም ጠፊኦምን ተሓሪዶምን ስለዝኾነ ልዕሊ 15 ሽሕ ሄክታር ብትራክተር ክሕረስ ኣለዎ ዘብል ትልሚ ኣውፅኢና ኣለና። ኣብዚ ኸዚ ትኹረት ገይርና ኢና እንቀሳቀስ ዘለና። ኣብዚ ኸዚ ዘለናዮ ባይታ ኸቢድ እዩ፤ ከቢድ ዝገበሮ እቲ ዋና ፀገም ፀጥታ እዩ፤ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ንከይምለስ ዝገብሮ ኩነታት ኣሎ እዩ። ኾይኑ ግና ብዝሓዝናዮ ትልሚ እንተኸይድና ፅቡቕ ነገር ምስራሕ ይካኣል እዩ። ንኣብነት ምስ ማዳበርያ ተተሓሒዙ ናብ 1ነጥቢ8 ቢልየን ዝኣክል መንግስቲ ትግራይ ሂቡ እቲ ማዳበርያ ምምፃእ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ እንትኸውን ሕፅረት ማኻዚኖ፣ መጓዓዓዚ ኣብ ኹሉ ሓረስታይ ዘለዎ ተበፃሒ ንምግባር ኣብዚ ፀገም ኣሎ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ግና እቲ ም ድላው ፅቡቕ እዩ ዘሎ።

ተወሳኺ ሓገዝ የድልየና እዩ ብምባል ዩ ኤስ ኣይ ዲ ፣ ምስ ዓለም ባንኪ .ኣግሪካልቸር ትራንስፎርሜሽን ኤጀንሲ እዚኦም ኹሎም ብምትሕብባር ዘርኢ ቀረብ ነቐርብ ኢና ኢሎም ኣለዉ። ክልል ኦሮምያ ድማ 500ሽሕ ኩንታል ስለዝላኣኸ ኸዚ ዘርኢ ስርጭት ክንጅምር ኢና። ዩ ኤስ ኣይ ዲ ድማ 22ሽሕ ኩንታል ሓገዝ ገይሩልና ኣብ ምምፃእ ይርከብ፤ ዓለም ባንኪ ድማ ሓገዝ ይገብር ኣሎ ፣ ብዘርኢ መዳይ እኹል ምድላው እዩ ዘሎ፣ ኸዚ እታ ዓብይ ትኹረትን ህዝቢ ተሳትፎን ዝደሊ ኣብ ምክፍፋል ኹሉ ሰብ ክረባረብ ኣለዎ። ሓረስቶት ዘርኢ ንክበፅሖምን ንክሓርሱን ክረባረብ ኣለዎ፣ እዚ ክረምቲ እንተሓሊፉ ትግራይ ኣብ ፀገም ክትወድቕ እያ።

ኣብቲ ምስርጫው ዘሎ ኩነታት መብዛሕትኡ ፀገም ዝፍጠር ዝነበረ ኣብቲ መንግስቲ መሓውር ኣጠቓቕማ እዩ፣ መንግስቲ መሓውር ብቀጥታ ተመሊሱ ናብ ስርሑ ተዝጅምር ነይሩ እዚ ኹሉ ፀገማት ኣይፍጠርን ነይሩ። ዘርኢ ምክፍፋል ቀደም ዝነበረ ኣሰራርሓ ኣሎ ዘርኢ ብዘይ ምንም ምንግልታዕ ይከፋፈል ነይሩ እዩ። ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ ቦትኡ ዘይምኳን እዚ ዝፈጥሮ ፀገም እዩ፣ ስለዚ በዚ መዳይ ስራሕቲ ብኣግባቡ ንክስርሑ ክሳብ ወረዳ ኽልተ ግዜ ፀብፃባት ኣምፂእና ሪፖርት ቀሪቡ እዩ። በዚ ሪፖርት መሰረት ሰራሕተኛታት ናብ ቦተኦም ንክምለሱ ፃዕሪ እናገበርና ኢና። እዚ ማለት ነገራት ብቐሊሉ ክኸዱ እዮም ማለት ኣይኾነን ግና ከምዚ ኾይኑ እውን ስራሕትና ክንቕፅል ኣለና።

