ባህላዊ ዓምዲ ፍቕሪ «ፍቼ ጨምበላላ»

ሃዋሳ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ድምቕምቕ ኢላ ፤ ምኽንያቱ ድማ በብዓመቱ ዝኽበር በዓል ሓዱሽ ዘበን ብሄረሰብ ሲዳማ ፍቼ ጨምበላላ ‘ዩ።መናእሰያት ፣ ኣዴታት ፣ ዓበይቲ ዓዲ ፣ ነቲ ማሕበረሰብ ዝገልፁ ኣልባሳት ፣ ቑኖ፣ ባህላዊ ምግብን ሳዕስዒትን ኣዳልዮም ልዕሊ ዝኾነ እዋን ክትደምቕ ገይሮማ ‘ዮም። በዓል ፍቼ ጨምበላላ ካፍቲ ክልል ሓሊፉ ብብርኪ ዓለምን ኣብ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቅርሲ ኮይኑ ዝተመዝገበ ብምዃኑ እቲ በዓል እንትበፅሕ ኹሉ ኣፍታ ከተማ ተረኺቡ ዋና ስነ ስርዓት ኣብ ዝኽበረሉ ‹‹ጉድማሌ›› ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ የኽበር።

መለወጢ ዓመት ክብረ በዓል ብሄር ሲዳማ (ኢንታንጀብል) በዓል ካብ ዝኾኑ ሓደ እንትኸውን ፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረ ዝመፀ መግለፂ ብሄር ከም ዝኾነ ይፍለጥ። ኣብ ህዝቢ ሲዳማ ፍቼን ጨምበላላን ዘይነፃፀሉ በዓላት ‘ዮም። ፍቼ ብስራት ድሮ ዝተወደአ ዓመት (ባሕቲ) ከምዝኾነ ዳይሬክተር ባህልን ቱሪዝምን እቲ ክልል ኣይተ ኣበበ ታፈሰ ነጊሮምና። ካብዚ ቐፂልና ድማ ብዛዕባ በዓላት ፍቼን ጨምበላላን ብውሑዱ ክንርኢ ኢና።

ፍቼ መዛዘሚ ወይ ድማ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ብምዃኑ ሊቃውንቲ እቲ ብሄር ናይ ባዕሎም ቑፅርን፤ ኮኾብን ወርሕን ብምርኣይ ትኽክለኛ መለወጢ ዘበን ድሕሪ ምውሳኖም ቕድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዕዳጋ ህዝቢ ንኽፈልጦ ይእወጅ። ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ባህላዊ መራሕቲ (ዎማች) ንቕነ በዓል ፊቼ ሰሙን እንትተርፎ ዝጀመርዎ ፆምን (ናይ ንስሃ) ፀሎት ይዛዝሙ። እተን ደቂ ኣንስትዮ መድመቒ ጠስሚ ፣ ቆጮ ፣ ፀባን ቕመማቅመምን የዳልዋ።

ጨምበላላ ማለት (ተመሊስኻ ምምፃእ) ማለት ‘ዩ። ሓዱሽ ዓመት ዝጅመረሉ፣ ቖልዑት ስራሕ ዘይሰርሑሉ መዓልቲ ዕረፍቲ እናዞሩ ዝበልዑሉ ፤ ከፍቲ ድማ ነዚ መዓልቲ ተሓፂሩ ኣብ ዝፀንሐ ሕዛእቲ ሳዕሪ ዝበልዓሉ፤ እቶም ሰገናት ቖልዑ ‹‹ኣይዴ ጨምበላላ›› (ዘይርና መፂእና) እናበሉ ተኣኪቦም ገዛገዛ እንትዞሩ ኣዴታት ድማ ‹‹እሌ እሌ›› ወይ ድማ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እናበላ ብጠስሚ ዝተዳለወ ቆጮ (ቡርሳሜ) የቕርባሎም ይበልዑ።

‹‹በዓል ፍቼ ጨምበላላ ሎሚ ዘበን ክነኽብር ከለና ዕፅፍ ድርብ ሓጎስ ‘ዩ ተሰሚዑና›› ዝበሉ ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ፤ሕቶታት ህዝቢ ሲዳማ ዝተመለሱሉ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ብምባል ኣብ ድሮ በዓል ፍቼ ኣብ ባህላዊ ኣዳራሽ ሲዳማ ንዝተረኸቡ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ልዕሊ ሓደ 100 ሽሕ ተሳተፍቲ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ባህላዊ መራሕቲ

