
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መዓርግ፣ ኣርማ፣ ደንቢ ክዳንን ሓይሊ ባሕሪ ፌዴሪኢን ህንፀት ማእኸል መሰልጠኒ መሰረታዊ ባሕረኛን ኣብ ቢሾፍቱ ዕላዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ‹‹ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ግንባር ፈጢሮም ዝተበገሱላ ሃገር ብምዃና ነታ ሃገር ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ›› ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም እዮም። እቶም ጀነራል ኣብቲ መድረኽ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሃገርና ናይ ወፃእን ውሽጣውን ፀላእቲ ግንባር ፈጢሮም ዝተልዓሉ፣ ሃገርና ብምጭንናቕ ሃገርና ካብ ፀገም ንከይትወፅእ፣ ሃገርና ልዕልነታ ኣሐይላ ንከይትኸይድ… እዚ ዓይነት ስራሕ እናተሰርሐ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓደ ግዘ ብሶማሌ ክልል፣ ብሲዳማ፣ ኣዲስ ኣበባ ፣ብወለጋ ብዝተፈላላዩ ቦታታት በምኻድ ዝፍጠረሉ ጎንፂ እናምኸነ ይርከብ። ነዚ ዓብይን ጀግና ሰራዊት ብህይወቱን ደሙን ሃገር ዝሕሉ ሰራዊት ኹላትና ክነመስግኖ ይግባእ።
እዚኹሉ ምብላዕ ንሃገርና ንምድኻም እዩ።ኢትዮጵያ ክትዳኸም ብመሬታ፣ ብሩባኣን ሃፍታን ብማዕድና ክትጥቀም ኣይትኽእልን። ተተዳኺማ ምንም ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ምልማን እዩ ስራሓ ዝኸውን። ንቡዙሕ ዓመታት እዛ ሃገር ንምድኻም ዝሰርሑ ሓይልታት ሎሚ ድማ ተጠናኺሮምን ተወዲቦምን ኣብ ሃገርና ወፊሮም እዮም። ንሕና ኢትዮጵያውን ድማ ናይዚ ሰለባ ኾይና ኢና። ሃገር ብገንዘብ ዝሸይጥ ብዙሕ ባንዳ ኣፍሪና ኢና። ንኢትዮጵያ ከድሕን ዝኽእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊ ፀጥታ ሒዙ ፀላኢኡ ፈልዩ ብምርኣይ ካብ ወፃእን ውሽጥን ዝኸበቦ ፀላኢ ዝወፀሉ ትልሚ ኣፍሪሱ ምስ ምክልኻል ሰራዊት ብምዃን ክከላኸል ኣለዎ።
ኣብዚ ኸዚ እዋን ዘለናዮ ኹነታት ወይ ሰይርና ስዒርና ናብ ብልፅግናን ዓባይ ዓዲ ንምህናፅ እንሰጋገረሉ ወይ ድማ ፀላእትና ትልሚ ከምዘውፀኡልና ነኒባዕልና ተባሊዕና እንበታተነሉ ምዕራፍ ከምዘለና ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥ ኣለዎ። ተበታቲና እንረኽቦ ውፅኢት ጥፍኣት፣ ምብትታን ከም ሶርያን የመንን ዓይነት ውፅኢት እዩ ዝህልዎ፤ ኻልእ ውፅኢት ክህልዎ ኣይኽእልን። በቢክልል ተበታቲኑ ሃገር መስሪቱ ሃገር ዝመስረተ የለን። ኣብዚ ዓይነት ብርኪ ከምዘለና ኹላትና ክንግዘብ ኣለና። ሃገርና ንምድሓን ኹላትና ሓደ ንኹን፣ተጋግዮም ናይ ፀላኢ መሳርሒ ዝኾኑ ወገናት ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ከምዘለዎምን ፣እዚ ፖለቲካ ዝመሰሎም በዚ ዓይነት ስልጣን ዝርከብ ዝመሰሎም ንሃገርም ጥፍኣት እናደገፉ እዮም። ንኻልኦት ሓይልታት፣ ንኻልኦት ታሪኻዊ ፀላእቲ በሪ እናኸፈቱ እዮም። እዚ ግንዛበ ክረክብ ኣለዎ ።
ሓደ እንትንኸውን እንምነያ ኢትዮጵያ ምፍጣር ንኽእል ኢና፣ ሃፍትና ምጥቃም ንኽእል ኢና፣ ሚኢትን ዓሰርተን ሚልየን ህዝቢ ምምጋብ ንኽእል ኢና ፣ሓደ እንትንኸውን ንኽበር ኢና፣ ሓደ እንትንኸውን ዓበይቲ ንኽውን ኢና፣ ተዘይኾይና ግና ተበታቲና ኣደዳ ፀላኢ ካብ ምዃን ኣይንድሕንን። ስለዚ ብቆራፅነት ሃገርና ንምቕያር እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ዓብይ እዩ።ንኻልኦት ኣፍሪካ ሃገራት ኣብነት ዝኸውን ግድብ እናሰራሕና ኢና። እዚ ግድብ ንኢትዮጵያ ታሪኻዊ እዩ። ካልኦት ፃዕርታት እናካየድና ኢና። ነዚ እዩ’ውን ፀላኢ ዝበዝሐና።ነዚ እዩ በቢከባቢኡ ወፍሪ እናመፀ ዘሎ፣ንዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ኣለዎ።
ሰራዊት ምክልኻልና ካብ ካልእ ዝበለፀ ዝተደራራበ ግቡእ እዩ ዝፅበዮ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስተረደኦ ኩሉ ሓደ ኾይኑ ጠጠው ክብል እዩ፣ እዚ ፈተና ምሕላፍ ይካኣል እዩ። ኣብ መወዳእታ ካብ ኢትዮጵያ እነብልፆ ምንም ነገር ስለዘየለ ንሕና ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዙሓት መፃወዲ ሰባቢርና ኣብዚ ዝበፃሕና ጀጋኑ ደቂ ኢትዮጵያ ስለዝኾና ኢትዮጵያ ንምሕላው ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና። እዚ ኹሉ መፃወድያ ክንሓልፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንና እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝተደገሰ ኹናት ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። እዚ ኹናት ህዝብና ሒዝና ስዕሪና ኢና። ኸዚ ድማ ካልእ ምኽንያት እናተደለየ እንተኾነ ‘ውን ኹሉ ምኽንያት ዝሰርሕ ኣይኾነን። ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክትጓዓዝ እያ። እዚ ፀገም ክትሰግር እያ፣ ክትብልፅግ እያ፣ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013