ዕንወት ትካላት

ዕንወት ትካላት ብዝምልከት መፅናዕቲ ተኻይዱ እዩ፣ ኾይኑ ግና እቲ መፅናዕቲ ሙሉእ ኣይኮነን። ምኽንያቱም ምስ ኹሉ ዝበፅሐ ብርሰት ገምጋም እዩ ክካየድ ፣ እዚ ገምገማ ወይካዓ ፅንዓት ኣብ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ዕንወት እዩ በፂሑ ዝብል ተሰሪሑ ኣብ ቐረባ እዋን ክበፅሐና እዩ። መሊስኻ ንምጥያሽ ዘድሊ ዓቕሚ ክንደየናይ እዩ ዝብል ኣብ ምፅራይ ኢና ዘለና። ንሕና ብውሑዱ ኣብ ዝገበርናዮ ዳህሰሳ ግና ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ ዒስራ ትካላት መብዛሕትአን ንእሽተን ኾነ ዓብይ ጉድኣት ዝበፅሐን እየን፣ ሸውዓተ ዝኾና ትካላት ትእምት ጉድኣት በፂሕወን ኣሎ። ብናታቶም ዳህሳስ 11ቢልየን እዩ እቲ ጉድኣት ዝበፅሐ። እዚ ድማ ናብ ስራሕ ተሎ ንከይጅምር ዝገብር እዩ። ኣብዚ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ድማ ደሞዞም ብኣግባቡ ከይኽፈሉን ክመዛበሉን ዝገብር እዩ። በዚ ምኽንያት ዝበፅሐ ጉድኣት መጠኑ ሰፊሕ እዩ ክባሃል ይካኣል። እተን ዝተረፋ ትካላት ናብ ስራሕ ንክኣትዋ መንግስቲ ዝኸኣሎ ሓገዝ ይገብር ኣሎ እዩ።

ናይቲ መፅናዕቲ ዋና ዓላማ ዝበፅሐ ጉድኣት ምፍላጥ እዩ፤ እቲ ጉድኣት ምስ ፈለጥና ድማ መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ምስራሕ እዩ። እዚ መፅናዕቲ ክሳብ ዝውዳእ ኢልና ግና ኮፍ ኣይበልናን ጎናጎኒ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለዉ፤ መብዛሕትአን ቢሮታት ወዲመን እየን፤ ስለዚ ምፅጋንን ናውቲ ቢሮ ቀረብ ኣብ ምቕራብን ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ። ካልኦት እውን ምስ ፌደራል ቢሮታት ብምትሕብባር ሓገዝ እናተገበረ እዩ ዝርከብ፣ እዚ ማለት ግና እኹል እዩ ማለት ኣይኮነን፣ እቲ ጉድኣት ሰፊሕ ስለዝኾነ።

ረድኤት

ረድኤት ብዝምልከት ኣብ ካልኣይ ዙር እዩ ዝርከብ፣ ናብ ተረዳእቲ ንክበፅሕ ካብ ምዝገባ ብምጅማር፣ ዝቐረበ ረድኤት ድማ ተቐቢልካ ኣብ ምስርጫው ዘሎ ስራሕቲ ቅልጡፍ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ክምስገኑ ይግበኦም። ቀሊል እዋን ስለዘይነበረ። ብተቃራኒ ድማ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ ብዘይምስረሖም ዝበፅሐ ዕንወት ኣሎ፣ ጉዳይ ረድኤት ክረአ ከሎ 4ነጥቢ5 ሓገዝ ይደሊ ኢልና ኢና መንቀሊ ገይርናዮ፣ መን እዩ ሓገዝ ዝደሊ ኢልካ ኣብ ምምዝጋብ ዓብይ ፀገም ነይሩ እዩ። ጎን ንጎኒ ድማ ምዝገባ እናተኻየደ ሰባት ካብ መረበቶም ናይ ምፍንቓል ኩነታት እውን ነይሩ እዩ፤ ተናቢብካ ናይ ምስራሕ ፀገም ነይሩ እዩ። እዚ ብምኳኑ ክርዳእ ዝግበኦ ዘይተረድአ፣ ዘየድልዮ ድማ ዝወሰደሉ ኩነታት ነይሩ እዩ፣ እዚ እቲ ዋና ፀገምና እዩ ነይሩ። እዚ ክባሃል ከሎ ብሓፈሻ ስራሕ ኣይተሰርሐን ማለት ኣይኮነን፣ ከምዚ ኮይኑ ሰባት ንከይሞቱ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ፅቡቕ ምንቅስቃስ እዩ።

