ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኵናት ምውላዕ ስዒቡ ዝተጎድአ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ናብ ንቡር ንኽምለስ ፈለማ ሰላም ክረጋገፅ ኣለዎ ክብሉ ኣማኻሪ ፋይናንስን ቢዝነስን ኢንቨስትመንት ኣይተ ጌታቸው ፋንታየ ገሊፆም። ኣይተ ጌታቸው ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ንህዝቢ ትግራይ ብቚጠባ፣ ሓይሊ ሰብ፣ መሰረተ ልምዓትን ስነ ልቦናን ብጣዕሚ ሓስይዎ እዩ። እዚ ናብ ንቡር ንኽምለስ ቅድሚ ኩሉ ሰላም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክረጋገፅ ኣለዎ።
ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ክህሉ ቅድሚ ኩሉ ሰላም ወሳኒ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ኵናት ኣዝዩ ዝተጎድአ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ናብ ንቡር ንኽምለሰ ኩሉ ሕብረተሰብ ንሰላም ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎም ኢሎም። በዚ ኵናት እዚ ዝተላዕለ ብዙሕ መሰረታዊ ልምዓት ምዕናዎም ዘዛኻኸሩ ኣይተ ጌታቸው፣ እቲ ስሩዕ ናይ ኢኮኖሚ ምንቕስቓስ ክሳብ ዝመፅእ ክስራሕ ዝግበኦ ከም ጥዕና ትካላት፣ እታዎታት ሕርሻ፣ ስልኪ፣ መንገዲን መብራህት ኣቐዲምካ ክስርሑ ኣለዎም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኵናት ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ብቚጠባ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣተሓሳስባ ‘ውን ዘዕኑ ተግባር እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ዝተጎድአ ስነ ልቦና ኣብ ስሩዕ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ስለዘለዎ መንግስቲ ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ሂቦም ንኽሰርሕሉ ኣተሓሳሲቦም። ሰላም ምስ ምርግጋፅ መንግስቲ ጎኒ ንጎኒ ኢኮኖሚ ትግራይ ክሓዩ ኩሉ ኣማራፂታት ምጥቓም የድሊ። ሓረስታይ ንኽሓርስ መንግስቲ ኣገደስቲ ዝባሃሉ ናውቲ ሕርሻ ከማለአሉ ይግባእ ኢሎም። ሰላም ክሳብ ዝረጋገፅ ተባሂሉ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ምፅባይ ኣየድልን። ሰላም ክሳብ ዝመፅእ እቲ ፀገም እናገደደ ከይኸይድ መንግስቲ ናብ ሕብረተሰብ ክቐርቡ ዝግበኦም መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምቕራብ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግበኦ ኢሎም።
ሰላም እንተዘይሃልዩ ህልውና ህብረተሰብን ኢኮኖምያዊ ምንቕስቃስን ክህሉ ስለ ዘይኽእል ሕብረተሰብ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰላም ብመንግስቲ ጥራሕ ክረጋገፅ ትፅቢት ኣይግበርን ክብሉ ገሊፆም። መንግስቲ ጥራሕ ሰላም ከምፅእ ኣይኽእልን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ብፍላይ መንግስቲ ሰላም ንምስፋን ትኹረት ገይሩ ኣብ ዝሰርሐሉ ኩነታት ኩሉ ህብረተሰብ ኣብ ጎኑ ጠጠው ብምባል እጃሙ ከወፊ ይግበኦ ኢሎም። ኩሉ ነገር መንግስቲ ክሰርሖ ትፅቢት ክግበር’ውን ከምዘይብሉ ሓቢሮም።
ኣብ ትግራይ ሰላም ክሰፍን ኢሂን ምሂን ክህሉ ይግባእ፤ ዝተፋላለየ ሓሳብ ናይ ምትእንጋድ ባህሊ ክምዕብል ኣለዎ። ናተይ ሓሳብ ጥራይ እዩ ትኽክልን ንዓዲ ዝጠቕምን ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ የብሉን። ከምዚ እንተኾይኑ ናብ ኵናት ስለ ዘምርሕ ካብዚ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ዕንወት ትምህርቲ ምውሳድ የድሊ ኢሎም። ናብ ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስ ህዝቢ እንተይሓዝካ ምስግጋር ስለ ዘይካኣል ህዝቢ ብጥሜት ከይመውት ብፍላይ ብቐረባ ንትግራይ ዘማሕድር ዘሎ ኣካል መንግስቲ ረድኤት ብትኽክል ናብ ሕብረተሰብ ይበፅሕ ምህላዉ ከረጋግፅ ይግበኦ ኢሎም።
ድሕንነት ህብረተሰብ ቕድሚ ፖለቲካ እዩ፤ ኣብ ትግራይ ዝሳተፉ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ዝኾነ ስምዒት ወፂኦም ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብ ምቕያር ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም። ሰብ ሃፍቲ ብሃፍቶም፣ ሙሁራት ‘ውን ብትምህርቶም ክሕግዙ ክኽእሉ ኣለዎም። መንግስቲ ምሕጋዝ ማለት ፖለቲክኡ ምሕጋዝ ማለት ተገይሩ ጥራሕ ክውሰድ የብሉን። ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኩሉ ብዝኸኣሎ ተሳታፋይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ጉንበት 2013 ዓ.ም