ፍቼ ጨምበላላ ሎሚ ዘበን ብኣውርኡ (ዎማች) ኣብ ድሮ ጨምበላላን ሓዱሽ ዓመትን ተረኺቦም ባህላዊ ምርቓ ዝህቡ እንትኸውን ፣ ብፍላይ ኣብ ድሮ እቲ በዓል ብመሰረት እቲ ባህሊ ዝፍፀም ብቖፅሊ ዝተዳለወ መሽሎኺ ፀወታ ይካየዱ። ኣብ በዓል ፍቼ ‹‹ሻፌታ›› ብሓባር ምስ ተቖረሰ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ስነ ስርዓታት ተፈፂሞም።

ፍቼ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ባህላዊ ፋይዳ ከምዘለዎ ብምግላፅ ፤ ፍልጠት ሃገር በቀል ኣቆፃፅራ ዘበን ኣካቲቱ ምሓዙን፤ዋና ዋና ባህላዊ ገፅታታት ዝንፀባረቑሉ ኢንታንጀብል (ዘይድህሰስ) ቅርሲ ከም ዝኾነ ዝምስክር ‘ዩ።በዓል ፍቼ ሰላም ፣ ምክብባር ፣ምክእኣል ፣ ንኽሰፍን ዕርቂ ንኽወርድ ከምኡ ‘ውን ልምዓት ንኽሳለጥ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ መራሕቲ ዓሌትን ዓበይቲ ሽማግለታትን ብሰፊሑ ትምህርቲ ዝህቡሉ እዋን ምስ ምዃኑ እቲ ክልል እዚ ዓብዪ ባህላዊ በዓል ንምሕላው ፣ ንምልማዕን ንምፍላጥን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ከም ዝስራሕ ቃል ኣትዮም።

ኣፈ ታሪኽ በዓል ፍቼ

በዓል ፍቼ ብኣፈ ታሪኽ ከም ዝበሃለሉ ነዚ ሽም ዝረኸበ ‹‹ፊቾ›› ካብ እትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ሲዳማ ‘ዩ ይብሉ። ፊቾ ዕድምኣ ንኣቕመ ሂዋን እንትበፅሕ ብመሰረት ባህላዊ ስርዓት ሲዳማ ምስ ተመርዐወት፤እዛ ጓል ኣንስተይቲ ንወለዳ ፣ንኣሕዋታን ንኣዝማዳን ቡርሳሜ ዝበሃል ባህላዊ ምግብን ርግኦን ብምሓዝ በብዓመቱ ኣብ ዘበን መለወጢ ሲዳማ ብቐዋምነት ብምምፃእ ትሓቶምን ብደስታ ተፃውቶምን ነይራ። እቲ በዓል ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝውዕል እንትኸውን፣ ብመሰረት ኣፈ ታሪኽ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ፊቾ ዘምፀአቶ ምግቢ ኣብዛ ዕለት ምሸት ኣዝማድን ጎራብትን ተኣኪቦም ይምገቡ ነይሮም።ኣቡኣን እቶም ዕዱማትን በብዓመቱ እተምፅኦ ምግቢ ብምድናቕ ይምርቕዋ።ፊቾ ነዚ ብተደጋጋሚ እናፈፀመት ፀኒሓ ብሞት ትፍለዮም። ምስ ተፈለየት ነበርቲ እቲ ኸባቢ ፊቾ ብምሟታ ዓብዪ ሓዘን ይስመዖምን እቲ እሳ ትገብሮ ድግስን ርህራሀኣን ከምኡ ‘ውን ውሃቢት ሓጎስን ፍቕርን ምዃናን ንሓዋሩ ንምዝካር ክብሉ ቕድም ክብል ንሳ ምግቢ ሒዛ እትመፀሉ እዋን በዓል ብሽማ ሰይመሞ።

ፍቼ ጨምበላላ ካብ ሃፍቲ ባህላዊ ሲዳማ ሓሊፉ ብትምህርቲ ሕቡራት መንግስታት ትካል ባህልን ሳይንስን (ዩኔስኮ) ኣብ ዘይድህሰሱ ቕርስታ ዝምደብ ‘ዩ። ከም ኻልኦት ናይ ኣደባባይ በዓላት እዚ ዓብዪ ባህሊ ድማ ንሓድነት ህዝብታት፣ ዓንዲ ምትሕስሳብን ፍቕርን ስለዝኾነ ክንሕልዎ ብዝግባእ መገዲ ንወለዶ ክሳገር ክነፋልጦ ከምዝግባእ ብምጥቋም ክንዛዝም።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You