ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሓረስቶት ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ኣብ እዋን ዘርኢ ዘድልዩ ግብኣታት ግብርና እኹል ብዝኾነ መጠን እናቐረበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕዳጋን ግብኣትን ሚኒስትር ግብርና ኣይተ መንግስቱ ተስፋ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፤ ወድዓዊ ኹነታት እቲ ክልል ኣብ ግምት ብምእታው ስራሕቲ ግብርና ንምቕፃል ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ እዩ።ብፍላይ ድማ እቲ ሓረስታይ ኣብ እዋን ዘርኢ ዘድልዮ ናይ ሓመድ መዳበርያ ተዓዲጉ ናፍቲ ክልል ተበፃሒ ኾይኑ እዩ።
ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ኹሎም ክልላት ግብኣታት ግብርና ኣብ እዋኑን እኹል ብዝኾነ ኹነታን ንኽባፃሕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር፤ኣብ ናይ ሎሚ በጀት ዓመት ካብ ኹሎም ክልላት ብዝትኣከበ ጠለብ 18 ነጥቢ ሓደ ሚሊየን ኩንታል ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ከምዘድሊ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ካብ መንጎ እዚ ድማ ክልል ትግራይ ሸሞንተ ሚኢቲ ሽሕ ኩንታል የድልየኒ እዩ ኢሉ ብዘቕረቦ መሰረት ሚኢቲ ብሚኢቲ ክቐርብ ተገይሩ እዩ።
ኣብ 2012 ዓ/ም ናፍቲ ክልል ኣትዩ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ 214 ሽሕ 867 ኩንታል ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ሓዊሱ ሎሚ ዘበን ድማ 225ሽሕ325 በድምሩ 440 ሽሕ169 ኩንታል ናፍቲ ክልል ከምዝቐረበ እቶም ዳይሬክተር ኣፍሊጦም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ መቐለ ዝበፅሐ ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ናፍቲ ሓረስታይ ንምስርጫው ምድላዋት ወጊኑ ናብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እናሰራጨወ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፤ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሓረስቶት ኣብ እዋን ዘርኢ ዘድልዮም ግብኣት ብእኹል እናቐረበሎም ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኣፍቲ ክልል ዘሎ ፀገም ኣብ ውሽጢ ግምት ብምእታው ካብ ጅቡቲ ጀሚሩ ዘሎ ርክብ ብምጥንኻር ልዑል ክትትልን ድጋፍን ብምግባር እቶም ግብኣታት ኣብ ምጉዕዓዝ ከምዝርከብ ገሊፆም። ቕድሚ ኹሉ ናይ ሓመድ ማዳበሪያ ምቕራብ ኣድላዪ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤እዚ ሪፖርት ኣብ ዝሰናደአሉ እዋን’ውን ብርክት ዝበለ መጠን ዘለዎ ማዳበሪያ ካብ ጅቡቲ እናተፅዓነን ኣብ ምጉዕዓዝ ከምዝርከብን ገሊፆም።
ፈለማ ማዳበሪያ ምቕራብ ግቡእ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤እቲ ሓረስታይ እንተቐሪቡሉ ባዕሉ ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ክወስድ እዩ። እቲ ሚኒስቴር እስካብ ሐዚ ምስ ክልል ብዘለዎ ክትትልን መረዳእታን ማዳበሪያ ብዝምልከት ዋላ ሓንቲ ፀገም ከምዘይገጠሞ እቶም ዳይሬክተር ኣመልኪቶም። ብቐፃሊ ዘጋጥሙ ፀገማት እንተሃልዮም ብዘተ ከምዝፍታሕ ጠቍሞም።
ምሩፅ ዘርኢ ብዝምልከት ብብርኪ ሃገር ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊየን ኩንታል ንምቕራብ ካብ ውሽጢ ዝተትሓዘ ትልሚ ክልል ትግራይ 23 ሽሕ 221 ኩንታል ጠለብ ከምዘቕረበ ዝሓበሩ ኣይተ መንግስቱ፤ ዝተፈላለዩ ትካላት ምስ ሚኒስቴር ግብርና ብምዝርራብ እቲ ክልል ንምሕጋዝ 30 ሽሕ ኩንታል ዝተፈላለየ መጠንን ዓይነትን ዘለዎም ምሩፃት ዘርእታት ከምዝተገዝኡ ኣፍሊጦም።
ካብዚ ብተወሳኺ 800 ኩንታል ዕድጊት ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ኸይዲ ከምዝርከብ ብድምሩ 30 ሽሕ 800 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ናፍቲ ክልል ከምዝቐርብ ዘፍለጡ እቶም ዳይሬክተር፤እዚ’ውን እቲ ክልል የድለየኒ እዩ ኢሉ ካብ ዝሓተቶ መጠን በጀት ንዓቐብ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም። እስካብ ሐዚ ዘሎ’ውን 8 ሽሕን 521 ነጥቢ ሓሙሽተ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ናብ መቐለ እናተጉዓዓዘ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢ ሓዊሱ፤ማዳበርያ ብእኹል መጠን እናቐረበሎም ይርከብ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ብፍላይ ድማ ምስ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ጎኒንጎኒ እቲ ሓረስታይ ስሩዕ ልምዓት ክቕፅልን ከልምዕን ይከኣል እዩ ብዝብል ስምዒትን ኣተሓሳስባን ናብ ልምዓት ክእቶ ብዝተፈለየ መልክዑ ድጋፍ እናተገበረ እዩ ኢሎም። ማዳበርያ፣ ምሩፅ ዘርእን ኬሚካልን ንሓረስታይ ኣብ እዋኑ ምቕራብ ተዘይተኻኢሉ ምህርቲ ምዕባይን፤በብእዋኑ እናወሰኸ ንዝመፀ ቑፅሪ ህዝቢ ምምጋብ ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ብዘለዎ ውሑድ መሬት ምህርቲ ምዕባይ ግድን እዩ ኢሎም።ነዚ ድማ ብዋናነት ግብኣታት ግብርና ምጥቃም ግቡእ እዩ። ንምጥቃም ድማ ኣብ እዋኑ ክቐርብ ኣለዎ ብምባል ነቲ ዘፈር ልዑል ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣፈፃፅምኡ’ውን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሐሸ ከምዝኾነን ኣይተ መንግስቱ ጠቍሞም።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም