‹‹እምነት ዋና መሰረቱ ፅቡቕ ምግባር፣ፅቡቕ ምሕሳብን ምንባርን እዩ›› ሸኽ መሓመድ ሲራጅ

ኣዲስ ኣበባ፡- እምነት ብኣከዳድና ክፈላለይ ይኽእል‘ምበር ብተግባር ሓደ እዩ፤ምኽንያቱ እቲ ዋና መሰረቱ ፅቡቕ ምግባር፣ፅቡቕ ምሕሳብን ምንባርን እዩ ክብሉ ሸኽ መሓመድ ሲራጅ ገሊፆም፡፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኡለማ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ዕርቕን ሸኽ መሓመድ ሲራጅ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጽዎ፣ ኣብ ሃገርና ናብ ዘይንፈልጦ ኸባቢ እንትንኸይድ መሕደሪ እንሓትት ናብ ፍሉጣት ኣቦታት ሃይማኖት ብምኻድ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ይጎድኡኒ እዮም ዘይኮነስ፤ኣብሊዖም ኣስትዮም ተኸናኺኖም ከሕድሩኒ እዮም ኢሉ ስለ ዝኣምኖም፡፡ እዚ ዘርእዮ ድማ ንዓኣቶም ዘለና ዓብዪ ቦታ እዩ፡፡ መግለፂ ናይቲ እምነት ‘ውን እዚ እዩ፡፡

ከም ገለፃ ሸኽ መሓመድ፣ እምነት ብኣከዳድና ክፈላለይ ይኽእል ‘ምበር ብተግባር ሓደ እዩ፣ምኽንያቱ እቲ ዋና መሰረቱ ፅቡቕ ምግባር፣ፅቡቕ ምሕሳብን ምንባርን እዩ፡፡ ሓደ ሰብ ኣማኒ እዩ ዘብሎ ስርሑ‘ምበር ዘረብኡ ወይ ድማ ኣከዳድንኡ ኣይኮነን፡፡ ዝኾነ እምነት ኽፍኣትን ምቅሕሓርን ኣየምህርን። እኳ ድኣስ እንተኽኢልኩም ምስ ኹሉ ብሰላም ንበሩ እዩ ዝብል። ፈቲኻ ከይፎተኻ ‘ውን ምስ ዘይመስለካ ምንባር ግድን እዩ።

ሰባት ብእምነት እንተነቢሮም ምድግጋፎም ማንም ክሽርሽሮ ኣይኽእልን ዝበሉ ሸኽ መሓመድ፣ ኢትዮጵያውያን ዘለና ምትሕስሳብን ሓድነትን ኣብ ኹሉ ዓለም ዝፍለጥ እዩ፤ኾይኑ ግና ሐዚ ዘለና ግብሪ ንእምነትና ዝገልፅ ኣይኮነን ኢሎም። ስለዝኾነ እምነትና ናብ ኻልኦት’ውን ክነተኣታትዎ ይግበአና። ኣንሕና እንተኣሚና ብዙሓት ኣመንቲ ክነፍርይ ንኽእል ኢና። ኣንሕና ከይኣመና ግና ዘይሕሰብን ዘይኸውንን ነገር ክብሉ ገሊፆም። ድኹማት ሰባት ድኽመቶም ዝፅግኑ ብሄር ወይ ድማ ሃይማኖት ሽፋን ገይሮም እዮም ዝበሉ ሸኽ መሓመድ፣ሐዚ እናተርኣየ ዘሎ ፀገም ድማ ድኹማት ዝፈጠርዎ ፀገም እዩ ኢሎም።

‹‹ጥዑያት ሰባት ስምዒቶም ብግልፂ እዮም ይዛረቡ፤በሰንከይ ሰብ ክጉዳእ የብሉን እዮም ዝብሉ። ሰብነቶም ተረዲኦም ንሰባት ፅቡቕ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዕሉን። እቲ ፀገም ኣብ ርእሲኦም ከምዝበፅሕ ይፈልጡ እዮም። ኣነ ሰብ እየ ኣብዛ ምድሪ ዘለኒ ፃንሒት’ውን ጊዚያዊ እዩ›› ኢሎም ይሓስቡ ክብሉ ገሊፆም። ‹‹ጥዑያት ሰባት ሕማቕ ታሪኽ ኣየመዝግብን ዝብሉ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ዘተኣሳስር ስርዓተ እምነት ዝሕሉ ተግባር ዝፍፅሙ እዮም።ንወገነይ ብምቑሳል፣ብምድማይ፣ህይወቶም ብምቕዛፍ፤ሃፍቶም ብምዝራፍ ታሪኸይ ኣይቐብርን ዝብሉ ስለዝኾኑ ኣብ ግብረተ ኽፍኣት ኣይሳተፉን። ኣብ ፈጣሪ ‘ምበር ብዝኾነ ኣካል ክጉልበቡ ኣይደልዩን። ዓቕሞምን ጉልበቶምን ፈጣሪኦም ስለዝኾነ፤ሕማቕ ተግባር ዝፍፀም ብኣመንቲ ዘይኮነስ ካብዚኦም ወፃኢ እዩ ››ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሄርተኛ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ምኽንያቱ ሙስሊምን ክርስትያንን ጥራሕ ዘይኮነስ ኦሮሞ፤ ትግራዋይ ፣ኣምሓራይ፣ዓፋርን ጉራጌን፣ሱማሌን ቤንሻንጉልን ወዘተ ብመውስቦ ዝተኣሳሰረ እዩ ዝበሉ ሸኽ መሓመድ፣ እዚ ድማ ፅርይ ዝበልኩ እየ ንምባል ዘኽእል ኹነታት የለን። ታሪኽ’ውን ነዚ ኣይነግረናን።ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሄርተኛ ዘምስልዎ ድኹማት ዝጥቀሙሉ ስራሕ እዩ ኢሎም። ‹‹እምነት ዘለዎ ህዝቢ ብዝኾነ መልክዑ ኣብ ሓድነቱ ኣይደራደርን። ንግብረተ ኽፍኣት’ውን ኣይተሓባበርን። እቲ ዝሳተፍ’ውን እሱ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሐዚ ዘሎ ምፍንቓላት፣ምጥፋእ ህይወት ብብሄርን ብሃይማኖትን ዝተመኽነየ ‘ምበር ኣፍቲ ህዝቢ ዘሎ ከምዘይኮነ ብምእማን ብሓድነት ነቲ ፀገም ፍታሕ ምሃብ ኣድላዪ እዩ›› ክበሉ ሚዒዶም።

ትርሓስ ፍቃዱ

 ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You