ነፃብራቕ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኢትዮጵያ

 ኢትዮጵያ ምስ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ሃፍቲ ተፈጥራዊ ቕርሲ ዝርከበሎም ሃገራት ‘ያ ትስራዕ። ይኹን ‘ምበር እዞም ሃፍትታት በቲ ዝድለይ መጠን ምፍላጥን ምልማዕን ከምኡ ‘ውን ካፍቲ ዘሎ ሃፍቲ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ናይ ምርግጋፅ ዓቕሚ ግና እስካዕ ሐዚ ከምዘይጠንከረ ይእመን። እዚ ንምቕራፍ ድማ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስትራተጅታት ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት እናገለፀ ከምዝፀንሐ ይስማዕ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ዝተኸበረ በዓል ልደተ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር መላእ ነበርቲ ወፃኢ ሃገር ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንኽኣትዉን ታሪኽ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ተፈጥሯዊ ሃፍትታት ንኽጉብንዩ፤ ሃገሮም ንኽፈልጡን ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሓገዝ ንኸበርክቱ ብመንግስቲ ፃውዒት ተገይሩ ነይሩ። በዚ መሰረት ድማ ልደት ኣብ ሃገርና ብዝብል እቶም ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ፈሊጦም ንኻልኦት ንኸፍልጡ ዕድል ዝፈጠረ ‘ዩ ነይሩ።

ኣዚብ ዝሓዝናዮ ወርሒ ድማ ‹‹ካብ ዒድ እስካዕ ዒድ›› ብዝብል ፕሮግራም ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ዲያስፖራታት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ብተመሳሳሊ ፆም ረመዳንን በዓልን ናብ ሃገሮም ንኽኣትዉን ባህላዊ ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንኽጉብንዩ፣ ኣፍቲ ዓብዪ መሰናድኦ ኣፍጥር ንኽዕደሙን ‹‹ምትሕግጋዝ፣ ሓድነትን ሕብረትን›› ዘጠናኽሩ ፕሮግራማት ንኽሳተፉ እናተገበረ ይርከብ። ካብ መንጎ እዞም ፕሮግራማት ኣብ ክልል ሃረሪ ብፍሉይ ኹነታት ዝኽበር በዓል ሹዋሊድ ይርከብ።

ባህላዊ ምግብን መስተን ሃረሪ ብሄረሰብ ሃረሪ መግለፅታቱ ዝኾኑ ምግብን መስተን ኣለውዎ።ካብ መንጎ ባህላዊ ምግብታት ካብ መሸላን ዕፉንን ዝዳለው ‹‹ኡኻት፣ ጡፍጡፍ››

 እናተብሃሉ ዝፍለጡ እንጀራታት ተጠቀስቲ እንትኾኑ ወቃሊም፣ ሙጠበክ ፣ሰበዘይነባ ፣ ቡንቱር ፣ባጃያ፣ ባሃሮ፣ ኹረይባ፣ ተጠቀስቲ ዝኣመሰሉን ድማ ጥዑማት ምግብታት ‘ዮም። ፀብሕታት ብዝምልከት ሕልበት ፣መረኽ ብልማድ ፀብሒ ኣባዕኸ እናተብሃለ ዝፅዋዕ መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ገዛ ተወለድቲ ሃረሪ ዘይስኣን ‘ዩ።እዚ ፀብሒ ተፈትፊቱ ዝብላዕ ዘይኮነስ ንዓበይቲ ኣጋይሽ ኣብ እዋን በዓላትን መርዓን ብቐዳምነት ካብ መንጎ ዝቐርቡ ዓይነታት ምግቢ ሓደ ‘ዩ። ካብ መንጎ ባህላዊ መስተታት ድማ ብትኩሶም ዝስተዩ ሓሸር ቃሕዋ፣ቁጢ ቃሕዋ፣ዱስ ቃሕዋ፤እንትኾኑ ዝሑላት ድማ ዱስ ሜይ፣ ሌላው ሾርባ፣ ዝበሃሉ ‘ዮም።

ባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፅታትን ብሄረሰብ ሃረሪ መግለፂ መንነቱ ዝኾኑ ባህላዊ ኽዳውንቲ ኣወዳትን ደቂ ኣንስትዮን ዓርሱ ዝኸኣለ ስርዓት ኣለዎ። ኣከዳድና ይኹን መጋየፅታት ዕድመ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ። ደቂ ተባዕትዮ እስካዕ ሸውዓተ ዓመት ዝኽደንዎ ቐምሽ ዝመስል ኽዳን ‘ዩ። ድሕሪኡ ድማ ናይ እስላም ወይ ድማ ‹‹ገናፊ››ዝበሃል ፃዕዳ ስረ፤ ቕዲ እንግሊዝ ዝበሃል ይኽደኑ። እናዓበዩ እንትኸዱ ፃዕዳ ቐምሽ (ፃዕዳ ጀለቢያ) ተኸዲኖም ኣብ ልዕሊኡ ኮት ይድርቡ። ኣብ ርእሶም ኢማመት ወይ ድማ ጥምጣም ይጥምጥሙ። ብመሰረት ባህሊ ኣብዚ ብርኪ እንትበፅሑ ሙሉእ ሰብ ኾይኖም ማለት ‘ዩ።

ካብ መንጎ ኣልባሳት ዝጥቀስ ጌይ ኮሎይታ (ናይ ሃረሪ ቖቢዕ) እንትኸውን፤ በቲ ብሄረሰብ ዝፍለጡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቖቢዕ እንትህልዉ፤ ካብ መንጎኦም እቲ ሓደ ጌይኮለይታ ‘ዩ። ጌይ ኮለይታ ናይ ከተማ ቖቢዕ ማለት እንትኸውን ብኣሰራርሕኡ ፃዕዳ ዝበዝሖን ኣብ ዝኾነ እዋን ዝግበርን ‘ዩ።

እቲ ኻሊእ እሩዝ ኮለይታ ዝበሃ እንትኸውን፤ባህላዊ ቖቢዕ ሃረሪ እናተብሃለ ይፍለጥ።መብዛሕትኡ ፃዕዳን ዝተፈላለዩ ቀለማትን ብዘለዎ ክርታት ዝተሰርሐ እንትኸውን፤ናይ መርዑት ቖቢዕ እናተብሃለ ይፍለጥ፤ ኣብ እዋን መርዓ መርዑትን ኣእሩኽትን ይደሙቁሉ።

ኣከዳድናን ኽዳውንትን ደቂ ኣንስትዮ፤ ብዝምልከት ምስ ናይ ኣወዳት ኣከዳድና ክነነፃፅሮ ከለና ብብዙሕ ቀለማት ዘጋየፀ ስሓባይ ‘ዩ ምባል ይከኣል። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድመ ንእስነተን ጌይ ገናፊ ዝተብሃለ ባህላዊ ስረ ይኽደና። እዚ ባህላዊ ስረ ኣብ ታሕቲ ፀቢብ ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ድማ ኣስፊሕኻ ዝስራሕ ‘ዩ። እቲ ኻሊእ ልዕሊ ገይ ገናፊ ዝኽደን ቐምሽ ኣጥላስ ይበሃል።እዚ ኽዳን ዝኽደኑ መርዑ እንትኾኑ ኣብ ቐረባ እዋን ዝተመርዐወት ‹‹ሓታም›› እትበሃ ናይ ሃረሪ ጓል ኣንስተይትን ሓልሓሊፉ ድማ ኣዴታት እቲ ብሄረሰብ ይኽደንኦ ‘የን። ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ‹‹ሽኣሽቲ ሸለል›› ዝተብሃለ በዓል ፀሊም ቀለም ኽዳን ይኽደና።

ብመንፅር መጋየፂ መግለፂ ብሄረሰብ ሃረሪ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ መጋየፅታት ኣለዉ። ካብ መንጎ እዚኦም ‹‹ወቅሪ›› ዝበሃል እንትኸውን ካብ ብሩር ዝስራሕ ‘ዩ። ወቅሪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ዲዛይናት ዝግበረሉን ኣሰራርሕኡ ከም ሃብል ኣብ ኽሳድ ዝእሰር መጋየፂ ‘ዩ። እቲ መጋየፂ ብሓደ ወገን ዝኽፈትን ዝዕፀውን መኽደኒ ተገይሩ ስለዝተሰርሐ ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለዩ መጋየፅታት፣ ኩሕልን መንዲልን ንምሓዝ የገልግል። እዚ መጋየፂ ኣዋልድ ቁርዓን ተማሂረን ምስ ወድኣ ይገብርኦ። ኣብ ቐረባ እዋን ዝተመርዐወት (ሓታም) እስካዕ ትወልድ ተጋይፀሉን ናብ መርዓ እንትኸዳ ድማ ይገብርኦ።

 ሄርሞን ፍቃዱ

 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 11 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You