ኣድላይነት ምኽባር ‹‹መዓልቲ ቕርሲ ››

መዓልቲ ቕርሲ ብትካል ሳይንስ፣ ትምህርትን ባህልን ሕቡራት መንግስታት፣ (ዩኔስኮ) በብዓመቱ ይኽበር ‘ዩ፡፡ እዚ በዓል ንዘበናት ወዲ ሰብ ዘቐመጦ ዓሻራ ሃፍቲ ስልጣነ ካብ ምሕላው፤ ምልማዕን ምፍላጥን ሓሊፉ ንወለዶ ክመሓላለፍ ኽብሪ ከም ዝፈጥር ይእመን፡፡ ብፍላይ ድማ መነባብሮ ቐዳሞት ወለዶ፤ ስልጣነን ፍልጠትን እንታይ ከም ዝመስል ዝምስክር ቁሳውን ባህላውን ሃፍትታት ንምፍላጥ እቲ መዓልቲ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ምኽባር ኣድላዪ ‘ዩ ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣነ ዓለም ዓብዪ ግደ ካብ ዘበርከቱ ሃገራት ብቐዳምነት ተጠቃሲት ‘ያ፡፡ናይ ባህሊ፣ ታሪኽን መሰኻኽር ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ዝኾኑ ዘደንቑ ቅርስታት፣ ሙዝየማትን ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ሃፍትታትን ዝርከቡላ ‘ያ፡፡ በዚ ምኽንያት ኣርኪዮሎጂስታት፣ ብጎብነይትን ብቱሪዝምን፣ ብፍሉይ ኣብ ዘፈር ምርምር ድሌት ዘለዎም ውዳበታትን ውልቀ ሰባትን ትኹረት ይገብሩላ፡፡ይኹን ‘ምበር ክንድቲ ጥንታውነታን ሃፍታን ኣብ መላእ ዓለም ሃፍትታታ ንምፍላጥን ንምልማዕን ካብኡ ዝርከብ ቑጠባዊ ሃፍቲ ንምፍላጥ፤ ካፍቲ ዝርከብ ሃፍቲ ድማ ተጠቃሚት ክትኸውን ኣይትርኣይን፡፡ ነዚ ድማ ከም ፀገም ተገይሩ ዝውሰድ ቕድም ክብል መንግስቲ ነቲ ዘፈር ትኹረት ሂቡ ብሰፊሑ ናይ ዘይምስራሕን ጥቕምታቱ ኣድሚቕካ ዘይምርኣይን ‘ዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ መሰኻኽር ባህሊ፣ ታሪኽን ስልጣነን ተገይሮም ዝጥቀሱ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሃፍትታት ብፍልጠትን ብጥንቃቐን ናይ ምምራሕ ፀገም ከምዝነበረ ይእመን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ተሓልዮም ዝፀንሑ ቅርስታት ዘመሓድሩን፣ ካብ መንጎ ዝሕልዉን ዘመሓድሩን ትካላት ሚኒስቴር ቱሪዝም በዓል መዚ ሓለዋ ቕርሲ ኢትዮጵያ ሓደ ‘ዩ፡፡ እዚ ቤት ፅሕፈት ኣብ ትካል ሳይንስ፣ትምህርትን ባህልን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ዝድህሰሱ) ተንቀሳቐስትን ዘይንቀሳቐሱን ከምኡ ‘ውን ዘይድህሰሱ ቕርስታት ባህልን መንፈሳውን ኹሎም ሓሊዉ ንወለዶ ናይ ምስጋር ሓላፍነት ኣለዎ፡፡

ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ መፅናዕቲ ቕርሲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መረዳእታ እዚ ብፍሉይ ኹነታት ንምስኻዕ ንፈለማ እዋን ብብርኪ ዓለም ‹‹መዓልቲ ቕርሲ›› ክኽበር ‘ዩ። እዚ ኹነታት በብዓመቱ እንትኽበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቅርስታት ፍሉይ ትኹረት ንምሃብን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ውፅኢቶም ክደምቕ ንምግባር ገፊሕ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ይዛረቡ፡፡ ‹‹ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ግንዛበን ፈጠራን መዓልቲ ቅርሲ ብዝተፈላለየ ምድላው ክተኽብር ‘ያ›› ዝበሉ እቶም ምኽትል ዋና ዳይሬክተር፤ እስካዕ ሐዚ መዓልቲ ሙዝየም እናተብሃለ ክኽበር ከም ዝፀንሐ ይዛረቡ፡፡ ከምቲ ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ተፈጥሯዊ፣ ታሪኻውን ሰብ ሰራሕን ባህላዊ ቕርስታትን ዝበልፀገት፤ ሓያለ ናይ ቱሪስት መስሕብ ዘለዋን ‘ያ፡፡ እዞም ቕርስታት ኣብ ዩኔስኮ ብበዝሒ ብምምዝጋብ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ቐዳመይቲ እንተኾነት ‘ውን ዘፈር ክንድቲ ዝድለይ ኣይዓበየን፡፡ ካብ ቐረባ እዋን መንግስቲ ዘፈር ቱሪዝም ዓንዲ ሑቐ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ብምእማን ፍሉይ ትኹረት ምሃቡ ኣፍሊጡ ‘ዩ፡፡ ብተግባር ድማ ሰፋሕቲ ልምዓታት፤ፕሮጀክታት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ‘፡፡ እዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ልዕሊ ኹሉ ቐዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፡፡ ብኣውራ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ሃፍቲ ቱሪዝም ቑጠባዊ ሃፍቲ ተጠቃሚት እትኾነሉ ዕድል ንኽውስኽ ብፍሉይ ኹነታት ዝኽበሩ መዓልታት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም እቶም በዓል ሞያ ይዛረቡ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ዝንእስ ቕርስን መስሕብን ዘለወን ሃገራት ብስፍሓት ሃፍትታተን ንምፍላጥ ዝተፈላለዩ ስልትታት ከውፅኡ ብምኽኣሎምን ንተግባራውነቱ ድማ ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑ ኽኢሎም ‘ዮም፡፡ይኹን ‘ምበር ‹‹መዓልቲ ቕርሲ›› ተባሂሉ እንትኽበር ከምቲ ቕድሚ ካብ ቐረባ እዋን መንግስቲ ዘፈር ቱሪዝም ዓንዲ ሑቐ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ብምእማን ፍሉይ ትኹረት ምሃቡ ኣፍሊጡ ‘ዩ፡፡ ብተግባር ድማ ሰፋሕቲ ልምዓታት፤ፕሮጀክታት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ‘፡፡ እዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ልዕሊ ኹሉ ቐዳምነት ክወሃቦ ይግባእ፡፡ ብኣውራ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ሃፍቲ ቱሪዝም ቑጠባዊ ሃፍቲ ተጠቃሚት እትኾነሉ ዕድል ንኽውስኽ ብፍሉይ ኹነታት ዝኽበሩ መዓልታት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም እቶም በዓል ሞያ ይዛረቡ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ዝንእስ ቕርስን መስሕብን ዘለወን ሃገራት ብስፍሓት ሃፍትታተን ንምፍላጥ ዝተፈላለዩ ስልትታት ከውፅኡ ብምኽኣሎምን ንተግባራውነቱ ድማ ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ክኾኑ ኽኢሎም ‘ዮም፡፡ይኹን ‘ምበር ‹‹መዓልቲ ቕርሲ›› ተባሂሉ እንትኽበር ከምቲ ቕድሚ ሐዚ ዝግበር ኣኼባን ቲሸርት ምስራሕ፤ ወይ ድማ ዕላምኡ ዘይተረድአ ምድላው እንተኾይኑ ሐዚ ‘ውን እቲ ዝድለይ ውፅኢት ክመፅእ ኣይኽእልን፡፡ ኣብ ቐረባ እዋን ብቕርስነት ኣብ ዓለም ዝተመዝገቡ መስሕባት ኢትዮጵያ ዓብዪ ጉድኣት ዝደቀኑ ፀገማት ከምዘለዉ ይእመን፡፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝነበረ ኲናት፤ ሐዚ ‘ውን ብዘሎ ስግኣት ዘይምርግጋዕ ላሊበላ፣ ኣኽሱምን ዝኣመሰሉ ቕርስታን ንጉድኣት ተቓላዕቲ እናኾኑ ‘ዮም፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ዘፈር ቱሪዝምን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሃፍትታት ዝዝክርን ሰፊሕ ግንዛበ ዘጨብጥን ከም ‹‹መዓልቲ ቅርሲ›› ዝኣመሰሉ በዓላት እንትኽበሩ እቶም ጉድኣት ዝተደቀኖም ስፍራታት መስሕብ ብዝምልከቶ ኣካል ትኹረት ንክረኽቡ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ‘ዩ፡፡ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ክበፅሖም ዝኽእል መጉዳእቲ ኣቐዲሙ ምክልኻል ዝከኣለሉ ኣጋጣሚ ምፍጣር ይከኣል ‘ዩ ኢልና ንኣምን፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You