‹‹ ብሓሶት ናይ ህወሓት ሓበሬታ ተመስሪትካ ኣብ ምንቅስቓስ ፀጥታ ኣካላት ኢትዮጵያ ሓሳብ ምሃብ ትኽክል ኣይኮነን ›› ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳይ

ኣዲስ አበባ፡- ብኣሸባሪ ህወሓት ዝዝርጋሕ ኣብ ሓሶት ዝተደረኸ ሓበሬታ ተመርኲዞም ኣመሪካውያን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣካላት ፀጥታ ኢትዮጵያ ሓሳብ ምሃብ ጌጋ ምኻኑ ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳይ ኣፍሊጦም፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወደበን ንምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዝፈታተን ሓይሊ ብዘይ ምህላዉ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ዝቐረበ ሓሳብ ግጉይ ምዃኑ ጠቚሞም።

ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ወፃኢ ጉዳይ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ወፃኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብዛዕባ ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ ብፍላይ ንኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ ኣሜሪካውያን ኣብ ትግራይ ክልል ምርግጋዕ ኣብ ዝሰፍነሉ ኩነታት ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር ምድላዮም ብመንግስቲ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪካ ዝኾነ ጄፍሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሕት ኮነ ሕዚ ብወገን ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ክልል ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ድሌት ምህላዉ ተረዲእና ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፣ ኣብቲ ክልል ዝተወደበን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈታተን ሓይሊ ኣብዘይብሉ ኩነታት ውግእ ጠጠው ይበል ዝብል ሓሳብ ጌጋ እዩ ኢሎም፡፡ ከም ገለፃ ኣምባሳደር ዲና፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ኦፕሬሽን ከምተወደአን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ውሑዳት ተበታቲኖም ዝርከቡ ውልቐሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምንቕስቓስ ፀጥታ ኣካለት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ትግራይ ምርግጋዕ ንምምፃእን መሊስካ ንምጥያሽን ኩለመዳያዊ ምንቕስቓስ ህብረተሰብ ከምዘድሊ ይእመን ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፣ ንምርግጋዕ ኽልል ትግራይ ዘድልዮ ማሕበራት ሲቪል፣ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ካልኦትን ዝሳተፍሉ ናይ ሓባር ምንቅስቓስ እዩ፤ እዚ ‘ውን ተጀሚሩ እዩ ኢሎም፡፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ስራሕ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እናተንቀሳቐሰ እዩ፤ እዚ ውን ንልኡኽ ኣሜሪካዊ ከምተገለፀ ኣፍሊጦም፡፡ ኣሜሪካውያን ግና ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም በዚ ኣግባብ እዚ ንምፍታሕ ድሌት ከምዘይብሎም ጠቚሞም፡፡

ከም ወሃቢ ቓል እንተኾይኑ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተውፃእፀአ ሰራዊት እዩ፤ ፀጥታ ኣካላት ‘ውን ካብ ኩሉ ከባቢታት ዝተውፃእፅኡ ምኻኖም ይፍለጥ፡፡ ካብዚ ብሄር እዩ ኢልካ ምፍላይ ኣየድልይን፡ ፡ በዚ ምኽንያት ኣሜሪካ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከምኡ ‘ውን ካሊእ ሓይሊ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ ብዝብል ዘውፀኦ መግለፂ ዘኽይድ ኣይኮነን፡፡

ናይ ወፃኢ ዜግነት ዘለዎ ሓይሊ ካብቲ ከባቢ ውፃእ ክትብል እትኽእል እያ፤ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘለዎ ሓይሊ ግና ካብ ሃገሩ ፈሊኻ ካብዚ ከባቢ ውፃእ ኢልካ ምዝራብ ኣይካኣልን፡፡ እዚ ንኣመሪካውያን ብተደጋጋሚ ተገሊፅሎም እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ጉዳይ ብናይ መን ጌጋ ዝተፈጠረ ምዃኑ ኣብ ተፈላለየ ግዜ ንኣመሪካውያን ተነጊርዎም እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፤ብምኽንያት ህወሓት ብማሕበራዊ ሚድያን ብተፈላላዩ ኣጋጣምታት ዝዝርግሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተደሪኾም ኣመሪካውያን ኣብ ምንቕስቓስ ፀጥታ ኣካላት ኢትዮጵያ ሓሳብ ምሃቦም ትኽክል ከምዘይኮነ ገሊፆም እዮም፡፡

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዘፍለጥዎ፣ ናይ ቴክሳስ ይኹን ሎስ ኣንጀለስ ከምኡ ‘ውን ኒዮርክ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ፀጥታ ኣሜሪካ ምንቕስቓስ ከምዝሳተፍ ኩሉ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዘሎ ናይ ፀጥታ ሓይሊ መንግስቲ ኣብ ዘዋፈሮ ቦታ ከምዝዋፈር ምፍላጥ የድሊ፡ ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ይውፃእ ወይ ፀጥታ ሓይሊ ኢትዮጵያ ካብዚ ከባቢ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ብወገን ኣሜሪካውያን ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ክእረም ይግባእ፡፡ ብጀካ ኣብ ክልል ትግራይ ብጉዳይ ፀጥታን ተተሓሓዝነትን ዘለዎምን ብኻሊእ ከም ምስ ኣሜሪካ ብግድብ ህዳሰ ብዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ቕዋም ኣመሪካውያን ምቕባሎም ብፅቡቕ ጎኒ ከምዝረአ ኣምባሳደር ዲና ኣፍሊጦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You