‹‹ሪቫን ሜጋ ፕሮጀክታትና እናቖረፅና ኢትዮጵያውነት ማለት ናፅነትን ክብርን ከምዝኾነ ክነረጋግፅ ኢና›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሪቫን ኹሎም ሜጋ ፕሮጀክታትና እናቖረፅና ኢትዮጵያውነት ማለት ናፅነትን ክብርን ከም ዝኾነ ንዓለም ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ህዝቢ ዓፋር’ውን ብኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ከምዘይደራደር ኣመልኪቶም። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ፓርክ ሰመራ መሪቖም እንትኸፍቱ፤ካብ ኢንዱስትሪ ሰመራ ሓሊፍና ኣብ ኹሎም ሜጋ ፕሮጀክታት ሪቫን እናቖረፅና ንዓለም ኢትዮጵያውነት ማለት ናፅነትን ክብርን ከም ዝኾነ ክነረጋግፅ ኢና ኢሎም።

ናይ ዝኾነ ሃገር ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ከይተቐበልና፤ ብልፅግናና ጋህዲ እናገበርና ክንቕፅል ኢና ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ኢትዮጵያውነት ማለት ናፅነትን ክብርን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። ንሕና ኢትዮጵያውያን ብባዕዳውያን ዘይተገዛእናን ዘይንግዛእን ፤ ዘይተንበርከኽናን ዘይንምብርከኽን ህዝብታት ከምዝኾና ኣመልኪቶም። ህዝቢ ዓፋር ብኢትዮጵያን ብኢትዮጵያውነትን ዘይደራደር ህዝቢ እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ንወደብ ቐረባ ኣብ ዝኾነት ከተማ ሰመራ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ሓደ ዓመት ተሃኒፁ ምዝዛሙ፤ድሌት ናይቲ ህዝቢ ንምርዋይ ቖራፃት ከምዝኾና የመላኽት ኢሎም።

ክልል ዓፋር ብዝተፈላለዩ መዓድናት ዝበልፀገን ንወደብ ዝቐረበ ከምዝኾነ ብምምልካት፤ኣብ ውሽጢ ኢንዱስትሪ ኣትዮም ዝሰርሑ ኢንቨስተራት ብኣግባቡ ምቕባልን ምትእንጋድን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ፓርክ ኣብ ሓፂር እዋንን ብፅሬት ምዝዛሙ ዘደንቕ እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤እቲ ፓርኪ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን ንኢትዮጵያ ተወሳኺ እቶት ከም ዝህብን ጠቍሞም። ንሕና ኢትዮጵያውያን ብሃይማኖትን ብብሄርን ከይተኸፋፈልና፤ብሓንሳብ ኾይንና ንኢትዮጵያ ክነበልፅጋ ኢና ኢሎም።

 ፈላማይ ምዕራፍ ናይቲ ፓርክ ኣብ 50 ሄክታር መሬት ከምዝዓረፈን፤ኣብ ውሽጡ 5 ሽሕ 500 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎም ሸሞንተ ምህርቲ ዘካይዱ ህንፃታት ዝሓዘን፤ ነቲ ምህርቲ ኣደለይቲ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ዝተማለአሉን እዩ። እቲ ፓርክ ሃገርና እናተጠቐመትሉ እትርከብ ወደብ ጅቡቲን ኻልኦት ኣብ ቐረባ ንዝርከቡ ወደባት ኣብ ቐረባ ምርካቡ ብዘፈር ንግዲ ወፃኢ ንዝዋፈሩ መቕረብቲ ምህርቲ ተደላዪ ከምዝኾነን፤ኣብዛ ሃገር ካብ ዝተሃነፁ ፓርክታት መበል 13 ከምዝኾነ ኣፍቲ ስነ ስርዓት ተገሊፁ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You