ሰብኣዊ ሓገዝን ኩነታት ትግራይን

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ማሕበራዊ ቕልውላው ተፈጢሩ እዩ።ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ዜጋታት ተመዛቢሎምን ተፀበይቲ ሓገዝ ኮይኖም እዮም። ቐፃሊ እዋን ክራማት ስለዝኾነ ደማ ዝተመዛበለ ሓረስታይ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንክሓርስን በዝተፈላለየ መገዲ ሓገዝ ንክረክብን መንግስቲ እናሰርሐ ምዃኑ ይገልፅ ኣሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ኸዚ እዋን 4ነጥቢ 5 ሚልየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም እዩ፤ ንዚኦም ዜጋታት ዕለታዊ ሓገዝን ንዘሌቐታ ንምጥያሽ መንግስቲ ምስ መዳርግቲ ዝኾኑ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ይርከብ። ኮምሽን ብሄራዊ ስግኣት ኣመራራሓ ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምዃን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት 4ነጥቢ 5 ሚልየን እንትኾኑ ኣብ መጀመርያ ዙር ንኹሉ ከምዝተባፅሐ ኣፍሊጦም እዮም። ኣብ ዝቕፅል ካልኣይ ዙር ድማ ን 2ነጥቢ 7 ሚልየን ዜጋታት ሓገዝ በፂሑ እዩ።ንዚ ድማ ልዕሊ ብር 3ነጥቢ 7 ቢልየን ወፃኢ ተገይሩ እዩ።

ንዚ ሓገዝ ዝሽፈን ሓገዝ ኣቕረብቲ ክንረኢ ኸለና 70ሚኢታዊ መንግስቲ ዝሸፈኖ እንትኸውን 30 ሚኢታዊ ድማ ኣጋር ኣካላት እዮም።እዞም ኣጋር ትካላት ማሕበር ረድኤት ትግራት(ማረት/ሬስት) ዝባሃል ሃገር በቖል ዝኾነ መንግስታዊ ዘይኾነ ትካል እዩ።ነዚ ሓጋዚ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ እንትኾን 27 ሚኢታዊ ዝኸውን እዚ ትካል ዝሸፈኖ እንትኾን ዝተረፈ 3 ሚኢታዊ ብፕሮግራም ዓለም ምግቢ ዝተሸፈነ እዩ። ኮምሽነር ኮምሽን ብሄራዊ ስግኣት ኣመራራሓ ኣይተ ምትኩ ካሳ ኣብቲ መግለፂ ከምዝገለፅዎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ኸዚ እናባፀሐ ዘሎ መንግስቲ እዩ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበር ሓገዝ ግና ኣካይዳ ለውጢ ተገይሩ እዩ።

ሳልሳይ ዙር ኣብቲ ክልል ዘሎ ወረዳ ውሽጢ ን 86 ሚኢታዊ ብትካላት ረድኤት ሓገዝ ክረኽቡ እዮም ተባሂሉ እዩ። ንዝተረፉ 14 ሚኢታዊ ድማ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቕረበ ክቕፅል እዩ።ኣብዚ ኸዚ እዋን ብመንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካል ማረትን ዝሽፈን ዝነበረ ኣቕርቦት ሓጋዝ ክሰፍሕ ብምግባር ኣርባዕተ ተወሳኺ ኦፕሬተራት ክአትዩ እዮም።እዚኦም ኣርባዕተ ኦፕሬተራት ሓደ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እንትኸውን ካልእ ድማ ሃገር በቖል መንግስታዊ ዘይኾነ ትካል ማረት እዩ ፣እዚ ትካል ቕድሚ ኸዚ’ውን ዝነበረ እዩ።ሳልሳይ ድማ ኬር ዝባሃል መንግስታዊ ዘይኾነ ዓለምለኻዊ ትካል ፣ወርልድ ቪዥን፣ ኤፍ ኤች ዝባሃሉ ትካላት ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ዝገብሩ እዮም።

ሓገዝቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ ንምቕራብ ምቹው ኩነታት ኣይተስተኻኸለናን ብምባል ብተደጋጋሚ ቅሬታ ኣቕሪቦም እዮም። ቅድሚ ኸዚ ዝላዓሉ ፀገማት ኣብዚ ኸዚ እዋን ከምዝተመሓየሹ መንግስቲ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዓሰርተ ኽለተ መዕቖቢታት ምስ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዘተ ብምግባር ኣብ ዝምለስሉ ሰዓት ኣድላይ ዝኾነ ምግብን ካብ ምግቢ ወፃኢ ዝኾኑ ነገራት ብምቕራብ ንክምለሱ ምግባርን፤ ኻልኣይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ዘይተረጋገፀሉ ቦታ ክምለሱ ዘይኽእልሉ ቦታ እንተኾይኑ ድማ ዘመድ ዘለዎም ኣብ ዘመድ ተፀጊዖም ክፀንሑ ምግባር፤ እዚ ኣብ ኻልኦት ሃገራት እውን ዝተለመደ ኣሰራርሓ እዩ፤ምስ ስደራ ብሓባር ምሕላፍ ባዕሉ ፅቡቅ ኣጋጣሚ እዩ።እዚ ገይርና ኣብ አፀጋሚ ከባቢ ዘለዉ ተመዛበልቲ ድማ ግዝያዊ መፅለሊ ጣብያ ብምጥያሽ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ክሳብ ዝረጋገፅ ኣድላይ ሓገዝ እናተገበረሎም ንኽፀንሑ ሰላም ምስተረጋገፀ ንክምለሱ ኣብ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ኮምሽነር ገሊፆም እዮም።

ከም መልዓሊ ኣብ መቐለ ዓብይ መፅለሊ ጣብያ እናተስርሐ ይርከብ። ንዝተማዛበለን ንፀገም ንዝተቓልዑ ዜጋታት ኣቕርቦት ሓገዝ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኻሊእ ትኹረት ዝተውሃቦ ጉዳይ መሰረታዊ ናብሮኦም ንምስትኽኻል እዩ። ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ኣብ ዝተረጋገፀሎም ቦታታት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም ተባሂሎም እዮም።ዜጋታት ብድልየት ዝምለስሎም ሰለስተ መገዲ እውን ተፈልዮም እዮም። ተመዛባልቲ ካብ ምጥያሽ ብዝዘለለ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንክምለሱ ምግባር እውን ካልእ ትኹረት ዝደሊ እዩ። ናይቲ ክልል ሓረስቶት ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ሓሪሶም ኣብ 2014ዓ.ም ካብ ሓገዝ ኽላቐቑ ምስ ግብርና ሚንስተር ብምኳን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ።

ብሚኒስትር ግብርና ንግብርና ግብኣት ዘድሊ ልዕሊ 126ሽሕ ኩንታል መዳበርያ ካብ ወደብ ጁብቲ እናተጉዓዘ እዩ ዝርከብ።ተጠቀምቲ ሓረስቶትን ዝሽፍን ሄክታር መሬትን ተፈልዮም እዮም። ከምኡ’ውን ብር 5ነጥቢ 5 ሚልየን ዝግመት 5 ሽሕን 588 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንምቕራብ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና ንርከብ ኢሎም።እዚ ድማ ብቐጥታ ንስራሕቲ ኽረምቲ ድልው ኾይኑ ሕድ ሕድ ኣብ ትግራይ ክልል ዘሎ ሓረስታይ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ተረዳኢ ንከይኾን እናተሰርሐ ይርከብ ። ኣብዚ ኸዚ ዘሎ ኩነታት ብኹሉ መልክዑ ንኽጠናኸር እናተሰርሐ እዩ።ናይቲ ክልል መሓውር ምድጋፍን ዝዓነዉ ትካላት ንምህናፅ ዝጥቀሱ እዮም።ናይቲ ክልል ሓይሊ ፖሊስን ኩነታት ፀጥታ ንምጥንኻር ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ።ናይቲ ክልል ፀጥታ ኩነታት ኣብቲ ክልል ብዝርከቡ ሓይሊ ፖሊስ ምጥንኻር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከብ’ውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ እዩ።

 መሰረት ገ/ዮሓንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You