
ስፖርትን ሰላምን ዘይነፃፀሉ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅታ ‘ዮም፡፡ ስፖርት ሰላምን ሕብረትን ንክህነፅ ውድድራት ዓብይ መድረኽት ‘ዮም፡፡ ውድድራት ንምክያድ ድማ ሰላማዊ ዓውዲ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ እዚ ብገንዘብ ዘይትመን ጥቕሚ ስፖርት ናብ ሕብረተሰብ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ይካየዱ ‘ዮም፡፡ እዚ ብምሕሳብ ድማ ዞባ ጉራጌ ዋና ከተማ ኣብ ዝኾነት ኣብ ወልቂጤ ጉያ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡ ‹‹ኬር ኦድ›› ዝተብሃለ እዚ ጉያ ውድድር ‹‹ንኢትዮጵያ ሰላም ንጉየይ›› ብዝብል ቴማ ተፈለጥቲ ኣትሌታት ሓዊሱ ልዕሊ 20ሽሕ ናይቲ ከተማ ነበርቲ ተሳቲፎም ‘ዮም፡፡
ኣብ ስፖርት ኢትዮጵያ ብውፅኢቱ ቀደማይ ዝኾነ ኣትሌቲክስ ብዙሓት ውፅኢታዊ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ከፍሪ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ኾይኑ ግና ሃገር ብስፖርት ብዘለዋ ዓቕምን ተፈጥሮን ኩነታት ብዝግባኣ ልክዕ ተጠቃሚት ንምዃን ኣይከኣለትን፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ውድድር ኣትሌትክስ ዘካይዱ ትካላት ምቅስቃስ እናተርኣየ ይርከብ፡፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ዝኾነ ኬር ኦድ ጉያ ጎዳና ‘ዩ፡፡ ጉራጌ ዘፍረየቶ ነባር ኣትሌትን ተወካሊ ግሎባል ስፖርት ማናጅመንት ኢትዮጵያ ኾይኑ ኣብ ምስልጣን ዝርከብ ተሰማ ኣብሽሮ ፣ ሓዉ ኣትሌት ኣየለ ኣብሽሮ፣ ቻምፕዮና ኦሎምፒክ 10ሽሕ ሜትሮ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ከምኡ ‘ውን ብርክት ዝበሉ ባዓል ሞያታት ስፖርትን ፈተውትን ዝተመስረተ ‘ዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መጀመርያ ውድድሩ እንተካይድ ሎሚ ዓመት ንካልኣይ እዋን ኣብ ወልቂጤ ከተማ ደማቕ ብዝኾነ መልክዑ ኣካይዱ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ ውድድር ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሬኢ ዘፈር ስፖርት ሚኒስትር ደኤታ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ፣ ምኽትላ ኣትሌት ገዛሀኝ ኣበራ፣ ኣባላት ስራሕ ፈፀምቲ ኮሚቴ ፌደሬሽን ፣ ፕሬዝዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢንያም ምሩፅ ይፍጠር፣ ምምሕዳር ዞባ ጉራጌ፣ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርስቲ ወልቅጤ፣ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ከምኡ ‘ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ተረኺቦም ‘ዮም፡፡ 15ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ድንቅኣለም ኣየለ ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ ፤ ኣብ ኣፍሪካ 5ሽሕ ሜትሮ ራብዓይ ብርኪ ብምሓዝ ባዓል ዋና ዲፕሎማ ዝነበረ እዚ ኣትሌት ፣ እቲ ጉያ ዝተኻየደሉ ቦታ ኩነታት ኣየሩ ከምዝፈተኖ ተዛሪቡ፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ በ3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ባዓል ዋና ብሩር ዝበነበረት ኣትሌት ሶፊያ ኣሰፋ ተዓዋት ኾይና ‘ያ፡፡ፕሬዝዳንት ልምዓትን ስፖርትን ኬር ኦድ ኣሰልጣኒ ተሰማ ኣብሽሮ፣ ኬር ኦድ ዝብል ቃል ባዕሉ ፍቕርን ሓድነትን ዝሰብክ ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡ ናቲ ጉያ ዕላማ ድማ ሰላም ምስባኽ ስለዝኾነ ኹሉ ኣብ ዘለዎ እዚ መልእኽቲ ከመሓላፍ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ብወገና ሰላም ዘማእኸለ ካብ ምጉያይ ብዝሓለፈ ስለ ኢትዮጵያ ሰላም ኩሉ ዝግበኦ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣገንዚባ፡፡ እቲ ጉያ ዝሓንገጦ ዕላማ ዓብይ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ፣ ሚኒስትር ስፖርትን ባህልን ፌዴሪኢ ሚኒስትር ዘፈር ስፖርት ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ‘እዮም፡፡
እዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጥን ወፃእን ፀገማት እናሕለፈትሉ ኣብ ላ እዋን ኩሉ ሰብ ካብ ሰላም ንላዕሊ ቀዳምነት ዝህቦ ነገር ከምዝየለ ተዛሪቦም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብጉያ ጎኒ ንጎኒ ንሰላም ምርብራብ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም፡፡ እቲ ውድድር ካብ ሓደ ክሳብ ሽድሽተ ዘሎ ብርኪ ዛዚሞም ምእታው ዝኸኣሉ ኣትሌታት ካብ 75ሽሕ ክሳብ 5ሽሕ ብር ናይ ገንዘብ ሽልማት ተበርኪትሎም ‘ዩ፡፡ ናይዚ ውድድር ኣካል ዝኾነን 10ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝሽፈን ውድድር ጉያ ኣብ ቀረባ ኣብ ከተማ ቡታጅራ ዝካየድ እንትኾን ፣ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝካየድ ወልቂጤ ሳልሳይ ዙር 15ኪሎ ሜትር ካብ ዝተለመደ ወርሒ ሰነ ናብ ወርሒ ጉንበት ተቐይሩ ከምዝግበር ተፈሊጡ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 23 ሰነ 2014 ዓ.ም