- ንህወሓት ናብ ዘተ ናይ ምምፃእ ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ውን ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝደልይ ዝኾነ ኣካል ተቐባልነት የብሉን ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ ። ብሕጊ ዝተኣገደ ህወሓት ናብ ዘተ ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ። ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክኣትው ዝደሊ ዝኾነ ወፃእተኛ ከምዘይትቕበል ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ዘውፀአቶ ኢድ ኣታውነት ዘለዎ መግለፂ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።
ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ንምእታው ምፍታን ብፍላይ ድማ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ዝተተሓሓዘ፤ ግቡእ ዘይኮነ ተደጋጋሚ መግለፅታት ከምዝሃቡ ዘመላኸተ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፤ኢትዮጵያ ሉኣላዊት ሃገር እያ ውሽጣዊ ጉዳያታ ብኸመይ ከምእተመሓድር ክእዝዝ ዝፍትን ዝኾነ ናይ ወፃኢ ኣካል ኣብ መግለፂኡ ሓደሓደ ኣጋራት፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ትኹረት ንምግባር ምፍታኖም ዘመላኸተ እቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሓበራዊ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣጋራት ንምስራሕ ድሌት እንተሃለወ ‘ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ንምእታው ፈተነ ብዘይምቁራፅ እንተቐፂሉ ምስ ኣጋራት ዘለዎ ርክብ ንምግምጋም ከም ዝግደድ ዕላዊ ገይሩ።
ከም መግለፂኡ እንተኾይኑ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኹሎም መኣዝናት ድንበር ልዕልነት ሕጊ ንምስፋን ዘድልዩ መዋቕራት ፀጥታን መገድታትን ናይ ምምዕርራይ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ሓላፍነት ድማ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እቲ ሃገር ዘጋጥሙ ዝኾኑ ሓይልታት ንምክልኻል ምርግጋፅ ሰላምን ደሕንነትን ብሕጊ ዝተውሃቦ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እንትሰርሕ ኣብ ውሽጢ እዚ ”ማዕቀፍ” ብምዃን እዩ።
ኢትዮጵያ ብዕሊ ክትውረር ከላ ዕሽሽ ክንብል ኣይንኽእልን፤ኣግባብ ብዘይኮነ መገዲ ‘ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዶም ዘእትዉ ሱቕ ኣይንብልን ዝበሉ ጉዳያት ወፃኢ፤ነዚ ተባሂሉ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይግቡእ ጥራሕ ዘይኮነስ ሙሉእ ንሙሉእ ተቐባልነት ዘይብሎም መግለፅታት ውድቂ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣድላዪ እዩ፤ንዝብል መግለፂ ኣሜሪካ ምላሽ ዝሃበ ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣድላዪ ብሄራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠርን ብሄራዊ ዘተ ንምዕባይን ብንቕሓት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ፤ምስ ብሕጊ ዝተኣገደ ህወሓት ግና ናብ ዘተ ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣብቲ መግለፂ ኣመልኪቶም።
እቲ መግለፂ ጉዳይ ወፃኢ ከምዘፍለጦ፤መንግስቲ ባህሊ ሰላምን ዕርቅን ንኽጉልብት፣ናይ ሲቪልን ፖለቲካን ባህሊ ንክዓቢ ዓብዪ ፃዕሪ እናገበረ እዩ። ተቓወምቲ ፓርትታት፣ ማሕበረ ሰብ ኣካዳሚ፣ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ኣንስትዮን መናእሰይን ሓዊሱ ሰፊሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዘሳትፍ ተኸታተልቲ ዘተታት ኣዳሊዉ እዩ። ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ ንምብርትታዕ ምስ ሕጋዊ ተቓወምቲ ፓርትታት፣ካብ ኣባላት ሲቪክ ማሕበረሰብ፣ካብ ውልቀ ዘፈር፣ካብ ሽማግለታት ዓዲ፣ሙሁራት፣ካብ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባትን ምስ ካልኦትን ንምርኻብ ድሉው ከምዝኾነ ኣርእዩ። ኣብታ ሃገር ምስ ዝካየዱ ብሄራዊ ኸይድታት ዘተ ግን ህወሓት ንኽሳተፍ ኣጋራት ዝገብርዎ ድፍኢት ግና ተቐባልነት ከምዘይብሉ ግልፂ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ህወሓት ልኣላውነትን ሕገ መንግስታውን ስርዓት እዛ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ብምዃኑ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እዩ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ እዋን ግብረ ራዕዳዊ ዝብል ስያመ፤ ብመሰረት ዝተውሃቦ ውሳነ ኣፅዲቑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ምስ ህወሓት ተዛተዩ ዝብል ተደጋጋሚ ፃውዒት ፈፂሙ ኣይቕበሎን ክብል ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ። ከም መግለፂ ጉዳያት ወፃኢ እንተኾይኑ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈተናታት እንተሃለውዎ ‘ውን ንሰላምን ምርግጋዕን እዛ ሃገር ብፅንዓት እናሰርሐ እዩ። ይኹን ‘ምበር እዛ ሃገር ናብ ብሄራዊ መረፃ እናኸደትሉ ዘላ ጭቡጣት ብዘይኮኑ መረዳእታታት ተመርኲዞም መረዳእታ ዘሰራጭዉ መራኸብቲ ሓፋሽ፤ ናይ መንግስቲ ሽም ካብ ምርሳሕን ኸይዲ እቲ መረፃ ካብ ምፅላም ኻሊእ ዕላማ የብሎምን።
እቲ ሚኒስቴር ከም ዘፍለጦ፤ መንግስቲ ጋዜጠኛ ኣሲሩ ወይ ድማ ዓፈና ኣካይዱ ዝብሉ ኽስታት እንተቐረበሉ ‘ውን፤ ሕጊ ብምጥሓስ ምበር ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛን ፖለቲከኛን ከምዘየለ መንግስቲ ይኣምን። ወፃእተኛ ጋዜጠኛታት ብዝምልከት መንግስቲ ስራሕቲ ጋዜጠኝነቶም እንትሰርሑ ሕግታት ናይዛ ሃገር ብጥብቂ ንኸኽብሩ ይሓትት። እዚ ዘየኽበሩ ብዘይ ሓንቲ ፀገም እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም። ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ፍቓደኛታት ንዘይኮኑ፤ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ግድን ምዃኑ ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። ዝተማለአ ባህሊ ዲሞክራስን ፖለቲካን፤ ምህናፅን ምሕላውን ውሽጣዊ ኸይዲ እንተኾነ ‘ውን ብናይ ደገ ድፍኢት ክርከብ ከምዘይኽእል እርግፀኛ ምዃን የድሊ። ዲሞክራሲ ንምስፍሕፋሕ መሰረታዊ ጉዳይ ንምኽባር ኣብ ልዕልነት ሕግን ሕገመንግስታውን ምስራሕ እዩ። ስለዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነቱ ወሲዱ ሰፋሕቲ ናይ ለውጢ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ክብል ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም