ኣባ ለታ

ብቋንቋ ኦሮምኛ ድራማን መዘናግዕ ፕሮግራማት ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ቴሌቪዥንኢትዮጵያ ዝረኣዩ ድራማታት ኦሮምኛ ካብ ዝፍለጡ ተዋሳእቲ እቲ ሓደ ‘ዩ። ክዋሳእ ከሎ ኦሮምኛ ቋንቋ ንዘይሰምዑ ኽምስ ዘብል ጥበበኛ ‘ዩ። ብዙሓት ብተዋስኦ ይዝክርዎ ‘ዮም። ኣድማሱ ብርሃኑ፣ ተዋሳኣይ ፣ ሙዚቀኛ ተዋዛዋዛይ ተፃዋታይ ሙዚቃ መሳርሒ ዝነበረ ዓብይ ናይ ጥበብ ሰብ ‘ዩ። ኣብዝሓ ዝፅውዕዎ ‹‹ኣባ ለታ›› ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ‘ዩ።

ኣርቲስት ኣድማሱ ካብ ኣብኡ ኣይተ ብርሃኑ መገርሳ ካብ አዲኡ ወይዘሮ ዘነበች ጉሹ 26 ሓምለ 1948ዓ.ም ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ቦጂ ቢርመጅ ወረዳ ኣብ ከተማ ቢላ ተወሊዱ። ትውልዲ ስፍርኡ ገና ብቆልዕነቱ ለቒቑ ናብርኡ ምስ ሓትንኡ ኣብ ጦላይ ብምግባሩ ትምህርቲ ‘ውን ክሳብ ራብዓይ ኣብ ጦላይ ተማሂሩ ‘ዩ ፤ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፀ ድማ ብምሸት ትምህርቲ ክሳብ ሻውዓይ ተማሩ ‘ዩ ፤ ንጥበብ ዝነበሮ ፍቕሪ ብምሕያሉ ብ1968 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትያትርን ባህሊ ኣዳራሽን ናይ ባህላዊ ደርፊ ኾይኑ ተቖፂሩ ጀሚሩ።

 ብደራፉ ድማ ‹‹ያ ቱሩንጎ›› ን‹‹ቢቂልቱ ገነማ›› ዝተብሃላ ደርፍታቱ ኣድናቖት ረኺቡ ‘ዩ። ሂርዳ ጋንፋሬ፣ ዳግም መኮንን፣ ኣስቴር ኣብዲ ፣ ሃብታሙ ለሙን ንካልኦትን ግጥሚ ደርፊ ኣበርኪቱ ‘ዩ። ኣብ ሀገር ፍቅር፣ ራስ ትያትርን ብሄራዊ ትያትርን ዝተርኣዩ ተፈተውቲ ናይ መድረኽ ትያትር ተዋሲኡ ‘ዩ። ካብ ዝተፃወተሎም ትያትር ‹‹ቴዎድሮስ››፣ ‹‹ስመኝ ስንታየሁ››፣ ‹‹ባልቻ ኣባ ነብሶ›› ፣‹‹የቬኑስ ነጋዴ››፣ ‹‹እሳት ሲነድ››፣ ‹‹መልእክተ ወዛደር››፣ ‹‹መቅድምን የቆሰሉ ምሽጎች›› ዝብሉን ይርከብዎም።

ብኣብዝሓ ብህዝቢ ዓብይ ናእዳ ዝረኸበ ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ኦሮምኛ እናተመሓላለፈ ዝነበረ “Dhangaa›› መዘናዒ ፕሮግራም ‘ዩ። ኣብዚ መደብ እናተራኣዩ ዝነበሩ መዘናግዕትን ድራማታትን ምስ ኣርቲስት ታደሰ ጩቄ፣ ሙሉጌታ ባልቻ፣ ሁምኔቻ ኣሰፋን ምስ ካልኦት ብምዃን ብደራስነት ፣ ብመዳላውን ተዋሳእን ኾይኑ ተሳቲፉ ‘ዩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ን “Dhangaa” ንክፍቶ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ቋንቋ ኦሮምኛ ዘይሰምዑ ሰባት ኹሉ እቲ ፕሮግራም ንክከታተሉ ዘኽኣለን ዓቕሚ ዝፈጠረን ሰብ ‘ዩ ነይሩ።

 ኸዚ ኦሮምኛ ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ (OBN) ነበር ‹‹ኦሮምያ ቴሌቪዥን ›› ‘ውን “Dheebuu” ድራማታትን መዘናግዒ ተሳቲፉ ‘ዩ። ንጥበብ ዝተኣመነን ከምዝኾነን ንናውቲን ጥቕሚ ዘይንስፍሰፍ ሰብ ከምዝነበረ ብቤተሰቡን መሳርሕቱን ዝምስከረሉ እዚ ዓብይ ሰብ ፣ ብሃንደበታዊ ሕመም 7 ለካቲት 2008ዓ.ም ‘ዩ ዝዓረፈ። ኣርቲስት ኣድማሱ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ኽልተ ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ነይሩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 23 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You