ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ዘፍሸሎም ውዲታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዛ ሃገር ዝፍጠሩ ዘለዉ ፀገማት ሰላምን ምርግጋእን መሰረታዊ ብዝኾነ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ስጉምትታት እናወሰደ ይርከብ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንህወሓትን ሸኔን በግብረ ራዕዳዊነት ዝሰየሞም እንትኾን ፣ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ድማ ሻድሻይ መረፃ ንምትዕንቓፍን ግበረ ራዕዲ ንምፍፃምን ኣብ ዝተዳለዉ ሓይልታት ስጉምቲ ምውሳዱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ገሊፁ ኣሎ፡፡

መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዝነበሩ ጉጅለታት እኩይ ሽርሒ ከምዘፍሸለ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ገሊፁ ኣሎ። ከም መግለፂ እቲ ሓይሊ ዕማም እዞም ጉጅለታት ኣብ ሃገራት ወፃኢ ብዝነብሩ ውሱናት ፅንፈኛታት ኣባላት ዲያስፖራ ደገፍ ፋይናንስ፣ ሓሳብን ሎጀስቲክስን ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዓመፅን ጎንፅን ተልዕኾ ብምሃብ ንክፍፅሙ ብሕቡእ ንዝወደቡዎም አካላት ብምውፋር ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቓፍ ብሕቡእ ተወዲቦም ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ እዮም፡፡

በቲ ሓይሊ ዕማም ብዝተገበረ ክትትል ድማ ኣወዳድቦኦም፣ ኣመራርሓ፣ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት፣ ዝተፈላለዩ ናውቲታት፣ ዝውውር ደገፍ ገንዘብ ዝተገበረሎም መረዳእታታት፣ እቲ ተልእኾ ዝምልከት ዝተፈላለዩ መረዳእታት ተዋዲዶም ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። እቶም ብሕቡእ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጉጅለታት ምስ ውሱናት ኣባላትን ኣመራርሓን መንግስቲ፣ ምስ ኣመራርሓ ገዛእን ተነሓናሕቲ ፓርትታት ፖለቲካ፣ ካብ ትካላት ደሕንነትን ፀጥታን ምስ ዝለቐቑን ኣብ ስራሕ ምስዘለውን ሰባት ሚስጢራዊ ርክብ ብምፍጣርን ምስ ብሕቡእ ዝተወደቡ ዕጡቓት ምትእስሳር ብምፍጣር ሃገራዊ ትርምስ ንምፍጣር ዘኽእል ሽርሒ ብምሓዝ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ መግለፂ ሓይሊ ዕማም ኣብሪሁ።

‹‹ብዛዕባ ኣዲስ ኣበባ ስቕ ኣይንብልን›› ብዝብል ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብዝርከቡ ውልቀ ሰባት ዝተፈጠረ ኣወዳድባ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ኣተሓባበርቲ ሕቡእ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት እናተወሃበ ነይሩ ኢሉ። ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣባል መናእሰይ ብምውዳብ ትልሚ ብምሓዝ ምድላው ዓመፅ ይግበር ከምዝነበረ ድማ ገሊፁ። ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብምትዕንቓፍ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምድያብ ብሕቡእ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ካብ መንጎ ዝመርሑ ዝነበሩ ብጉድለት ስነ ምግባር ካብ ሰራዊት ዝተሰናበተ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ሓደ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

ኮማንደር ኣባል ሰራዊት ነበር ሙሉጌታ ፅጌ ጥላሁን ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ’ውን ምስ ሃምሳ አለቃ ይሁኔ ጀምበሬ ብሕቡእ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ኣብ መግለፂ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ተገሊፁ ኣሎ። ክልቲኦም ሓዊሱ 15 ተጠርጠርቲ ንእክይ ሽርሖም ይጥቀሙሎም ምስ ዝነበሩ ሰነዳት፣በረርቲ ወረቀታት፣ላፕቶፕን ዴስክቶፕ ኮምፒዩተራት፣ ኣፅዋር ኲናት፣ዝተፈላለዩ ደብተር ኣካውንት ባንክ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምውዓሎም እቲ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