ኣብ ትግራይ ሕጋውያን ዘይኾኑ ኣካላት ሒዝካ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ስራሕቲ እናተሰርሐ እዩ፣ ካብዚ ሓሊፉ ግና ገለገሊኡ ዝተፀንዐ ስራሕቲ እዩ ዝኸውን፣ ምስቲ ናይ መንግስቲ ዝነበረ ፀገም ምውዳብ ረድኤት ናብ ሓደ ቦታ ይኸይድ ዝቕበሎ ኣካል ይጠፍእ። ኣብዚ መንጎ ስርቒ የጋጥም እዩ ነይሩ። እዚ ንከይድገም እቲ ኣሰራርሓ መሊስናዮ ኢና፣ ካልኣይ ድማ ስልጠና ተኻይዱ እዩ፣ ሓገዝ ዝደልዩ ኣካላት ኣብ ምምዝጋብ ክፍፍል ኣብ ዝካየደሉ ስርዓትን ካብ መኻዚኖ ወፃኢ ዝግበር ከይዲ እዚ ኹሉ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ንኽካየድን ኣብ ቐዳማይ ዙር ዝተርኣየ ፀገም ምኽንያት እንተነበረ ‘ውን እዚኦም ምኽንያት ኣብዚ ኸዚ እዋን ስለዝቐነሰ፣ ናብቲ ነባር ስራሕቲ ስለዝተመለስና ፣ስልጠና ‘ውን ስለዝተኻየደ፣ ዘተ ብምግባር እቲ ፀገም መሊእኻ እኳ ምጥፋእ ተዘይተኻኣለ ምስትኽኻል ግና ይካኣል እዩ። ማሕበረሰብና ‘ውን ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ፣ ኣነ ሓላፍነት ተዘይተሰሚዑኒ ኣነ ዘጥፍኦ ጥፍኣት እዩ። ነቲ ኻልእ ክጎድእ ዝኽእል በዚ መዳይ ክስተኻኸል ዝግበኦ ብዙሕ ነገር እዩ ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተፈጠረ ፀገም ግና ክድገም እዩ ኢለ ኣይሓስበን። ትግራይ ኣብዚ ኸዚ ዘላቶ ኩነታት ብጣዕሚ ግልፂ እዩ፤ ኣብ ህፁፅ ኩነታት ኢና ዘለና ፣ዓርሱ ክኢሉ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ኣለዎ ፣ትኹረት ሂቡ ክስራሕ ዘለዎ ድማ ናይ ተመዛበልቲ ኣብዚ ክልል ዝፍጠር ህፁፅ ፀገም እናተኸታተለ ሪፖርት ዝገብር ኣካል እዩ ዘድልያ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ረድኤት ፀገማት ከምዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ፣ እዚ ፀገም ምፍላጥ ኣብ ኻልኣይ ዙር ንከይድገም ክገብረና እዩ። እዚ ክባሃል ኸሎ ልዕሊ ሸውዓተ ሚኢቲ ሽሕ ን 4ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ምግቢ ምክፍፋል ተገይሩ እዩ። እዚ ማለት ብመዳይ ሂወት ምድሓን ፅቡቕ ስራሕ እዩ፣ ከም ፀገም ዝነበረ እቲ ረድኤት ዝተማለአ ኣይኮነን ሕሩጭን ስርናይን ጥራሕ እዩ ነይሩ።

ጉዳይ ፀጥታ ኣብ ምስርጫው ሕዚ ‘ውን ምስ ፀጥታ ችግር ተተሓሒዙ እቲ ረድኤት እናተዓጀበ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ብብርኪ ክልል ኣብ ስራሕቲ ፀጥታ እኹል ዝኸነ ምድላው ይግበር ኣሎ እዩ፣ ፖሊሳት ብብርኪ ወረዳ ተበቲኖም ስራሕቲ ጀሚሮም ኣለዉ ፤ ዝተወሰነ ምምሕያሻት ኣሎ እዩ፣ ፀጥታ እንድሕር ስርዓት ዘይሕዝ ኾይኑ እዚ ፀገም ኸዚ እውን ከቸግረና እዩ።

መጠቓለሊ

ኣብ መወዳእታ ዘርኢ ኣብ ምክፍፋል፣ መዳበርያ ኣብ ምክፍፋልን ብትራክተር ንምሕራስ ትልሚ ገይርና ኣለና፣ እዚ ትልሚ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ምስቲ ኩነታታ ፀጥታ ተዋዲዱ እንተኸይዱ እዩ። ግን ፀጥታ ኩሉ ጊዜ ብፖሊስ ጥራሕ ኣይረጋገፅን ፣ፀጥታ ብህዝቢ እዩ ክረጋገፅ ዝኽእል፣ ብጣዕሚ ስግኣት ዝኸውን ነገር እዚ ክረምቲ እንተሓሊፉና እንታይ ከምዝግበር ኣፀጋሚ እዩ። እቲ ኹናት ዝፈጠሮ ዓብይ ፀገም ኣሎ እዩ፤ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ሰላምን ምርግጋዕን እንተመፂኡ እዩ። ስለዚ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ እቲ ሓደ ኩሉ ሰብ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ፣ ካልኣይ ድማ እዛ ክረምቲ እንተሓሊፋትና ጉድኣቱ ንኹላትና እዩ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ትኹረት ንኽዋሃቦ ተገይሩ እዩ፣ ትኹረት ስለዝተገበረሉ ድማ ሓገዛት እናረኸብና ኢና፣ ስለዚ እቲ ሕብረተሰብን ሰራሕተኛታት መንግስቲ እኹል ዝኾነ ምትሕባባር ብምግባር ሓላፍነት ወሲዱ ሓቢሩ ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ ኣለዎ። ግዝያዊ ምምሓዳር ዝተመረፀ ኣካል ኣይኮነን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘቐፅል ኣካል እዩ፤ ናይ መንግስቲ ስራሕ ምሃብ እዩ፤ እዚ ክገብር እዩ መፂኡ፤ እዚ ኹሉ ንምግባር ግና ሓቂ ንምዝራብ ብዘይ ህዝቢ ምትሕብባር ዝስገር ነገር የለን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You