‹‹እቲ መረፃ ንሓፂር እዋን ንምፅናሕ ብዝቐረበ ሓሳብ ምስቦርዲ መረፃ ተሰማሚዕና ኢና›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ እቲ መረፃ ንሓፂር እዋን ንኽፀንሕ ቦርዲ መረፃ ዘቕረቦ ሓሳብ ምኽንያታዊ ስለዝኾነ ከምዝተሰማምዐ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ኣብ ዕዳጋ ተኮር ልምዓት ግብርና ብ3.2 ሚሊየን ሄክታር ልምዓት ግብርና እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ፣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ምስ ኣመራርሓ ክልላትን ኣካቢት ቦርዲ መረፃን ኣኺባ ምክያዶም ገሊፆም፣ከም መንግስቲ እቲ መረፃ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ንኽካየድ ድሌትን ምድላውን ከምዘሎ ብምምልካት፤ቦርዲ መረፃ ንሓፂር እዋን እቲ መረፃ ንምፅናሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ምኽንያታዊ ብምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉን ካፍቲ ዝተገመተ ንዓቐብ ብዙሓት መረፅቲ ዝተመዝገቡሉ 6ይ ብሄራዊ መረፃ ንምክያድ፤መንግስቲ ቦርድ መረፃ ንምድጋፍ ብቖራፅነት ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተሰርሑ ዓበይቲ ምምሕያሻት እቲ ሓደ፤ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዓርሱ ኽኢሉ ክንቀሳቐስን ካብ ፖለቲካ ዘይሻራዊ ዝኾኑ ብቑዓት ኣመራርሓ ንኽህልዎ ምግባሩ ከምዝኾነ ጠቍሞም።

ናፃን ዲሞክራሲያውን መረፃ ናይ ምክያድ ባህሊ ብዘይምንባሩ፤ኣብ ውሽጢ ኸይዲ እቲ ምድላው ዘጋጠሙ ሓደ ሓደ ፀገማት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ይኹን’ምበር ካፍቶም ዝሓለፉ እዋናት ብዝሐሸ ናፃን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ዝክኣለና ኹሉ ብምግባር፤ንቐፃሊ ዝካየዱ መረፃታት መሰረት ከምእንስርት ንመላእ ኢትዮጵያውያን የረጋግፅ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ዕዳጋ ተኮር ልምዓት ግብርና ብ3.2 ሚሊየን ሄክታር ልምዓት ግብርና እናተሰርሐ ከምዝርከብ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውፅእዎ መረዳእታ ከምዘፍለጥዎ፤ዕዳጋ ተኮር ኩታ ገጠም ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኣብ 3.2 ሚሊየን ሄክታር ብዓሰርተ ዓይነታት ዘርእታት እናተኻየደ ይርከብ።

እዚ ብምጥንኻር ውፅኢታዊ ምግባር ካብ ኣናእሽተይ እስካብ ላዕለወት ኮምባይነራትን መኹዓቲ መስኖ ሪግን ኻልኦት መሳርሕታት ሕርሻን ግብኣታትን ቐረብ ንምምላእ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም። በዚ ድማ እቲ ሓረስታይ ብተመጣጣኒ ዋጋ መሳርሕታት ንኽረክብ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ መሳርሕታት ሕርሻ ካብ ቐረፅን ታክስን ናፃ ንክኾኑ፤ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኽስርሑን ክገጣጠሙን፤ ኣድለይቲ ግብኣታት ብተመሳሳሊ ካብ ዝኾነ ዓይነት ቐረፅን ታክስን ናፃ ንኽኾኑ ተወሲኑ ምትግባር ከምዝተጀመረን ኣመልኪቶም።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተደላይነቱ እናወሰኸ ዝመፀ ልምዓት ኣቮካዶ ንምስፍሕፋሕ ብዕዳጋ ተኮር ኩታ ገጠም ልምዓት ሕርሻ ኣብ 34 ሽሕ 271 ሄክታር መሬት ልምዓት ዝተሰርሐ እንትኸውን፤ነዚ ዝሕግዝ ድማ ዝተመሓየሹ ዘርእታት ኣቮካዶ ዘዳልዉ 264 ጣብያታት ፈልሲ ተጣይሾም ናብ ስራሕ ከምዝተአተወ ጠቍሞም።

ቕድሚ ኽልተ ዓመት ኣብ ፈተነ ዝነበረ ልምዓት መስኖ ስንዳይ ኣብ ዝቕፅል ዓመት እስካብ ሸውዓተ ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ምእካብን ዘኽእል እዩ፡፤ኣብ ኸባቢ ደጉዓ ዝተመሓየሸ ቴክኖሎጂ ምህርቲ ስርናይ ብምጥቃም ብኣሲዳማነት ዝተበላሸዉ ናይ ስንዳይ መሬት ናይ ምሕካም ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 900 ሽሕ ሄክታር ናይ ስርናይ መሬት ዝለምዐ እንትኸውን እዚ ድማ ብሓፈሻ ሃገራዊ ምህርቲ ስርናይ ናይ 13 ነጥቢ 88 ሚኢታዊ ዕብየት ከመዝግብ ከምዝኽኣለ ኣፍሊጦም።

ኣብ በጀት ዓመት 2012 ናይ ጽገሬዳን “የደጉዓ ዕምበባ“ ንግዲ ወፃኢ 74 ሽሕ ቶን ንምልኣኽ ዝተኽኣለ እንትኸውን ናይ ወፃኢ ንግዲ “ቅንጥብ ዕንባባ“ ውን ሓደ ነጥቢ ክልተ ቢሊየን ምልኣኽ ከምዝተኽኣለን ኣመልኪቶም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You