ኣብ ኢድ ፀላኢ ኾይንኻ ምፅሓፍ ኣይከኣልን ሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ ግና ነዚ ገይርዎ’ ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ተዛሪቦም

• መፅሓፍ ‹‹የተካደው ሰሜን እዝ›› ንንባብ በቒዑ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ዝኾነ ደራሲ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኾይኑ ክፅሕፍ ኣይኽእልን፤ደራሲ መፅሓፍ ‹‹የተካደው ሰሜን እዝ(ዝተክሓደ እዚ ሰሜን)›› ግና ነዚ ገይርዎ ‘ዩ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም::

ብሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ ጤናው ዝተፅሓፈ ‹‹የተካደው ሰሜን እዝ (የታፈነው ወጥቶ ኣደር)›› ዝተብሃለ መፅሓፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ብሄራዊ ትያትር ተመሪቑ::

ኣፍቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምርቓ መፅሓፍ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ዝኾነ ደራሲ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኾይኑ ክፅሕፍ ኣይኽእልን፤ሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ ጤናው ግና ነዚ ገይርዎ ‘ዩ ክብሉ ነቲ ደራሲ ንኢዶም::

ኣብ እዋን ጭንቂ እቲ ሰራዊት ኣብ ዓፈና ዝነበረሉ እዋን ሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ መዘከርታ ምሓዙ ዝድነቕ ‘ዩ ኢሎም::

መፅሓፍ ‹‹የተካደው ሰሜን እዝ›› ውልቃዊ ታሪኽ ናይቲ ደራሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ኩላትና ኾይኑ ረኺበዮ፤ብዓይኑ ዝርኣዮን ዝሰምዖን ብፅቡቕ ቋንቋ ገ ሊፅዎ ‘ዩ ክብሉ ተ ዛሪቦም::

እቲ ደራሲ ጥንኩር ብርዒ ዘልዓለ፤ንሓቂ ብዝገርም መገዲ ዝትርኽ ፀሓፊ ‘ዩ ክብሉ ንኢዶሞ::በዚ መልክዑ ታሪኽ ዝስንዱ ሰባት እንትርከቡ ልዕሊ እቶም ፀሓፍቲ መንበብቲ ዕድለኛታት ‘ዮም::

ኣብ ዓለም ብርክት ዝበሉ ዝድነቑ መፃሕፍቲ ካብ ወተሃደራት ‘ዮም ተረኺቦም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ደራሲ ድማ ስራሕቲ ፅሑፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ክብሉ መኺሮም:: ወተሃደር ዓርሱ ብዝፈልጦ ልክዕ ፀላኢኡ ተዘይፈሊጡ ኣይስዕርን፤ዘይምፍላጥን ምንዓቕን ክንደየናይ ጣጣ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ፀላእትና ብታሪኽ ብደገን ብውሽጥን፤ ምውቃዕን ምክፍፋልን ስለ ዝትልሙ ሓደ ክንኸውን

 ኣለና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም::

ነቲ መፅሓፍ ዘዳለዉ ሓለቓ ሓምሳ ጋሻዬ ጤናው ኣባል ሰራዊት ምክልኻል‘ዮም:: 24ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ እንትፍፀም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት መከላኸሊ ተዓጊቶም ዘሕለፍዎ እዋንን ተጓንፎታቶምን እቲ መፅሓፍ ይትርኽ:: እቲ ደራሲ ከምዝበሎ እዚ መፅሓፍ ንኸዳልው ኣብ ምሽግ ኾይኖም ንዝዋደቑ ብፆተይ ምስጋና ይግባእ ::

እቲ ደራሲ ቕድሚ ሐዚ ‹‹ውሸታም›› ዝተብሃለት መፅሓፍ እኽብካብ ግጥምታትን ፤ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ዝነበረ ብልሽው ኣሰራርሓ ብመልክዕ ልብ ወለድ ዘቕረብዎ ‹‹ኢትዮጵያ ትሙት›› ዝተብሃለ መፅሓፍን ንመንበብቲ ኣበርኪቱ ዩ::

ኣብ ምርቓ መፅሓፍ ‹‹የተካደው ሰሜን እዝ›› ብርጋዴር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ፣ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ኻልኦት ፍሉጣት ሰባት ተረኺቦም ‘ዮም::

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 29 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You