ዒድ ሸዋል-ኣብ ሃረሪ

 ንሕና ኢትዮጵያውያን ‹‹ኣዝዩ ምዕሩግን ዝተፈላለየን፣ ሃይማኖት፣ ቅርሲ፣ ታሪኽ፣ ከምኡ ‘ውን መንነት ዘለና ህዝብታ ኢና›› ክንብል ከለና ስቕ ኢልና ኣይኮናን። እኳድኣስ ብዓይኒ ዝርኣዩ፣ ብኢድ ዝድህሰሱ፣ ብዘይ ሓደ ፀገም ናይ ሕልና ፍርዲ ዝወሃቦምን ምስክር ዘድልዮምን እንተኾኑኳ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂእና ናይ ምፍላጥ ዕድል ተዘይረኸብና ‘ውን ዓለም ኣብ ኣፍደገና መፂኣ ነቲ ሓቂ ኹዒቱ ንኽረክብ እሴታትና ባዕሎም ኣፍ ኣውፂኦም ዝዛረቡ ‘ዮም።

ካብ መንጎ እዞም ውቁባት እሴታ ንሎሚ ናብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብምኻድ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ፆም ረመዳን ምስ ተወደአ ዝጅመር ዒድ ሸዋል ክነፋልጠኩም። ብፍላይ ኣብ ክልል ሃረሪ እዚ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብድሙቕ ስነ ስርዓት ይኽበር። እዚ በዓል ባህላውን ሃይማኖታውን ስነ ስርዓት

 ዝሓዘ እንትኸውን ቢሮ ሓላፊ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ መፅናዕታዊ ፅሑፍ መበገሲ ገይሩ ‹‹ኣብ ባህላውን ማሕበራን ስርዓታት ዘይድህሰስ ቕርሲ ባህሊ ሃረሪ››ከምዝስዕብ ኣብራህሪህሞ’ዮም።

ዒድ ሸዋልበዓል ‹‹ዒድ ሸዋል›› ኣብ ኣመንቲ እስልምና ካብ ዘለዉ ፆማት (እዋን ፆም) ንዝኾነ ንዓቕመ ኣዳምን ሂዋንን ዝበፅሐ ሰዓቢ እቲ እምነት ግቡኡ ‘ዩ። ካብ መንጎ እዚኦም ድማ እቲ ዋና ፆም ረመዳን ‘ዩ። ፆም ረመዳን ምስ ተወደአ ፆም ሸዋል ይጅመር። ኣብ ፈላማይ ሰሙን እቲ ፆም በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ይኽበር። ድሕሪ ኻልኣይ መዓልቲ ፆም ሸዋል ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልታት እቲ ፆም ይፍፀም። እዚ ፆም ኣብ ወርሒ ሸዋል ዝፍፀም ብምዃኑ ስያምኡ ካፍቲ ወርሒ ‘ዩ ረኺብዎ።

በዚ መሰረት ድማ ፆም ምስ ናይ ስራሕ ባህልና ክሰማማዕ ገይሮም ባህልን ወግዕን ብዝሓለየ መልክዑ  እተን ሽዱሽተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ብሙፃም በዓል ሹዋል ዒድ ብዘይ ሓደ ኣፈላላይ ኹሉ ብዘሳተፈ መልክዑ ብድሙቕ ኹነታትን ባህላዊ እሴታቱ ብዘንፀባርቕ መልክዑ ይኽበር።

እዚ ድማ ባህላዊ ቅርሱ ህያው ሃፍቲ እቲ ሕብረተሰብን መግለፂ መንነቶምን ገይሮሞ ‘ዮም።ዒድ ሽዋል ኣብ ሃረር ዝነብሩ ኣባላት እቲ ብሄረሰብ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ዝርከቡ መዓልቲ እቲ በዓል ሓሊዎም ኣብ ዘለውዎ ኾይኖም ተኣኻኺቦም የኽብርዎ። እቲ በዓል ኣብ ድሬዳዋ፣ ጉርሱም ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ እናተኸበረ ዝርከብ ዓብዪ እሴት መንነት በዓል ብሄረሰብ ሃረሪ ‘ዩ። ነዚ ድማ ምኽንያቱ ዋላኳ ፆም ሽዋል ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝፆምዎ እንተኾነ በዓል ሹዋል ግና ከም ሃረሪ ዘኽብር የለን፡፤

ኸይዲ ኣከባብራ በዓል ዒድ ሸዋል ኣብ ሃረር ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ‘ዩ ዝኽበር። እዚ በዓል መግለፂ መንነት ሃረር ምዃኑ ንምግላፅ ‹‹ዚኢኛ ዒድ›› (ናትና ዒድ) ሽዋል ዒድ እናበሉ ይፅውዕዎ። ዒድ ሸዋል መሰረቱ ሃይማኖታዊ በዓል እንተኾነ ‘ውን ኣብ ሃረሪ ብድሙቕ ባህላዊ ስነስርዓት ተዓጂቡ ዝኽበር ‘ዩ።

ኣብዘን መዓልታት፤ ኣብ ድሮ እቲ በዓል ሰገናት ናይቲ ከባቢ መድመቒ በዓል ዝኸውን ዓብይን ንእሽተይን ከበሮ (ከረቡ) ፅቡቕ ድምፂ ንኸውፅኡ ብሓዊ ክረስን ስለዘለዎ ብዜማ ተዓጂቦም እናዘወሩ ዕንጨቲ ይእክቡ። ድሕሪ ምእካቦም ነቲ ኸበሮ የሞቕዎ።

ድሕሪኡ ዕዱማት እቲ በዓል ናብ ኣዋቹ ኣትዮም ኣብ ዝተዳለወሎም ቦታ ኮፍ ክብሉ ይግበር። ነቲ ኸበሮ ዝወቕዕዎ ድማ ንዓመታት ፍልጠትን ልምድን ዝኣከቡ ዓበይቲ ዓዲ ‘ዮም። ኣብዚ ዕለት ተሳተፍቲ እቲ በዓል ካብ ሓደ ቦታ ናፍቲ ኻሊእ ዕምብር ዝበለ ፀወታ ናብ ዘለዎ እናተመላለሱ የኽብሩ። ሎሚ ዘበን’ውን ብተመሳሳሊ ኹነታት ኣብ ከተማ ሃረር ተኸቢሩ ኣሎ።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You