‹‹ካብ ሱዳን ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ 320 ኣባላት ጁንታ ተደምሲሶም››

ኣዲስ ኣበባ፡- ካብ ሱዳን ብሓምዳይት ገይሮም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ 320 ኣባላት ጁንታ ምድምሳሶም ሓላፊ ሓይሊ ወፍሪ ሚኒስቴር ምክልኻል ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ ኣያሌው ኣፍሊጦም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቐረዩ ተረፍ መረፍ ጁንታ ንምህዳን ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም። ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዘፍለጥዎ፣ ኣብ ማይ ካድራ ጭፍጨፋ ኣብፂሖም ናብ ሱዳን ብምህዳም ከም እንደገና ተወዲቦም ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ዝፈተኑ 320 ኣባላት ጁንታ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተደምሲሶም።

ኣባላት ጁንታ ካብ ወፃኢ ብሰለስተ ጉጅለ ተወዲቦም ይንቐሳቐሱን ሰፊሕ ቕድመ ምድላው ይገብሩን ከምዝነበሩ ዝገለፁ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ ብሰለስተ ጉጅለ ተወዲቡ ንኣዋርሕ ዝኣክል ልዑል ምድላው ይገብር  ከምዝነበረ ሚኒስቴር ምክልኻል ሓበሬታ ከምዝነበሮ ኣመልኪቶም። እቲ ሓደ ጉጅለ ኣብ ኣሜሪካ ቕድሚ ሕዚ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩን ሃገር ወኪሎም ብዝኸዱ ከሓድቲ ዝምራሕን፣ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ደገፍቲ ጁንታ የተሓባብር ከምዝነበረ ዝጠቖሙ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ እቲ ካሊእ ኣብ ካርቱም ተቐሚጡ ኣብኡ ዘለዉ ደገፍቲ እናተሓባበረ ሓይሊ ዝውድብን ዘሰልጥንን ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሳልሳይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተረፍ ጁንታ ምዃኑ ዝጠቖሙ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ እዞም ጉጅለታት ብዝተናበበ መገዲ ነዚ ሓይሊ ናብ ውሽጢ ሃገር ንኸአትዉ ተደጋጋሚ ፈተነታት ይገብሩ ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም። ቕድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተበታቲኑን ተሓቢኡን ዘሎ ኣመራርሓ ጁንታ ብሱዳን ገይሩ ክወፅእ ብምግባር ነዚ ሓይሊ እዚ ንምእታው ተሊሞም ይንቐሳቐሱ ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም። ጅግና ሰራዊትና ቐትርን ለይትን ብዘይ ዕረፍቲ ብዝገብሮ ዘሎ ፍተሻ እቲ ፀላኢ ትልሙ ከሳኽዕ ዘይምኽኣሉ ዘማላኸቱ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘሎ ተረፍ መረፍ ጁንታ ትልሙ ከዐውት ብዘይምኽኣሉ ፈሊጡ ናብ መሕብኢ ጉድጓድ ምምላሱ ገሊፆም።

ናይ መወዳእታ ፈተነ ንግበር ብዝብል ካብ ሱዳን ተላዒሉ ብኣንፈት ሓምዳይትን ሑመራን መበገሲ ገይሩ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ፈተነ ምግባሩ ዘፍለጡ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ እዚ ሓይሊ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ከምተደምሰሰ ኣፍሊጦም። በዝሑ ከባቢ 320 ይግመት። ፍርቑ ብፅምኢ ማይ ኣብቲ መንገዲ ተንጠባጢቡ ቐርዩ ዝበሉ ብርጋዴር ጄነራል ተስፋዬ፣ ፍርቁ ኢዱ ሂቡ። ኢድ ዘይሃበ ድማ ሰራዊትና ብዝገበሮ ዳህሳስ ከምተደምሰሰ ተዛሪቦም። ኣብዚ ግዜ እዚ ብርክት ዝበሉ ንብረታት፣ ካብ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝሰብሰቦም ኣፅዋራት፣ ናይ ሳተላይት

 ስልክታት፣ መራኸብቲ ሬድዮታት ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ኣመራርሓ ጁንታ መድሓኒት ሒዙ ከምዝነበረ፤ እዚ ኩሉ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቚፅፅር ሰራዊት ሃገርና ከምዝወዓለ ኣፍሊጦም። ናብ ጁንታ ዝተላእኸ ወታደራዊ ምስጢር ኣብ ቚፅፅር ምውዓሉ ጠቚሞም። እዚ ንሰራዊትናን ሃገርናን ዓብዪ ዓወት እዩ። ብምዃኑ ሕዚ ‘ውን ነዚ ሓይሊ እዚ ዝድግፍ ተወዲቡ ድሓር ዝቐረየ ክመፅእ ዝሓሰበ ሓይሊ ኣሎ እዩ። ሕዚ ‘ውን እንተመፂኡ ንሕና ከም ኩሉ ግዘ ክንፅበዮ ኢና። ኣብ ውሸጢ ዘሎ ‘ውን ክወፅእ ኣይኽእልን ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቐረዩ ተረፍ መረፍ ጁንታ ንምህዳን ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ‹‹ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር መጥቓዕቲ እናብፃሕና ኢና›› ብዝብል ዝናፈስ ወረን ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You