እቶም ውልቀሰባት ብተደጋጋሚ ካብ አዲስ አበባ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምንቅስቓስ መናእሰይ እንትምልምሉን ስልጠና እንትህቡን ፀኒሖም ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ ፣ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዓመፅ ብምፍጣር ዝተዋደደ ሁውከት ንምፍጣር ብሕቡዕ ይንቀሳቐሱ ነይሮም ኢሉ። ኣብ አሜሪካ ምስ ዝነብር ፕሮፌሰር ኣበራ መሸሻ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ህግን ስርዓትን ብዝጠሓሰ ብሕቡእ መገዲ 85 ገፅ ዘለዎ ዘይ ሕጋዊ ሓዱሽ ረቒቅ ሕገመንግስቲ ብምድላው ሓደ ሺሕ ኮፒ ተሓቲሙ ንክብተን ኣብ ምድላው እናሃለወ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕቡእ መርበብ ርክብ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝነብሩ 45 ፅንፈኛ ዲያስፖራታት ተወዲቦም ናይዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሽ ኣካል ኮይኖም ከምተረኸቡ ዘመልከተ መግለፂ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ‹‹መሰረት የበጎ አድራጎት ድርጀት››ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ከውሊ ብምጥቃም በሽም እቲ ትካል ካብ ወፃኢ ካብ ቐረፅ ነፃ ብዘእተውዎም ናይ ትምህርቲ ናውቲ ሓገዝ፣ክዳውንቲ፣መጥለፊ ስልኪ፣ ናይ ዙም ምይይጥ ዘገልግሉ ናውቲ፣ሰርቨር ቴሌን ካልኦት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናውቲ ብምእታው ንዝተወደቡ ጉጅለ ጥፍኣት እንተከፋፍሉ ኢድ ብኢድ ከምተታሓዙ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራት ኮይኖም ንዚ ሕቡእ ውዳበ ዘተሓባበሩ ከምኡ’ውን ብፋይናንስ፣ብሓሳብን ብሎጅስቲክ ሓገዝ ይገብሩ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ኣበራ መሸሻ፣ኣይተ ተሻለ ከበደ ኢዶ፣ወይዘሮ የሀረርወርቅ ጋሻው፣ኣይተ ኣስፋው ጀቤሳ፣ኣይተ ማዕርግ፣ኣይተ ቢኒያም፣ኣይተ ኪሩቤል፣ወይዘሪት ኒሻን ኣሕመድ፣ዶክተር ገነት፣ወይዘሮ ኣረጋሽ፣ኢንጅነር ሊሻን ግዛውን ኣይተ ሃገሬ ኣዲስ ምስ ፈተውቲ ሃገራትን ኢንተርፖልን ብምትሕብባር ኣብቲ ትሕቲ ቑፅፅር ንምውዓል እቲ ሓይሊ ዕማም እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ከም ገለፃ ሓይሊ ዕማም ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ኦሮምያ ህውከትን ራዕድን ንምግባር ዝንቀሳቐሱ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ደገፍ ዝግበረሎም ጉጅለ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን፤ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ልዑል ጉድኣት ንምብፃሕ ውዲት ወጢኖም ናብ ምንቅስቓስ ንምእታው ኣብ ምድላው እናሃለው በቲ ሓይሊ ዕማም ብዝተገበረሎም ስጡምን ዝተዋደደን ክትትል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም፡ ፡

እቶም ራዕዳውያን ኣባላት ጉጅለ ህወሓትን ሸኔን ካብ ኸበድቲ እስካብ ቐለልቲ ነብሲ ወከፍ ኣፅዋራት ኲናት ምስ ጠያይቶም፣ቡምባታትን ተቐፃፀልቲ ናውትታት ንመጥቃዕቲ ክጥቀሙሎም ዘሰናድእዎም እንተኾኑ’ውን፤እቲ ዝተተለመ ተልእኾ ጥፍኣት ክኸሽፍ ከምዝኸኣለን እቲ መግለፂ ዘርዚሩ፡፡

እቲ መግለፂ ከምዝበሎ ነቶም ራዕዳውያን ብዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርትን ቦሌ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክመሓላለፍ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ብምጥቋም፤ብዝተገበረ ስጡም ክትትልን ፍተሻን ንመፈፀሚ ተልእኾ ጥፍኣት ክጥቀምዎ ተሓሲቡ ዝነበረ ልዕሊ 305 ሽሕ ናይ ኣሜሪካ ዶላርን ልዕሊ 2 ሚሊየን ናይ ኢትዮጵያ ብር ከምዝተትሓዘ ኣፍሊጦም፡፡

ራዕዳዊ ጉጅለ ሸኔ ብዝተዋደደን ብዝተፀንዐን መገዲ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራትን፣ቦምብታትን፣ዝቀፃፀሉ ናውትታት ከምኡ’ውን ሰነዳት ብስውር ንምሃብ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ተጠርጠርቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓሉን እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ መግለፂኡ ኣመላኺቱ፡፡

ካብ መንጎ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብዲሳ ጣፋ ቆጮልቴ፣ ተረፋ ቶኮሳ ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ከባቢ ሑመራ፤ብኮድ ኽልተ ቑፅሪ ታርጋ -70977-አ.አ ሚኒባስ ዝዓይነታ መኪና ኣብ ውሽጣ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራትን ጠያይትን ፅዒኖም ብደሴ ገይሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ እንትብሉ ኣብ ለገጣፎ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣርጆ ኣለማየሁ ዋቆ ዝተብሃለት ኣባል ጉጅለ ሸኔ፤ሶላር ዝተገጠመሎም ዓለምለኸ ስልክታት ሳተላይት ብወገን ሞያሌ ብምእታው ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ብሕቡእ ንምስርጫው እንትትፍትን ኣብ ቡራዩ ከታ ከምዝተትሓዘትን ዝጠቆመ መግለፂ፣እቲ ግብረ ዕማም፤ራቢራ ዊርቱ ሞሲሳ፣ደረጀ ዱጋሳ ሆርዶፋ፣ወንደሰን መግራ ታደሰ ዝተብሃሉ ኻልኦት ኣባላት ናይቲ ግብረ ራዕዲ ተወሰኽቲ ስልክታት ሳተላይት ካብ ኣዳማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው እንትፍትኑ ብዝተገበረ ምሽጥራዊ ኽትትል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝወዓሉ ጠቒሱ፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝተደራጀወን ብዝተፀንዐን መገዲ ንኽፍፅሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሓደሓደ ከተማታት ኦሮሚያ ዘሰማረዮም፤ ንጉጅለ ኣባ ቶርቤ መሲሎም መጥቃዕቲ ዝፍፀመሎም ናይ ቐደም ዩኒፎርም ሓይሊ መከላኸሊ ሃገርን ዝተፈላለዩ ኣፅዋራትን ብሕቡእ እንተጓዓዓዙ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝወዓሉን እቲ መግለፂ ሓቢሩ፡፡

ኣበራ ሙለታ፣ለሊሳ ኣዳሙ፣ኣበራ ጌታ፣ሙሌ ስዩሜን ኣብርሃም ኣቡ ዝተብሃሉ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፤ተዋሳእቲ ናይቲ ፍፃመ ከምኡ’ውን ገናሒ እታ መኪናን ኣውቲስታን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝውዓሉ እቲ መግለፂ ጠቍሙ፡፡

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ጅማ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተልእኾ ዝተውሃቦም ኢያሱ ለማ፣ካሊድ ሰይድ፣ኣብደላ ኣባ በላይ፣ሰይፉ በላይን ነጋሳ ኬኬሳ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ምስ ዝትዓጠቕዎ ናይ ኢድ ቡምባን ሽጉጣት ከምኡ’ውን ምስ ኻልኦት መፈፀሚ ተልእኾ ጥፍኣት ከምዝተትሓዙ ኣመልኪቱ፡፡

ብሓፈሻ ናይቲ ጉጅለ ምንቅስቓስ እናደገፉ ዝርከቡ ብድምር 15 ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ፈተውቲ ሃገር እናተሰርሐ ከምዘሎን፤ኣፍቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምስ ኣባላት ዋህዮ ከተማ ሓዊሱ 71 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም እዮም፡፡

እቲ መግለፂ ኣተሓሒዙ ከምዝሓበሮ ድጋፍ ገንዘብ እናገበሩ ንዝነበሩ 80 ተጠርጠርቲ ውልቀ ሰባት ስርዓት ገንዘብ ንኽቋረፅ ከምዝገበረን፤6 ዋና ናይቲ ጉጅለ መተሓላለፍቲ ገንዘብ ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝውዓሉ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ጀነራል ፍስሃ ማንጁስ ፣ካሕሳይን ወዲ ሙጉላት ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባትን፤ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ተኽላይን ኣታኽልቲ፣ኣብ እንግሊዝ ዝነብሩ ታከለ፣ኣብ ስዊድንን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ተስፋይ ንጉስን ሰይፈ ኣምባዬ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ንጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብገንዘብ ዝሕግዙ ከምዝኾኑን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መግለፂ ተመሳሳሊ ሃገር ናይ ምፍራስ እኩይ ውዲታት ብምፍሻል፤እናተወሰደ ንዘሎ ስጉምትታት ብቐፃሊ ንህዝቢ ናይ ምፍላጥ ሰራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፁ፡፡

ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ደሕንነትን ፀጥታን ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፣ ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ደሕንነትን፣ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ከምኡ’ውን ኤጀንሲ ደሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ዘካተተ እዩ፡፡

 ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You